Friday , March 29 2024

ኢመግረሽን

ንምምልካት ሕቶ ዜግነት ዝወስዶ ግዜያት ብ ተለቪዥን SVT ይንቀፍ!!

ዜግነት ሽወደን ንምርካብ ዘሎ ሪጋን ናይ ምጽባይ ግዜን እናበዝሐን እናነውሐን ምምጽኡን ኣመልከትቲ ካብ ቦርድ ማይግሬሽን መልሲ ክመጾም ንንዊሕ ዓመታት ምጽባይ ከም ዘድልዮም ዝፍለጥ እዩ። ዓሚ ነዚ ንምሕጻር ተባሂሉ ሓድሽ ምምሕዳራዊ ሕጊ ተነዲፉ ኔሩ እዩ እንተኾነ ግና እዚ ሕጊ ንነገራት ኣብ ክንዲ ዘቃልሎም ዘጋድዶም ኮይኑ እዩ ተረኺቡ ክብል SVT ሓቢሩ። ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 100 ሽሕ ናይ ዜግነት ምልክታታት ክግበሩ እዮም ዝብል …

Read More »

ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሃገር ዘይብሎም ሰባት ኣብ ሽወደን ንዓመታት ብዘይ መሰል ይነብሩ ኣለዉ ተባሂሉ!!

ኣብ ሽወደን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ መሰል ዘይብሎም ሃገር ዘይብሎም ሰባት ኣለዉ ክብል ተሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ’ሎ።፡ እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ እዞም ሰባት ትቕበሎም ናትና ዝብልዋ ሃገር ዘይብሎም ስለዝኾኑ ናይ ምስጓጒ ውሳነ ክትግበር ኣይከኣልን እዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮተበሪ ክኢላ ሰላምን ልምዓትን ፕሮፌሰር ሄለና ሊንድሆልም ን SVT ኒውዝ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ” እዞም ሰባት ርሱዓት እዮም” ኢላ። ብመሰረት ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ …

Read More »

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ብዛዕባ ሶርያ ዘለዎ ገምጋም መሊሱ ከም ዝመርመሮ ኣፍሊጡ!!

ዳይረክተር ጀነራል ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ሚካኤል ረብነቪክ ኣብ ሶርያ ዘሎ ናይ ጸጥታ ኲነታት ደጊሙ የጽንዖ ምህላዉን እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሓድሽ ሕጋዊ መርገጺ ዝመርሕ እዩ ክብል ኣፍሊጡ’ሎ። እዚ ሓድሽ ገምጋም ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃኡ ምህላዉን ኣብ ናይ ሓምለ ገምጋም ኣብ መሰረታዊ ትንተና ተመርኲሱ ሕጊ ክሕንጽጽ ምዃኑን እዚ ግና ነቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ናይ ኤክስቴንሽን ጒዳያት ዘይትንክፍ ምዃኑን ሓቢሩ’ሎ። …

Read More »

ዜግነት ንምምልካት ፓስፖርት ምልኣኽ ኣየድልየኩምን እዩ ተባሂሉ!!

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ብ ሰነ 17 ኣብ መርበብ ሓበሬቱኡ ኣብ ዝለጠፎ ምልክታ ንዜግነት ዘመልክቱ ሰባት እቲ በዓል መዚ ኣድላዪ ኮይኑ ረኺብዎ እሞ ለኣኹ ክሳብ ዝብሎም ፓስፖርቶም ብፖስጣ ኣትሓሒዝካ ማልኣኽ ከምዘየድሊ ሓቢሩ። ዝኾነ ኣመልካቲ ናይ ዜግነት ፓስፖርቱ ስጋብ በዓልመዚ ኣድላዩ ኣብ ዝበለሉ ግዜ ልኣኮ ዝበሃል ምስኡ ከጽንሖ ወስኹ የተሓሳስብ። ቀንዲ ምኽንያት ናይ ድማ ሰባት ካብ ሽወደን ወጻኢ ንዝገብርዎ ጒዕዞ ኣብ ምልኣኽ …

Read More »

ኣገልግሎት ኢመግሬሽን ንልዕሊ 11 ሽሕ ፍቃድ ይህብ!!

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ኣብሓምለ 11 ሽሕ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክህብ ከሎ ኣስታት1000 ካብዚኣቶም ንደለይቲ ዕቚባ ዝሓተቱ እዮም። ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ሓምለ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ልዕሊ 11 ሽሕ መንበሪ ፍቃድ ንትምህርትን ስራሕን ንዝመጹ ምዕዳሉ ኣፍሊጡ። ብዝርዝር ክግለጽ ከሎ ክሳብ 4353 ዝኸውን ናይ መንበሪ ፍቓድ ንትምህርቲ፣ 3999 ናይ ስራሕ ፍቓድ ከምእውን ኣስታት 2001 ከኣ ንምጥርናፍ ስድራቤት ዝተዋህበ እዩ። ብተወሳኺ ኣስታት 1030 ን ሓተቲ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ምፍርራህ ይወርድ ምህላዉ ተሓቢሩ!!

ኣብ ልዕሊ በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ዝተገብረ ምንካይ ባጀት ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ክብድ ዝበለ ጸቕጢ ስራሕ ምፍጣሩን ንዝተፈላለየ ምፍርራህን ታህዲድን ከም ዝሸመሞም ተፈሊጡ። “ናብዚ ክፍሊ ኣሽሓት ጻውዒታት መዓልታዊ እዮም ዝመጹ፡ እዚ ድማ ነቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ይሸሞም ኣሎ”ይብል መማዪ ኣገባብ ስራሕ ፍራንቺስኮ ካራዛና። መብዛሕትኦም ካብቶም ጻውዒታት ናብ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ሕቶ ዘቕረቡን መልሲ ዝደንጐዮምን ሰባት እዮም ዘቕርብዎም። ካብዚኦቶም ገሊኦም ናይ ሞት ምፍርራህ …

Read More »

ን ጉዳይ ዜግነት ዝምልከት ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ውጺኢት ክነግር ኢና ይብል ክፍሊ ቦርድ ኢመግረሽን ሽወደን!!

ሕጂ ብዙሓት ንዜግነት የመልክቱ ኣለዉ ተባሂሉ። ቊጽሮም እናበዝሐ ዝመጸ ሰባት ሽወደናዎ ዜግነት ክህልዎም ከም ዝደልዩን መጸበዪ ግዜ ዜግነት ሕጂ ንውሕ ዝበለ ከም ዝኾነን ተፈሊጡ። ኣብዚ ዓመትዚ ቦርድ ማይግሬሽን ሽወደን ካብቲ ልሙድ ብተወሳኺ መርመራታት ምድላዉ ድማ ተሓቢሩ። ኣብዚ ሎሚ ግዜ እቲ ዝነውሐ መጸበዪ ግዜ 30 ኣዋርሕ ኮይኑ ኣጸቢቑ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዝሰልጥ ሕቶታት ዜግነት ምህላዉ’ውን ይፍለጥ። ብማእከላይ ገምጋም ናይ መጸበዪ እዋን …

Read More »

ፖሊስ ሓደ መርበብ ንግዲ ኣመንዝራነት ምርካቦም ገሊጾም።

ኣብ ምዕራብ ሽወደን ፖሊስ ሓደ መርበብ ንግዲ ኣመንዝራነት ምርካቦም ገሊጾም። 20 ዝኾና ካብ ሮማንያ ዝመጻ ደቀንስትዮ ኣመናዝር ኮይነን ክሰርሓ ናብ ሽወደን ክመጻ ከም እተገብረ ፖሊስ ብሰሉስ ሓቢሮም። ፖሊስ ናብቲ እዚ ገበን ዝፍጸመሉ ህንጻ ዝኸዱ ካብ ህዝቢ ብዝረኸብዎ ጽንጽንታዊ ሓበሬታ ምዃኑ ገሉጾም ኣለዉ። ኣብ መርመራኦም ድማ እዚ ሓደ ካብቶም Malmö, Göteborg ከምኡውን Växjö ዝርከቡ መርበባት ምዃኑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ፖሊስ ብዓርቢ ኣብ …

Read More »

ሽወደን ዓመታዊ ኣስታት 21,000 ሓተትቲ ዑቕባ ስጋብ ዓመተ 2022 ከምትቕበል ገሊጻ!!

ክፍሊ ኢመግረሽን ሽወደን ከምዝሓበሮ ዓመታዊ ስጋብ 21000 ሽሕ ዝኣኽሉ ስደኛታት ከምዝቕበልን እዚ ድማ ንጽቕጽል ክልተ ዓመታት ብኸምኡ ዓይነት ኣገባብ ክኸይድ ትንቢታቱ ኣቐሚጡ። እዚ ክፍሊ ወሲኹ ኩሉ ኣገባብ መስርሕ ኣወሃህባ ፍቓድ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንክሰላሰል ብዝልዓለ ይሰራሕ ከምዘሎን እንተኾነ ግን ብሰንኪ ፊናንሳዊ ሕጽረት ኣብ ኣፈጻጽማ ጉዳያት ምድንጛያት ክርኤ ከምዝኽእል ይገልጽ። ክፈሊ ኢመግረሸን ሽወደን ምስ ዝኹሉ ብድሆታቱ ዓመታዊ ን ኣስታት  21000 ሓተቲ …

Read More »

ዜግነት ሸወደን ንምርካብ 2 ዓመትን ፈረቃን ምጽባይ ከድልይ እዩ ተባሂሉ።

ሬድዮ ሽወደን ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝፈነውቶ ዜና ዜግነት ናይ ሸወደን ንምርካብ ኣብ ተራ 2ዓመትን ፈረቃን ምጽባይ ከምዘድልይ ሓቢራ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ብሰንኪ ምቅናስ ባጀት ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ቁጽሪ ሰራሕተኛታቱ ስለዝቀነሰ ምኻኑን ቀዳምነት ድማ ኣብ ጉዳይ ምሕታት ዑቅባ ኣቶኪሮም ይሰርሑ ምህላዎም ምኻኑ ፍረዲሬክ ቤንግትሰን ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኢመግረሽን ሓቢሩ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com