Thursday , May 2 2024

ስራሕን ቁጠባን

መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ ሃገረ ጀርመን፡ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ኮይኑ

  መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ ሃገረ ጀርመን፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ንላዕሊ ብምውሳኹ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ 2.5% ምብጽሑ፡ በዓል መዚ ስታትስቲክስ ጀርመን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ክኢላታት ቁጠባ፡ ንመጠን ዝቕባበ፡ ክሳብ 2.3% ክበጽሕ ከምዝኽእል ገምጋማቶም ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ጀርመን ዘለዉ ናይ ኣህለኽቲ ዋጋታት፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ ብ 0.5% ምውሳኾም ተፈሊጡ ኣሎ። ዓመታዊ …

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት

  ቅድሚ ወርሒ ሚያዝያ 2020፡ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ከይሳዕረረ እንከሎ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 7.4% በጺሑ ምንባሩ ይዝከር። ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ንመጀመርያ ግዜ ትሕቲ 8% ብምምዝጋቡ 7.9% በጺሑ ክብል ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ይኹን እምበር፡ እዚ በጺሕዎ ዘሎ መጠን፡ ከምእንደገና ከይውስኽ፡  ሓላፊት ክፍሊ ትንተና ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስ፡ ኣኒካ ሱንደን፡ …

Read More »

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቀኛ ዛንታ ካልኣይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ብፍላይ ናይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዝርስዖ ኣይኮንኩን፡ ኣታ ዝገርም’ኳ እዩ፡ እንድዒ ወደይ! እናኽተስምዖ ዝመርር ዛንታ’ዩ፡ ኣይክኣልኩን—፡” ንብዓታ ዛረየ፡ ከቢድ ዛንታ ክትነግረኒ ምዃና ግልጺ ኮነለይ፡ ግና ክትዛረብ ዓቕሚ ስኣነት፡ ነታ ዝጠቐሰታ ዕለት ዳግማይ ደገመትለይ። “ብፍላይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ኣይትኣምነንን ትኸውን፡ በቓ ሕጂ ክገልጸልካ ኣይክእልን’የ ግዜ ሃበኒ—፡” ሕጂ’ውን ዓቅሚ ስኢና ምስ ውሓዚ ንብዓታ ተነኽነኸት። ኣነ’ውን ኣባቢደ ነቲ ዝቕጽል ኣደንጻዊ ዝበለቶ …

Read More »

ክፉት ክረምታዊ ስራሕ

ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ ዘሎ ኩነታት ከቢድ ምዃኑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ: ክረምታዊ ስራሕ ንምርካብ ግን ዘሸግር ኣይኮነን ክብል ቤት ጽሕፈት ኣርቤትፎርሜድሊን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን: ቤት ጽሕፈት ኣርቤትፎርሜድሊን: 24 ሽሕ ክረምታዊ ስራሕ ኣዳልዩ ምህላዉ ጸብጻባት እቲ በዓል መዚ ገሊጹ። ኣብዚ ዓመት እዚ: ዝኣክል ምውዕዋዕ እኳ እንተ ዘይተገብረ: ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ: እኹል ዝኾኑ ዕድላት ስራሕ ኣለዉ። ብፍላይ …

Read More »

ፕረዚደንት ባይደንን ፑቲንን ኣብ ጀነቫ ክራኸቡ እዩም

ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሩስያ፡ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ ስዊዘርላንዳዊት ከተማ ጀነቫ ክራኸቡ ትጽቢት ከምዘሎ ማዕከን ዜና ሲ ኤን ኤን ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ርክብ፡ ምስ ቀዳማይ ወግዓዊ ዑደት ፕረዚደንት ባይደን ምትሕሓዝ ዘለዎ ክኸውን ከምዝኽእልን ኣብ ዕለት 15 -16 ናይ ወርሒ ሰነ፡ ክካየድ …

Read More »

ኣመሪካ ምስ ፍልስጤም ዘለዋ ዝምድና ክትጽግኖ ከም እትደሊ ትገልጽ

ኣመሪካ ኣብ የሩሳሌም ቆንስላ ብምኽፋት፡ ምስ ፍልስጤም ዘለዋ ርክብ ከተሐድስን ብግርጭት ንዝዓነወት ቓዛ ክትሃንጽ ከም እትደሊን ገሊጻ’ላ። ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ምስ መራሒ ናይቲ ኣብ ትሕዝቶ እስራኤል ዝርከብ ምዕራባዊ ገማግም ድሕሪ ምርኻቡ እዩ ነዚ ገሊጹ ዘሎ። ብዘይካ’ዚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ ቢንያሚን ናተንያሁ፡ ኣብ የሩሳሌም ብምርኻብ፡ “ኣመሪካ ድሕነት እስራኤል ንምሕላው ዘይቅየር ተወፋይነይ ከም ዘለዋ” ገሊጹ’ሎ። ኣብ’ዚ ወርሒ ግንቦት፡ …

Read More »

በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን፡ መጠነ ፍጥነት ተሽከርከርቲ፡ ኣጉዲሉ

በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን፡ ኣብ 340 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ጽርግያታት፡ መጠን ፍጥነት ተሽከርከርቲ፡ ከምዘጉደለ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ንጸብጻብ ሬድዮ ኢኮት ምርኩስ ብምግባር ኣቃሊሑ። ምጉዳል መጠን ፍጥነት መካይን፡ ኣብ ጻዕቂ ተሽከርከርቲ ዘለዎን መንገዲ ባቡር ዘይስንጥቖም ጽርግያታትን ዝምልከት ኮይኑ፡ እቲ ፍጥነት ካብ 90 ናብ 80 ክኸውን እዩ። እዚ ድማ፡ ሓደ ክፋል ካብቲ ኣብ ዓመተ 2025 ክዛዘም ተመዲቡ ዘሎ ናይ ዓሰርተ …

Read More »

UN: ንቕትለት ደቡብ ሱዳናዊ ዶክተር: ኮኒኑ

UN: ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ቅትለት ሓደ ሱዳናዊ ዶክተር ከም ዝኾነኖ ተገሊጹ። እዚ ምስ ሓደ ዘይመኽሰባዊ ትካል ዝሰርሕ ዝነበረ ዶክተር: ኣብታ ብዕደና ነዳዲ ዝበልጸገት: ዞባ ዩኒቲ: እዩ ተቐቲሉ። ንሱ ኣብ መደበር ጥዕና ጋኚሌል ፓያም: ምስ ኣህጒራዊ ኮሚተ መድሕን እዩ ዝሰርሕ ኔሩ። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ: መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት: ኣብ ወሰናስን ገጠር ጒኦል: ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛትት ኣህጒራዊ ቀይሕ መስቀል መጥቃዕቲ ፈጺሞም …

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ ሽቕለት ኣልቦነት

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ምንቁልቋሉ ይቕጽል ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 6600 ሰባት ስራሕ ኣልቦ ክኾኑ እንከለዉ፡ 10,500 ሰባት ድማ ናብ ስራሕ ወይ ድማ ናብ ትምህርቲ ከምዝተመልሱ ጸብጻባት እቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ። ጠቕላላ ብዝሒ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት 416 ሽሕ ብምብጽሑ እቲ መጠን፡ ካብ 8.1% ናብ 8.0% ወሪዱ ክብል እቲ ቤት ጽሕፈት …

Read More »

Harmony Media news 24 May 2021

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com