Friday , April 26 2024

90 ሚእታዊት ውዕል ገዛ ብኻልኣይ ኢድ “ኣንድራ ሃንድ” ዳግማይ ብኽቡር ይካረ’ሎ ተባሂሉ።

ኣብ ስቶክሆልም ዝተገብረ ዳህሳስ ኮሚተ-ክራይ ከም ዘመልክቶ 90 ሚእታዊት ዝተኻረየ ኣባይቲ ንኻልኦት ደለይቲ ገዛ ብኽቡር ዋጋ ይካረ ኣሎ።

ብመሰረት ኮሚሽን እዚ ወሰኽ ክራይ ኣባይቲ ካብቲ ዝነበረ ካብ 5 ክሳብ 15 ሚእታዊት ዝዓቢ እዩ። ኣብ ገለ ግዜያት ግና ዕጽፊ ናይቲ ክራይ ይበጽሕ እዩ፡ ብመሰረት እታ ኮሚሽን እዚ ወሰኽ ዘይሕጋዊ ብምዃኑ ግዳያት ካሕሳ ክወሃቦም ኣለዎ።

ብተመሳሳሊ 86 ሚእታዊት ህዝቢ ዮቶበሪ ከምኡ’ውን 77 ሚእታዊት ዞባ ምዕራብ ኣብ ዝነብሩሉ ከተማ ሕጽረት ኣባይቲ ከምዘሎ ከም ዝኣምኑ ይገልጹ።

ብመሰረት ትካል ተሌቪሽን ሽወደን ኤስ.ኦ.ኤም 79 ሚእታዊት ህዝቢ ቫስትራ ጎትላንድ ብስእነት ኣባይቲ ኣብ ሻቕላ ይርከቡ።

ኣንደርስ ካርላንደር ተመራማሪ ትካል ኤስ ኦ ኤም እዚ ጒዳይ ዛጊት ዝወሓደ ፖለቲካዊ ኣቓልቦ ምስሓቡ ክስመረሉ ዝግባእ እዩ ኢሉ።

ብመሰረት ተሌቪዥን ሽወደን ቫስትራ ጎትላንድ ኣብ ኩሉ ምምሕዳር ከተማታታ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ኣለዋ። እዚ እናኾነ ዋጋ ኣባይቲ ብናህሪ ወሲኹ፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዘሎ ናይ ኣባይቲ ምርካብ ግዜ ከኣ ናብ ዓመታት’ውን ክምጠጥ ይኽእል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com