Sunday , May 12 2024

ግዳያት ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ ሽወደን 11 ይበጽሑ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ጥዕና ሽወደን ትማሊ ዓርቢ ኣብ ኣስታት 600 ሰባት ኣብ ዝገበርዎ መርመራ ኮሮና ቫይረስ ተወሰኽቲ ኣርባዕተ ሰባት ማለት ክልተ ኣብ ስቶኮልም፣ ሓደ ኣብ ኡፕሳል ከምእውን ሓደ ኣብ ዮንሾፒንግ በዚ ዝተለኽፈ ሰባት ረኺቦም። መዚ መስረት ቁጽሪ ግዳያት ኮሮና ቫይረስ ሰባት ናብ 11 ኣብጽሕዎ ይርከብ።

ሰልዚ መጠነ ለበዳ እዚ ቫይረስ ቁልጡፍ ከምዘሎን ሰባት ምስ ግዳያት ዝኾነ ሰባት ካብ ዝገብሮዎ ርክብ ክቑጠቡን፣ ዝኾነ መልክስት ረስኒ ኮነ ጸገም ምስትንፋስ ወይ ሰዓል ምስ ዘጋጥመኩም ናብ ቀረባኹም ዘለዋ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ወይ ብ 1177 ብምድዋል ክሕብር ይመኽሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com