Sunday , May 12 2024

ጸባ ጡብ እደ ምቁራጽ

ሓንቲ ኣደ ንውላዳ ጸባ ጡብ ከትቋርጸሉ ምስ እትውስን እሞ ነቲ መስርሕ ድማ ደረጃ ብደረጃ ምስ እተካይዶ ንዓኣን ንውላዳን እቲ ዝበለጸ ኣገባብ እዩ።

እንተ ድኣ መስርሕ ምጥባው ብጽቡቕ ይቕጽል ሃልዩ እሞ፣ ንኣብነት ህጻን መዓልታዊ 6 ግዜ ዝጠቡ እንተኾይኑ፣ ነቲ መስርሕ ናይ ምጥባው ብሓንሳብ ከተቋርጾ ኣይግባእን። ኣካላት ናይ ኣደ ውን መስርሕ ጸባ ምፍራይ ንኸቋርጽ እኹል ግዜ ክረክብ ይግባእ እዩ።


በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ መስርሕ ምቁራጽ ጸባ ጡብ በብቑሩብ ክጅመር ይግባእ። ቀጻሊ ድማ ንሓንቲ መስርሕ ምጥባው ብንህጻናት ተባሂሉ ዝዳሎ ጸባ (ንእብነት 1 ጡጦ) ክትትክኦ ትኽእል እያ። እቲ ህጻን ክንደየናይ ዓቐን ጸባ ይሰትይ ድማ ኣብ ዕድሚኡ፣ ሚዛኑን ክሳብ ክንደይ ጠምዩ ኣሎን ይውሰን። ኣብ መዐሸጊ ናይቲ እንገዝኦ ጸባ ድማ እቲ ህጻን ክንደይ ዓቐን ክሰትይ ከምዝግባእን ከመይ ጌርና ከነዳልዎ ከምዘለናን ዝገልጽ ጽሑፍ ንረክብ ኢና። ህጻን ነቲ ጡጦ ናይ ግድን ኣይኮነን ክውድኦ ዘለዎ። ምስታይ ምስ ዘቋርጽ ወይ ድማ ምስ ዝኣብይ እሞ ኣብቲ ጡጦ ድማ ጸባ ምስ ዝተርፍ ኣኹልዎ ከም ዘሎ ክንግምት ንኽእል ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ጡጦ ጸባ ምስ ዝተርፍ ብዙሕ ከጨንቐና የብሉን።


እቲ ቀዳማይ መስርሕ እምበኣር፣ ጸባ ናይ ጡብ ከተቋርጽሉ ደሊኺ ዘለኺ ግዜ ብግቡእ ምምራጽ እዩ። እዚ ድማ እቲ ነታ ኣደ ዘጸግማ ናይ ምጥባው ሰዓታት ክኸውን ይኽእል። ወይ ድማ ነቲ ሕጻን ንኽተብው ዘጸግሞ ሰዓታት ክኸውን ይኽእል። እንተ ድኣ ውላድኪ ኣብ ግዜ ምሸት ምጥባው ዝፈትዎ ኾይኑ፣ ኣብ እዋን ምሸት ዘሎ ናይ ምጥባው ሰዓት ኣይተቋርጽሉ ኢኺ።
ጸባ ምጥባው ምስ እተቋርጺ ንጡብኪ ክትሓልብዮ ኣይግባእን እዩ። ኣብ መዓልቲ 1 ግዜ ምጥባው ብምቁራጽኪ ኣካላትኪ ኣብታ ፍልይቲ እዋን (ሰዓት) ጸባ ምፍራይ ከም ዘየድልዮ ይፈልጥ።

 ኣብ መጀመርያ፣ ብምኽንያት እቲ ዝጸንሐ ልምዲ ኣብታ ናይ ምጥባው ሰዓት ኣጥባትኪ ክመልእ ይኽእል እዩ። ድሕሪ 4 ክሳብ 7 መዓልቲ ድማ እቲ ምምላእ ናይ ጡብ ከቋርጽ እዩ። እዚ ክሳብ ዝኸውን ግን ብዓቕሊ ክትጽበዩ ኣለኪ። ብምቕጻል ድማ እታ ካልኣይቲ እዋን ናይ ምጥባው ከትቋርጽያ ትጅምሪ። ኣብዛ ካልአይቲ ምቁራጽ ድማ ኣጥባትኪ ምምላእ ምስ ዘቋርጽ ነታ 3ይቲ ናይ ምጥባው መስርሕ ከተቋርጽያ ትጅምሪ። በዚ ኣገባብ ድማ ኣጥባትኪ ቀጻሊ ዝወሓደ ጸባ ይፈጥር። ከም ተወሳኺ ድማ ዝተወሰነ ግዜ ጸባ ጡብ ዝተረፈ ድማ ዝተዓደገ ጸባ ብምግባር ውላድኪ ክትምግቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብ ሓደ ግዜ ጠቕሊልኪ ምጥባው ከትቋርጺ ምስ እትደልዩ ጡብኪ ምሕላብ ከድልየኪ እዩ። ተዘይኮይኑ ግና ብምኽንያት ምምላእ ናይ ጡብኪ ቃንዛ ክስመዓክን ምናልባት ውን ረኽሲ ከተማዕብልን ትኽእሊ ኢኺ። ብዛዕባዚ ተወሳኺ ሓበሬት ንምርካብ ናብ ኮንሱልታሲቢሮ (consultatiebureau) ወይ ድማ ናብ ሓኪምኪ ብምኻድ ክትውከሲ ትኽእሊ ኢኺ።

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com