Sunday , May 12 2024
Pontus Lundahl / TT / kod 10050

15% ካብ ሰራሕተኛታት ካሮሊኒስካ ብኮሮና ተለኺፎም።

ብመሰረት ዝተኻየደ ሓዲሽ መጽናዕቲ፡ ካብ 11 ሽሕ ኣባላት ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ካሮሊኒስካ እቶም 15% ብኮሮና ከምዝተለኽፉ ዝሕብር ውጽኢት ከምዝተረኽበ TT ሓቢሩ። ካብቶም ምስ ግዳያት ኮሮና ዝኾኑ ሕሙማት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዝራኸቡ ኣባላት ሆስፒታል ካሮሊኒስካ ቅምሶ (Sample) ወሲድና። 7% ተሰከምቲ እቲ ቫይረስ፡ 10% ድማ ጸረ-ነፍሳት ዘጥረዩ (ዘማዕበሉ)ን 2.4% ድማ ቫይረስን ጸረ-ነፍሳትን ዝተሰከሙ ኮይኖም ምጽነሖም እቲ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ሓቢሩ ክብል መምህር ስነ-ለበዳ ዝኾነ ዩዋኪም ዲልነር ገሊጹ።

እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ብዝተፈላለዩ መኣዝናት ከነጽንዖምን እቶም ኣብቲ መርመራ ዝተሳተፉ ሰባት ቅድሚ ሕጂ ሓሚሞም ምንባሮም ምርግጋጽ ዘድልዩ እዩ ክብል ዲልነር ወሲኹ ገሊጹ። እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ብመንገዲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ዝወጸ፡ ሓደ ሲሶ (1/3) ካብ ነበርቲ ስቶክሆልም ብኮሮና ተለኺፎም ክኾኑ ይኽእሉ፡ ዝብል ስነ ሒሳባዊ ሞዴል ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣንዲሽ ቲግኒል ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com