Sunday , May 12 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

18 ዝመልኡ ዜጋታት ሽወደን ወተሃደራዊ ታዕሊም ንኽወስዱ ዝጽውዕ ደብዳበ ክመጾም እዩ።

ኣብ ዝቕጽል ሒደት ሳምንታት 18 ዝመልኡ ዜጋታት ሽወደን መሰረታዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንኽወስዱ ዝጽውዕ ደብዳበ ክመጾም ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ሽወደን ምዕስካር ሒደት ዓመታት ኣቐድም ኣቢሉ ዝተኣታተወ እኳ እንተኾነ ብኽንድዚ ዝኣክል ቊጽሪ መንእሰያት ን ውትህድርና ክሕጸዩ ግና እዚ ጽድያ ፋልማዩ እዩ።

“ውትህድርና ከም ጽቡቕ ተመኲሮ እየ ዝርእየ፡ ከም ሞያ ክሕዞ እውን እደሊ እየ” ክትብል ኣብ ካርልስታን ተመሃሪት ካልኣይ ደረጃ ኢዳ ጉልበርግ ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com