Sunday , May 19 2024

ስራሕን ቁጠባን

ቁጠባ ሃገረ ፊንላንድ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብ 2.6% ምውሳኹ ተፈሊጡ

ቁጠባ ሃገረ ፊንላንድ፡  ኣብዚ ዓመት’ዚ ብ 2.6% ከምዝውስኽን ኣብ ዝቕጽል ዓመት ድማ ብ 2.5% ክውስኽ ትጽቢት ከምዘሎ ሚኒስተር ፋይናንስ ፊንላንድ፡ ማቲ ቫንሃነን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ናይ ዝሓለፉ ገምጋማት፡ ቁጠባ’ታ ሃገር፡ ዘገምታዊ ዕብየት ከርኢ ምዃኑን ኣብ’ዚ ዓመት 2.5% ዕብየት ከርኢ ምዃኑን ኣብ ዝቕጽል ዓመት ድማ 2% ክውስኽ ምዃኑ ትንቢታት ከምዝነበረ ይዝከር።

Read More »

ኣብ ደገ ዝተወልዱን ማሕበር ሰራሕተኛታት ሽወደንን

  ብዝሒ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ደገ ዝተወልዱ ሰራሕተኛታት ሽወደን፡ ካብ ዓመተ 2006 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ካብ 16% ናብ 30% ክብ ከምዝበለ ጸብጻባት ይሕብሩ። ይኹን እምበር፡ ቁጽሪ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ግን ክጎድል ከምዝተራእየ  Du & Jobbet ዝተባህለ መጽሔት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ዓመተ 2006፡ ኣብ ማሕበር ዝተመዝገቡ፡ ጠቕላላ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዝተወልዱ …

Read More »

ኣሜሪካ፡ ክታበት ኮቪድ-19፡ ንቆልዑ ኣፍቂዳ

  ኣሜሪካዊ በዓል መዚ ምምሕዳር  መግብን መድሃኒትን (FDA)፡ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ዝኸውን ፍርያት ፋይዘር ዝኾነ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዘፍቀደ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ በዓል መዚ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ፡ ነቶም ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ኣፍቂድሎም ከምዝነበረ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንሓድሽ ክሊ ዕድመ፡ ፍቓድ ምምሕልላፉ፡ ኣብቲ ኣንጻር …

Read More »

ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ከባቢታት፡ ትሑት መጠነ ክትባት ከም ዘለወን ተሓቢሩ

  ኣብ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት፡ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ኣብ ምኽታብ ዘርእይዎ ዘለዉ ቅሩብነት ትሑት ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ጽድያ ጎሊሑ ከም ዝተራእየ ኣወሃሃዲ ክታበት ምምሕዳር ስኮነ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ወከልቲ ርእሰ ከተማ ምምሕዳራት ሽወደን ምስ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሎሚ፡  ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ውሱናት ከባቢታት፡ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ መኽዘን ነዳዲ ኣመሪካ: ብዝተፈጸመ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ: ሕጽረት ነዳዲ ኣጋጢሙ ይበሃል ኣሎ

መንግስቲ ኣመሪካ: ኣብቲ ዝዓበየ መኽዘን ነዳዲ እታ ሃገር: ድሕሪ እተኻየደ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ: ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምትሕልላፉ ተገሊጹ። እዚ ኮሎኒያል ፓይፕላይን: ተባሂሉ ዝፍለጥ መኽዘን ነዳዲ: መዓልታዊ 2.5 ሚልዮን በርሚል ከም ዝሕዝን 45% ቀረብ ነዳዲ ዘይቲ፥ ላምባን ነዳዲ ነፈርቲን ከም ዘጠቓልል ይፍለጥ። እዚ ዓርቢ: ብጒጅለ ወንጀላውያን ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ዝወረዶ ገንኢ ነዳዲ: ንቡር ኣገልግሎቱ ንኽምለስ: ኣብ ጻዕሪ ምህላዉ ኣመልኪቱ’ሎ። ድሮ …

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ መጠን ሽቅለት ኣልቦነት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን: ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት: ብ 4400 ብምጉዳሉ: ጠቅላላ ብዝሒ: ናብ 421,650 ወሪዱ። በዚ መሰረት: መጠን ሽቅለት ኣልቦነት: 8.1% በጺሑ ምህላዉ: ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ኣርበትፎርመድሊን ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን: 521 ሰባት: ካብ ስራሕ ናይ ምፍናዉ መጠንቀቅታ: ከምዝተዋህቦም እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ገሊጹ።

Read More »

ኩባንያ ብዮንቴክ: ኣብ ሃገረ ሲንጋፖር: ሓድሽ ፋብሪካ ክታበት: ክሃንጽ እዩ

ኣፍራይ ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾነ ኩባንያ ብዮንቴክ: ኣብ ሃገረ ሲንጋፖር: ሓድሽ ፋብሪካ ንምህናጽ ይሻባሸብ ምህላዉ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብመሰረት ኩባንያ ብዮንቴክ: ክታበት ዘፍርያ ፋብሪካታት: ኣብ መላእ ዓለም ከም ዝዝርጋሓ ምግባር፥ ኣገዳስነቱ ዓቢ እዩ ክብል: ነቲ ኩባንያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ገሊጽዎ። በዚ ድማ: ኩባንያ ብዮንቴክ: ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቁጸር ብልቃጥ ክታበታት ኣብ ኣህጉር እስያ ክፍሪ ክኽእል እዩ። እቲ ሓድሽ ፋብሪካ፤ ኣብ ዓመተ 2023 …

Read More »

መጠን ምፍናው በካሊ ጋዝ ቻይና ካብ ድምር ኲለን ምዕቡላት ሃገራት ከም ዝዛይድ ተገሊጹ።

  ብመሰረት መጽናዕቲ ሮድዩም ግሩፕ: ኣብ ዓመተ 2019: ቻይና: 27% ናይ ዓለምና በካሊ ጋዝ ኣመንጪያ ኣላ። ብኻልኣይ ደረጃ እትስራዕ ኣመሪካ ኮይና 11% ህንዲ ኸኣ 6.6% ከም ዘመንጭዋ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ስምምዕ ክሳብ ዝብጻሕ: ኣብ ዓለምና ዝወርድ ዘሎ ክሊማዊ ለውጢ: ዝኾነ ዓይነት መፍትሒ ክርከቦ ኣይክእልን እዩ ክብሉ ተመራመርቲ ሻቕላኦም ይገልጹ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት: ካብ …

Read More »

ጫካታት ይዓኑ ኣሎ” ክብል ሓደ ቀቢላ ብራዚል ኣጠንቂቑ

ኣብ ብራዚል፡ ጫካ ኣማዞን፡ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምብራስ ኣግራብ ደው ንኽብል ዓመታዊ ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ረድኤት ከም ዘድሊ ፕረዚደንት ብራዚል፡ ሃይር ቦልሶናሮ፡ እኳ እንተገለጸ እቲ ምቚራጽ ኣግራብ ብዓቢ ደረጃ ከም ዝቐጸለን በዚ ድማ መነባብሮኦም ኣብቲ ጫካ ዝኾኑ ገለ ቀቢላታት፡ ህይወቶምን ቀጻልነቶምን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ምህላዉ ተመልኪቱ። እዞም ኣብ ጫካታት ብራዚል ዝነብሩ ቀቢላታት፡ ምስቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ከየተራኸቡ፡ ጥንታውን ምስ ጥዕና …

Read More »

Harmony Media News 05-05-2021

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com