Friday , April 26 2024
Vaccination against COVID-19. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ጸብጻብ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ ኣብ ሽወደን

ካብ መላእ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን፤ እቶም 7,094,601፤ እንተወሓደ፤ ሓንቲ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ኮይኖም ንመጠን ዝተኸትቡ ሰባት ናብ 83.1% ክብ ኣቢልዎ ይርከብ ክብሉ ጸብጻባት ሃገራዊ መዝገብ ክትባት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

6,396,156 ዝኾኑ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፤ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ኮይኖም፤ እቲ መጠን 74.9% በጺሑ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ፤ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ሽወደን፤ 1,146,968 በጺሑ ምህላዉን እቶም  14,790 ድማ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ዘስዓቦ ጥዕናዊ ጸገማት፤ ካብዛ ዓለም፤ ብሞት ከም ዝተፈልዩ ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com