Sunday , May 12 2024

ፊንላንድ፥ ኤሌክትሮኒካዊ ክፍሊት ኣዝዩ ህቡብ እኳ እንተኾነ ገለ ብድሆታት ኣለዎ ተባሂሉ።

ኣብ ፊንላንድ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ኤሌክትሮኒካዊ ክፍሊት ቦርሳን ማሕፉዳን ዝኣመሰሉ ያታውያን መትሓዝ ገንዘብ ሳሕቲ ጥራይ ዝረኣዩ ስርሓት እናኾኑ ይመጹ ምህላዎም “ሄልሲንጊን ሳኖማት” ጸብጺባ። ኣብ ቀረባ እዋን እተኻየደ ስታቲስቲክስ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 6% ዘይበዝሕ ህዝቢ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ጥረ ገንዘብ ይጥቀም ኣሎ። እዚ ምሉእ ብምሉእ ናብ ዝበሃል ደረጃ ዝኸይድ ዘሎ ዲጂታላይዜሽን ዕድጊ ግና ገለ ሓደጋታት ከም ዘለዎ ሓደ ክኢላ ባንክ ፊንላንድ የዘኻኽር። ሰባት ብውሕዱ ንሓደ ክልተ መዓልታት መግቢ፡ መድሃኒታትን ነዳድን ንምግዛእ ዘኽእሎም ጥረ ገንዘብ ኣብ ገዝኦም ክሕዙ ጽቡቕ እዩ” ትብል ዳይረክተር ስርዓታት ክፍሊት ባንክ ፊንላንድ ፔይቪ ሄይኪነን ዝሓለፈ ዓርቢ ን “ሄልሲንጊን ሳኖማት” ሓቢራ። ኣብ ስርዓታት ክፍሊት ዘጋጥም ምዝባዕ ካርድ ፡ ኣብዚ ኣገባብ ጥራይ ንዝምርኮሱ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣገልግሎት ክፍሊት ሞባይል ዝምርኮሱ ሰባት እውን ጸገም ክፈጥር ይኽእል እዩ። ማእከላይ ባንክ ቅድሚ 18 ኣዋርሕ ኣቢሉ፡ ፊንላንድ ናብ ኔቶ ኣብ እትጽንበረሉ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ ቤትካ ገለ ገንዘብ ምሓዝ ከምዘድሊ ለበዋኡ ኣቕሪቡ ኔሩ። ፊንላንድ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣሉታዊ ጽልዋታትን መጥቃዕቲ ሳይበርን ክፍጸማ ከም ዝኽእል ሄይኪነን ኣተሓሳሲባ’ላ። ወሲኻ ድማ “ዝኾነ ዓብዪ ዝበሃል ስግኣት የለን። እንተኾነ ግና ተጠቀምቲ ካብ ክልተ ዝተፈላለያ ባንክታት ካርድ ክሕዙ፡ እዚ ድማ ኣብ ስርዓተ ክፍሊት ናይ ሓደ ባንክታት ምዝባዕ እንተጋጢምዎ በቲ ካልኣይ ብምግባር ዕድጎም ክፍጽሙ ክኽእሉ እዮም። ካልእ ተኣፋፊ ኲነታት እዚ ኣገልግሎት ኣብ
መዓልታዊ ህይወት ወሰንቲ ዝኾኑ ብዙሓት ኣገልግሎታት ንምምጥቃም ባንክ ኦንላይን ብሰፊሑ ካብ ምጥቃም ዝምንጩ እዩ። “ብዘይካዚ ኣሰራርሓኦም ኣብ ስርዓታት እቲ ባንክ ዝምርኮስ እዩ። ስለዚ’ዩ ድማ ብፍላይ ኣብ ስራሕ’ውን መንነትካ ንምርግጋጽ ናይ ሞባይል መንነት ክህልወካ ተመራጺ ዝኸውን” ክትብል ወሲኻ ኣተሓሳሲባ። ባንክታትን ኣብያተ ክርስትያንን ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲታት ሳይበር ንምምካት ጽቡቕ ድልዋት ከምዘለወን፡ እዚ ድማ ብተዛማዲ ልዑል ምድግጋም መጥቃዕቲ እኳ እንተሃለወ ተጠቀምቲ እዚ’ዩ ዝበሃል ኣሉታዊ ጽልዋ ዘይበጽሖም ምዃኑ ህያው መርትዖ እዩ። ኣብ ፊንላንድ፡ ክፍሊት ኣብ ከም ቪዛን ማስተርካርድን ዝኣመሰሉ ስርዓታት ካርድ ዝተመርኮሰ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com