Friday , April 26 2024

ፌይስቡክ ጽልኢ ዘሳውር መልኽቲታት ምቅላስ ኣበርቲዑ ከም ዝቕጽለሉ ኣፍሊጡ’ሎ።

ድሕሪ ኣብ መሳጊድ ኒውዚላንድ ዝበጽሐ ጃምላዊ ህልቂት ኣስላም ፌይስቡክ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጽልኢ ዘሳውር መልኽቲታት ምቅላስ ኣበርቲዑ ከም ዝቕጽለሉ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ኩባንያ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርክርባ ኣብ ልዕልና ጸዓዱ ዝኣምና ልዕሊ 200 ዝኾና ውድባት ኣብ ፌይስቡክ ዝልጥፋኦ ዓሌታዊ መልእኽቲ ባዕሉ ብዝዓዪ ናይ ምቊጽጻር ቴክኖሎጂ ጌሩ ክቃለሶ ይፍትን ምህላዉ ኣፍሊጡ’ሎ።

እዚ ባዕሉ ዝዓዪ ናይ መቈጻጸሪ ቴክኖሎጂ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ መሳጊድ ኒውዚላንድ ንዝተፈንወ ቪድዮ ደው ከብሎ ዘይምኽኣሉ ግና ተኣሚኒ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com