Monday , April 29 2024
Jeppe Gustafsson/TT

ፖሊስ ሓደ መርበብ ንግዲ ኣመንዝራነት ምርካቦም ገሊጾም።

ኣብ ምዕራብ ሽወደን ፖሊስ ሓደ መርበብ ንግዲ ኣመንዝራነት ምርካቦም ገሊጾም።

20 ዝኾና ካብ ሮማንያ ዝመጻ ደቀንስትዮ ኣመናዝር ኮይነን ክሰርሓ ናብ ሽወደን ክመጻ ከም እተገብረ ፖሊስ ብሰሉስ ሓቢሮም።

ፖሊስ ናብቲ እዚ ገበን ዝፍጸመሉ ህንጻ ዝኸዱ ካብ ህዝቢ ብዝረኸብዎ ጽንጽንታዊ ሓበሬታ ምዃኑ ገሉጾም ኣለዉ። ኣብ መርመራኦም ድማ እዚ ሓደ ካብቶም Malmö, Göteborg ከምኡውን Växjö ዝርከቡ መርበባት ምዃኑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ፖሊስ ብዓርቢ ኣብ ምቅጣር ዝተዋፈሩ ንዝበልዎም 2 ሰብኡትን 2 ኣንስትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ።

ኣብ ሽወደን ምንዝርና ፍቑድ እኳ እንተኾነ ስጋዊ ርክብ ምሽማት፥ ምቅጣርን ንዕኡ ምእንጋድን ግና ብገበን ዘሕትት ወንጀል እዩ።

ኣብ ሽወደን ምንዝርና ፍቑድ እኳ እንተኾነ ስጋዊ ርክብ ምሽማት፥ ምቅጣርን ንዕኡ ምእንጋድን ግና ብገበን ዘሕትት ወንጀል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com