Friday , May 10 2024

ጥረታትን ኣእካልን ቅድሚ ምኽሻኖም ኣብ ማይ ክእለኹ ከምዘለዎም ሰብ መዚ ጥዕና ጸዊዖም።

ከም በዓል ፋጆሊ ዝኣመሰሉ ጥረታት ቅድሚ ምኽሻኖም ብግቡእ ኣብ ማይ ክእለኹ ከም ዘለዎም ናይ ሽወደን ሃገራዊ ወኪል መግቢ (National Food Agency) ንተጠቀምቲ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ። ጠንቂ ውጻኣት፡ ተምላስን ዕግርግርን ዝኾነ ፍሉይ ዓይነት ነገር ኣብ ፋጆሊ ኣሎ። እዚ ድማ ድሕሪ’ቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስኬሌፍትያ (Skellefteå) ብሰንኪ ንምሳሕ ተባሂሉ ዝተቐረበ ፋጆሊ ዘጋጠመ ናይ 300 ሰባት ከብዶም ዝተቐርጽሉ ተርእዩ እዮ።

ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ጥረታት ቅድሚ ምኽሻኖም ኣብ ማይ ተኣሊኾም ከም መግቢ ናይ ምቕራቦም ባህሊ ምዝካር ኣገዳሲ ይመስለኒ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም በዓል ዓደስን ዓይኒ ዓተርን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣብ መኣድና ስለ ንጥቀመሎም ክብል ክኢላ ምምራዝ (NICD toxicologist) ሪቻርድ ፐርሲሊየስ ኣብ ጋዜጣታት ኣስፊሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com