Friday , April 26 2024
ብናስሮቪች

ፍልስፍናን ሓርነትን ቀዳማይ ክፋል

“ቅኑዕ ንዘበለ ሕጊ ነብስኻ ተገዛኢ ምግባር ሓርነት እዩ”
ዣን ዣኽ ሩሶ

ሓርነት ካብቶም ኣዝዮም ዝዝውተሩን ትርጉሞም ዝተዛበዐን ኣምራት ሓደ እዩ፡፡ ንምዃኑ ሓርነት እንታይ ማለት እዩ? በቲ ኣዝዩ ልሙድ ኣተራጉማኡ ሓርነት ከም ድላይካ ምዃን፤ ካብ ዝኾነ ዓጋቲ፤ ደራቲን ባርያኡ ዝገብረካን ሓይሊ ናጻ ምዃን ማለት እዩ፡፡ ቶማስ ሆበስ እተባህለ ፈላስፋ ብዛዕባ ሓርነት እንክጽሕፍ ከምዚ ይብል–ሓርነት ክትብሮ ካብ እትደሊ ዘታርፈካ ግዳማዊ ዕንቀፋት ወይ መስናኽል ምስባር፤ ካብ ከምኡ ዝበለ ተጽዕኖ ምግልጋል እዩ፡፡ ብመሰረት እዚ ኣገላልጻ ኣብ ራህያ ዝዓቘረ ማይ ሓርነት የብሉን፤ ምኽንያቱ ባህርያዊ ተግባር ማይ ብሓርነት ምፍሳስ፤ ብቐጻሊ ምውሓዝ እዩ፡፡ እቲ ራህያ ምስ ዝፈርስ ግና እቲ ማይ ዝጠፍኦ ሓርነት መሊሱ ይረክብ እሞ ብናጽነት ይውሕዝ፡፡ ብተመሳሳሊ ሰብ”ውን ሓርነቱ ክንዲ ስፍሓት እታ ብናጻ ዝንቀሳቕሰላ ቦታ እያ ትኸውን፡፡

ፍጹም ናጽነት ዝበሃል ኵነት ክህሉ ኣይኽእልን፡፡ ኵልሳዕ ገለ ዕንቅፋታት ምህላዎም ኣይተርፍን፤ አረ ግዜስ ምዕይ ምባል ክሳብ እንስእን ሓርነትና እንምንዛዓሉ እዋናት ኣሎ፡፡ ግና ይውሓድ ይብዛሕ ገለ ተረፍ ሓርነትሲ ይህልወና እዩ፡፡ ንኣብነት እሱር እውን ከይተረፈ ኣብታ ሼላኡ ደው ድዩ ክብል ወይስ ክጋደም ክዛረብ ድዩ ወይስ ዝን ክብል ክመርጽ ይኽእል እዩ፡፡ ንሓርነት ብምልኣት ከም ቃሕ ዝበለካ ምዃን ኢልና እንተተርጕምናያ ንዜጋታታ ከምኡ ዝበለ ሓርነት እትህብ ሃገር ኣብ ዓለም ዛጊት የላን፤ ንሓዋሩ”ውን ኣይክትህሉን እያ፡፡ ምኽንያቱ ሃገራት ብመሰረቱ ናይቶም ማእለያ ዘይብሉ፤ ገለ ግዜ”ውን ንሓድሕዱ ዝገራጮ እተፈላለየ ደሌታት ዜጋታተን ንምምሕዳር ብምባል እየን ዝቖማ፡፡ ድሌታትካ ብዋጋ ናይ ካልኦት ክሳራን ድሕነትን ምትግባር ኣይትኽእልን ኢኻ፡፡ እታ መንግስቲ ካልእ ሰብ ብተመሳሳሊ ብዋጋ ድሕነትካን ውልቃዊ መሰልካን ሕልፊ ረብሓ ከይረክብ ምእንቲ ንኹልኹም ብማዕረ ዘመሓድሩን ብሕጊ ዝምእዘዙን ትካላት ኣለዉዋ፡፡ ስለዚ ድማ ወከፍ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትካ ብሕጊ ዝተደረተ እዩ፡፡ ኣይ ፍጹም ሓርነት እየ ዝደሊ ምባል ምስ ናብራ ጭውነት (ስልጣነ) ዝሳነ ኣይኮነን፡፡

ኣብ ሓቀኛ ዲሞክራስያዊ መንግሰቲ እታ ሃገር “ፍጹም” ሓርነትካ ብምምንዛዕ ብስልጡን ኣግባብ ምስ ሰባት ከናብረካ ዝኽእል ሓርነት ትህበካ፡፡ ትህበካ ጥራይ ዘይኮነ ትሕልወልካ፡፡ ሓቀኛ ሓርነት እቲ ከም “ደሌተይ!” ኢልካ እትገብሮ ዘይኮነ እቲ ከም ኣባል ፖለቲካዊ ማሕበረሰብ መጠን ንዝኣተኻዮ ሕጊ መንግስቲ ኣኽቢርካ ናይ ምኻድ መብጽዓ ብምልኣት ምፍጻም እዩ፡፡ በዚ ድማ”ዩ ጆን ሎክ “ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ኣብኡ ሓርነት የሎን” ዝበለ፡፡ “ምኽንያቱ ሓርነት ማለት ካብ ሕጊ ጫካን ውራውራን፤ ዓመጽን ኵናትን ወጺእካ ኣብ ትሕቲ ሰይፊ እተዓጥቀ መንግስቲ ኣብ ግዝኣተ ሕጊን ሰላምን ልምዓትን ብልጽግናን ምንባር ማለት እዩ”፡፡ እታ መንግስቲ ናትካን ናይ ካልኦትን ፍጹም ሓርነት ብምምንዛዕ ካብ ንሓድሕድኩም ምቅታል ወጺእኩም ንሓድሕድኩም ንቕጻሊ ረብሓ እትሻረኹሉ ብሕጊ ዝምእከል ውዕል ተእትወኩም፡፡

ንሓርነት ዜጋታት ብዝምልከት ዲሞክራሲ እቲ ኣዝዩ ተመራጺ ስርዓተ ፖለቲካ እዩ፡፡ መራሕትኻ ባዕልኻ ብዘይስኽፍታ ክትመርጽ የኽእለካ፡፡ እንተኾነ ዴሞክራሲ ንባዕሉ ንዜጋታት ፍጹም ሓርነት ናይ ምጕንጻፍ ተልእኾ ዘለዎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ኣይኮነን፡፡ ካብ ኮክቴል ፖለቲካዊ ኣማራጺታት እቲ እትደልዮ ናይ ምምራጽ ተኽእሎኻ ብቑጽሪን ድሩትነትን  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com