Friday , May 17 2024

ኢመግረሽን

ብዝሒ ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ ከንቆልቅል ከምዝኽእል ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ገሊጹ።

ብዝሒ ናብ ሽወደን ብምምጻእ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታትን ዝተወሰኑ ብዝሒ መንበሪ ፍቓድን ኣመልኪቱ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተወስደ ኣገባብ ክኸውን ከምዝኽእል ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ይጽበ። ንዓመተ 2019 ነዞም ከምዚ ዓይነት ጉዳያት ብዝምልከት ክስርሑ ይኽእል’ዩም ተባሂሎም ዝተወጢኑ ኣገባባት ተፈቲኖም ኣብ ግብሪ ድሕሪ ምውዓሎም፡ ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ዓመት ውን ከም መበገሲ ነጥቢ ክንጥቀመሎም ኢና ክብል ሓላፊ ምሕንጻጽ መደባት ኢሚግሬሽን ዝኾነ፡ ሄንሪክ ሆልመር፡ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ን400 ስደትኛታት ካብቲ ንመጻንሒ ተባሂሉ ዝተመደበሎም ኣባይቲ ወጺኦም ባዕላቶም መንበሪ ንኸናድዩ ሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ን400 መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡ ስደተኛታት ከንሶም ኣብቲ ናይ መጻንሒ ኣባይቲ ክነብሩ ዝጸንሑ ስደተኛታት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ካብቲ ዝነበርዎ ከባርሮም ከምዝወሰነ ንኣልኮምፒስ ኣብ ዝሰደዶ ጋዜጣዊ መብርሂ ሓብሩ። ብመሰረት እቲ መብርሂ፡ እቶም ዝበዝሑ ብናይ ትምህርቲ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኮይኖም ወግዓዊ ናይ ገዛ ምልቃቕ ውሳኔ ካብ ዓርቢ ዕለት 31 ጥሪ 2020 ክንገሮም ምዃኑ ኣፍሊጡ። ናይቶም 400 መንበሪ ገዛ ናይ …

Read More »

ንጸጥታ ሽወደን ኣስጋእቲ ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ቁጽሮም ይዛይድ።

ቁጽሪ ናይቶም ንጸጥታ ሽወደን ስግኣት ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዛየደ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ (Säpo) ሓቢሩ። ነዚ ወሰኽ ኣመልኪቱ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ከምዚ ይብል፡ ሓደ ካብ ምኽንያታት ምውሳኽ ናይዚ ቁጽሪ ድማ ኣባላት ኢሚግሬሽን ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ናይ ምልላይ ዓቕሞም ክብ ስለዝበለ ከምዝኾነ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ካብ 553 ጉዳያት ሓተቲ …

Read More »

ፖሊስ ኣሽሓት ናይ ስለያ ካሜራታት ይተኽሉ ምህላዎም ተገሊጹ።

ፖሊስ ሽወደን ብዙሕ ገበናት ኣብ ዝፍጸመሉ ቦታታት ካሜራታት ክተኽሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ። እዚ ዝተባህለ ሓላፊ ሃገራዊ ፖሊስ ሽወደን ኣንደርሽ ቶርንቤሪ ምስ ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ቲቲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት እዩ። ቶርንቤሪ ድሕሪ ብዙሕ መጽናዕቲ ነዞም ካሜራታት ክተኽሎም ምዃኑ’ውን ገሊጹ’ሎ። ዝሓለፈ ዓመት ሓድሽ ሕጊ ናብ ትግባረ ከም ዝተቐየረን ሓደገኛታት ተባሂሎም ኣብ ዝተለለዩ ቦታታት ህዝባዊ ቦታታት ካሜራ ክትከል ከም ዝተፈቕደን ይዝከር።

Read More »

ኣብ 2019 ኤጀንሲ ማይግሬሽን ልዕሊ 400 ጒዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣቃሊዑ።

ኣብ 2019 በዓልመዚ ኢሚግሬሽን 481 ሰባት ብዘይሕጊ ናይ ምስጋር ንጥፈታት ብጠርጠራ ተታሒዞም ምህላዎምን እዚ ድማ ምስ ናይ ዓሚ እንክነጻጸር ብ 100 ከም ዝዓቢ ተገሊጹ። ኮፒ ናይዚ ጸብጻብ ዝበጽሓ ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ እቲ በዓልመዚ ሊሳ ሆልተን ክኑታስ ” እዚ ዘይሕጋዊ ተግባት ብጠርጠራ ኣብ ምሓዝ ኣሰራርሓና ኣመሓዩሽና ኣሎና” ኢላ። ጻዕርታት በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ሰራሕተኛታቱ ዝያዳ ኣጠራጠርቲ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰብ ንኸለልዩ ከም ዝሓገዞም …

Read More »

ክፍሊ ኢመግረሽን ን ግዝያዊ መንበሪ ፍቃድ ናብ ቀዋሚ ዝቀየረሉ መንገዲ መብሪሂ ይህብ።

ብውሑዱ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሕ ፍቓድ ስራሕ ንግዜያዉ መንበሪ ናብ ቀዋሚ መንበሪ ክቕይሮ ይኽእል እዩ ክብል ክፍሊ ኢሚግሬሽን መብርሂ ሂቡ። በዓልመኢ ኢሚግሬሽን ግዜያዊ መንበሪ ናብ ቀዋሚ መንበሪ ብዛዕባ ክቕየረሉ ዝኽእል ኣገባብ መብርሂ ሂቡ። ናይ ስራሕ ፍቓድካ እተሐድሰሉ ግዜ ነብስኻ እትኣልየሉን እዞም ዝስዕቡ ረቓሒታትን ዘማልእ ስራሕ ምስ እትረክብ ግዜያዊ ፍቓድካ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ ይብል እቲ መብርሂ። እቶም ዝተጠቕሱ ረቛሒታት …

Read More »

ክፍሊ ኢመግሬሽን 146 ሰራሕተኛታት ከሰናብት ምዃኑ ተገሊጹ።

ክፍሊ ኢመግሬሽን ሽወደን ብምኽንያት ምንካይ ባጀት 2020 ን146 ሰራሕተኛታት ከሰናብቶም ምዃኑ ምግላጹ ተፈሊጡ። ብመሰረት ሬድዮ ኤኮት ኣብ ኣውራጃታት Skåne, Östergötland, Stockholm, Västernorrland och Västerbotten ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ካብዞም ብመስጐግቲ ዝሰናበቱ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እቲ በዓልመዚ ዳግማይ ናይ ምውቓር ውጥን ከም ዘለዎን ኣዚ ድማ ሰራሕተኛታት ከሰናብት ከም ዘገድዶን ምግላጹ ይዝከር። ቆንስል ምሕደራ ብኤምባሲታትን ቆንስላትን ኣቢልካ ዝግበር ናይ መንበሪ …

Read More »

ቆንስል ኣውሮጳ ብ ኣታሓሕዛ ሰደተኛታት ንዴንማርክ ወቒሱ።

ኮሚተ ቆንስል ኣውሮጳ ምክልኻል ስቓይ ዴንማርክ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዘሎ ኲነታት ጠመተ ብምግባር ከተመሓይሾ ጸዊዑ። እታ ኮሚተ እዞም ማእከላት ስደተኛታት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝፍለዩ ከም ዘይኮኑን ኣታሕዛ ስደተኛታት ዝነኣድ ከም ዘይኰነን ኣመልኪታ። ብፍላይ ነቲ ስደተኛታት ሞባይል ከይጥቀሙን ክጥቀሙ እንተተረኺቦም ንክልተ ቕነ በይኖም ክሕየሩን ዝድንግግ ሕጊ እቲ ማእከል ስደተኛታት ብትሪ ነቒፍዎ።፡ ኣብ 2019 እታ ኮሚተ ኣብ ዴንማርክ ዝርከቡ ማእከላት ስደተኛታት ብምብጻሕ …

Read More »

በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብ ዓመተ 2019 ብዙሓት ጒዳያት ምርኣዩን ምውሳኑን ተገሊጹ።

በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብዛ ዝተፋነናያ ዓመት 21,958 ናይ ዕቚባ ሕቶታት ምቕባሉ ተገሊጹ። ዝበዝሑ ሓተትቲ ዕቚባ ዝመጹለን ሃገራት ሶርይ፥ ዒራቕ፥ ዑዝበኪስታንን ጆርጂያን እየን።፡ ገለ ሓቂታት ብዛዕባ ዓመተ 2019: • ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ኤጀንሲ 24,569 ናይ ዕቚባ ሕቶታት መልሲ ዝሃበ ኮይኑ 6,540 ተቐባልነት ረኾቦም ኣለዉ። እዚ ካብቲ ዝቐረበ ጠቕላላ ቊጽሪ 27 % ጥራይ እዩ። . ናይ መጻረዪ ግዜ ብማእከላይ ገምጋም …

Read More »

ሽወደን ኣብ ሓባራዊ ፖሊሲ ኣውሮጳዊ ኢሚግሬሽን ዝነበራ መርገጺ ክትሓድግ ትኽእል እያ ተባሂሉ።

ሽወደን ነቲ ሃገራት ኣውሮጳ ብጽሒት ስደተኛታት ክማቐላ ዝድንግግ ረቛሒ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትጥንጥኖ ትኽእል እያ ክብል ሬድዮ ኤኮት ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ንብዙሓት ዓመታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ጒዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝምልከት ሓባራዊ ራእይ ከቐምጥ ዝገበሮ ፈተነ ዘይምዕዋቱ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። መርገጺ ሽወደን ኲለን ሃገራት ብጽሒተን ኣብ ምውሳድ ምትሕብብር ከርእያ ኣለወን ዝብል እዩ ኔሩ። እዚ መርገጺ ሃንጋሪ እትመርሐን ብዙሓት ሃገራት ከም ዝነጸጋኦ ድማ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com