Friday , April 26 2024
[Andy Rowland, via www.imago-images.de]/TT

ፍርቂ ፍጻሜ ቻምፕዮን ሊግን ኤውሮጳ ሊግ ብ ክለባት ኢንግሊዝ ይዕብለል!

ኣብቲ ድራማቲካዊ ጸወታ ዝተራእየሊ ግጥማት ቻምፒዮን ሊግ ቶተንሃም ብ ዘገርም ውጺኢት ን ማንቸስተር ክትስዕራ ከላ ከምእውን ካሊእ ኢንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል ብገፊሕ ኣብ ልዕሊ ፖርቶ ብምዕዋት ናይ ፍርቒ ፍጻሜ ሓሊፈን።

ታማሊ ምሸት ግጥም ርብዒ ፍጻሜ ቀጺሉ ኣብ ዘምሰየሉ ኢንግሊዛውያት ጋንታታ ሰሊጥወን ኣሎ። ክለብ ኣርሰናል ካብ ኢጣልያዊት ክለብ ናፖሊ ገይሻ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ላካዘይቲ ቅድሚ ዕረፍቲ ዘመዝገባ ቅላዕ መቅጻዕቲ ተሓግጊዛ ብድምር ውጺጥ 3 ብ 0 ብምዕዋት ናብ ዝቕጽል ግጥም ሓሊፋ።

ካልእ ኣብ ስታንፎርድ ብሪጅ ን ቸካዊት ስላቭያ ፕራግ የእንጊዳ ኣብዝገበረቶ ጸወታ 4 ብ 3 ብምስዓር ብድምር ውጺኢት 5 ብ 3 ብምዕዋት ናብ ግጥማት ፍርቂ ፍጻሜ ሓሊፋ።

ኣብ ካልእ ጸወታ ንቪላሪያል 2 ብ 0 ዝሰዓረት ቫለንሽያ ብድምር ውጺኢት 5 ብ 1 ክትሓልፍ ከላ ካልእ ጀርመናዊት ክለብ ኢንትራ ፍራንክፈር 2 ብ 0 ብምስዓር ብድምር 4 ብ 4 ካብ ሜድኣ ወጻኢ ዘመዝገበቶ ሸቶ ተሓጊዛ ን ክለብ በነፊካ ካብዚ ውድድር ኣልያታ።

በዚ መሰረት ግጥማት ፍርቂ ፈጻሜ ኣርሰናል ምስ ቫለንሽያ ከምእዉን ቸልሲ ምስ ኢንትራፍራንክፈርት ኣራኺቡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com