Friday , May 17 2024

ስራሕን ቁጠባን

ሃገረ ማላዊ: ግዚኡ ዝሓለፈ ክታበት ኣቃጺላ።

ሃገረ ማላዊ: 19,610 ብልቃጥ ክታበት ኣስትራዘነካ ብምቅጻል: ከምዚ ዝበለ ስጒምቲ ዝወሰደት ቀዳመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና’ላ። ግዜኦም ዝሓለፎም ክትባት ውጽኢታውያን ኣይኮኑን ዝብል ምኽሪ: ማእከል ምቊጽጻር ሕማም ኣፍሪቃ ብምኽታል: ነዚ ስጒምቲ ምውሳዳ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ’ሎ። ኔሽን ኦንላይን ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር: እቲ ክትባት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር: ሊሎንግወ: እናተቓጸለ ዘርኢ ስእሊታት ፈንዩ’ሎ።

Read More »

ፖሊስ ሽወደን…. ብድሆታት እካ እንተ ሃለወና: ዕላማና ክንወቅዕ ኢና

ፖሊስ ሽወደን: ብጉዳይ ዓቅሚ ሰብ ኣመልኪቱ ብደሆታት የጋጥሞ ከምዘሎ’ኳ  እንተሓበረ: ነቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ዓመተ 2024: ተወሰኽቲ 10 ሽሕ ሓደስቲ ኣባላት ፖሊስ: ናይ ምቁጻር ዕላምኡ ግን ከምዘየተዓናቅፎ ኣብ መርበብ ሓበረታ በዓል መዚ ፖሊስ ጽሒፉ ክብል ማዕከን ዘና ተተ ኣቃሊሑ። ካብቶም ክቆጽሮም መዲቡ ዘሎ ሓደስቲ ኣባላት ፖሊስ፡ እቶም 70% ኣባላት ወተሃደራዊ ፖሊስ ክኾኑ  እንከለዉ: እቶም ዝተረፉ 30% ድማ: ሲቪል ፖሊስ ክኾኑ …

Read More »

ብሪጣንያ: ናይጀርያዊ ኣመሓዳሪ ነበር: ዝሰረቖ 5.8 ሚልዮን ዶላር: ናብ ሃገሩ ትመልስ

ናይጀርያዊ ኣመሓዳሪ ነበር: ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ብሪጣንያ ዘሰጋገሮ 5.8 ሚልዮን ዶላር (4.2 ሚልዮን ፖውንድ): ናብ ሃገሩ ክምለስ ምግባራ ሰብ መዚ ናይጀርያ ገሊጾም። ኣመሓዳሪ ክልል ደልታ ነበር: ጄምስ ኢቦሪ: ካብ 2012 ኣትሒዙ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ከም እተኸሰሰ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ ካብታ ብዕደና ነዳዲ ዝበልጸገት ክልል፡ ክሳብ 165 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሰረቐ ዓቀብቲ ሕጊ ይገልጹ። ዛጊት ብስም በዓልቲ ቤቱ፥ ሓብቱን እሙን ወኪሉን …

Read More »

ኬንያ: ቀረብ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ከም ዝወድአት ይግለጽ ኣሎ

ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን: ኬንያ ዘለዋ ቀረብ ክታበት ኮቪድ 19 ከም እትውድእ፡ ሓይሊ ዕማም ክታበት እታ ሃገር፡ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኬንያ፡ ካብ 3.5 ሚልዮን ናይ ኣስትራዜነካ ክታበት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብልቃጥ፡ ረኺባ ምጽንሓ ዶ/ር ዊሊስ ኣኽዋሌ ይገልጽ። ዛጊት፡ ልዕሊ 940 ሽሕ ኬንያውያን ከቲብና ኣሎና፡ ስለዚ ድማ፡ ዘሎና ቀረብ ጓሕጒሕናዮ ኢና” ኢሉ። እዚ ማለት ትሕቲ 2% ኬንያውያን ቀዳማይ ብልቃጥ ክትባቶም ረኺቦም ኣለዉ ማለት …

Read More »

ቻይና: ሰማይ ጠቀስ ህንጻ: SEG Plaza: ብምንቅጥቃጡ ነጋዶ ይግዕዙ

ኣብ ደቡብ ቻይና ኣብ እትርከብ ከተማ: ሸንዠን: ዝርከብ ልዕሊ 70 ደርቢታት ዘለዎ ሰማይ ጠቀስ ህንጻ: ትማሊ ሰሉስ: ከንቀጥቅጥ ብምጅማሩ ኣብኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ነጋዶ፡ ከም ዝግዕዙ ይግበር ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ህንጻ፡ ኣብ ሕምብርቲ እዛ 12 ሚልዮን ህዝቢ ዝቕመጣን ዕሙር ዕዳጋን ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂን ዘለዋ ከተማ ዝርከብ እዩ። እዚ 300 ሜትሮ ዝንውሓቱ ህንጻ SEG Plaza ስለምንታይ የንቀጥቅጥ ምህላዉ ሰብመዚ እታ ከተማ ገና ኣብ …

Read More »

ሃገራት ኣፍሪቃ: ፋይናንሳዊ ሓገዛት ዝረኽባሉ ኣገባብ ጽገና ክግበረሉ፡ ፈረንሳ፡ ጸዊዓ

ፕረዚደንት ፈረንሳ፡ ኢማኑኤል ማርኮን፡ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ዝረኽባሉ ኣገባብ፡ ጽገና ክግበረሉ ኣለዎ ክብል፡ ጻውዒት ምቕራቡ ቢቢሲ ሓቢራ። ንሱ፡ ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝተቓንዐ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ሓለፍቲ ዓለምለኸ ፋይናንሳዊ ትካላትን ኣብ ዘቕረቦ መደረ፡ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ቊጠባዊ ዕንወት ንምምካት፡ እዚ ኣገዳሲ ጽገና ክሰዓብ ኣለዎ ኢሉ። ብምኽንያት ዕዳ ዘስዓቦ ቊጠባዊ ወጥሪ፡ ዓሰርታት ሚልዮናት ኣፍሪቃውያን ካብ መስመር ድኽነት ክወርዱ ከም ዝኽእሉ፡ …

Read More »

ዓዲ እንግሊዝ…..መጠን ዝቕባበ ብዕጽፊ ወሲኹ

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ መጠን ዝቕባበ ባጤራ ዓዲ እንግሊዝ፡ ምስቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸን እዚ ድማ ካብቲ ተገሚቱ ዝነበረ መጠን ብሒደት ምዝያዱ ተፈሊጡ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ መጠን ዝቕባበ ባጤራ ዓዲ እንግሊዝ፡ 0.7% ከምዝነበረ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ እቲ መጠን 1.4% ምብጽሑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ዝቕባበ ተባሂሎም ዝጥቀሱ፡ ምውሳኽ …

Read More »

ስዑዲ ዓረብ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ከም ረቛሒ ተቐምጥ

ካብ ዕለት 01 ናይ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ፡ ኩሎም ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኾኑ ሰባት፡ ዝተኸትቡ ጥራይ ክኾኑ ከምዝግባእ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ መንግስታውያንን ውልቃውያን ትካላትን ኣብ መዘናግዒ ቦታታትን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ውን፡ ክታበት ከም ረቛሒ  ክቑጸር ምዃኑ ብምውሳኽ ሓቢራ። ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ 34 ሚልዮን ነበርቲ ከምዘለውዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ፡ 12 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት …

Read More »

ሩስያዊ ሰላይ: መጥቃዕቲ ሳይበር ሶላር ዊንድስ: ውዲት ምዕራባውያን እዩ ይብል

ዝሓለፈ ዓመት: ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሳይበር: ናይ ሩስያ ኢድ የብሉን ክብል ሓላፊ ኣገልግሎት ስለያ ወጻኢ ሩስያ: ሰርገይ ናሪሽኪን: ምስ ወኪል ቢቢሲ ሞስኮ: ስቲቭ ሮዘንበርግ: ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ። ሰብመዚ ኣመሪካን ብሪጣንያን: ስለያ ሩስያ: መጥቃዕቲ ሰላር ዊንድስ ከም ዘካየደትለን ክኸሳ ጸኒሐን እየን። ናሪሽኪን ብወገኑ: እዚ መጥቃዕቲ: ብውዲት ስለያ ምዕራባውያን ከም እተኻየደ እዩ ዝገልጽ። ንሱ ምስ መደበር ስለያ …

Read More »

ቊጠባ ሊባኖስ ብናህሪ የንቈልቊል

ሊባኖስ: ኣብ ዓብዪ ፋይናንሳዊን ቊጠባዊን ምንቊልቋል ተሸሚማ ምህላዋ ተገሊጹ። ባጤራ እታ ሃገር 85%: ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ምጒዳሉ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ: እቲ ኲነታት ከምዚ እንተቐጺሉ: ዝበዝሐ ህዝቢ ሊባኖስ ናብ ድኽነት ክኣቱ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ። ከም ኲሉ ካልእ ነገራት: መግቢ እውን ዋጋኡ ሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ’ሎ። ብዘይካ’ዚ: ዋጋ መድሃኒት ኣብ ልዕሊ ምውሳኹ ይሰኣን እውን ምህላዉ: ወኪል ቢቢሲ ምስ ሊባኖሳዊ ነርስ: ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com