Monday , April 29 2024

ኣገልግሎት ኢመግሬሽን ንልዕሊ 11 ሽሕ ፍቃድ ይህብ!!

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ኣብሓምለ 11 ሽሕ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክህብ ከሎ ኣስታት1000 ካብዚኣቶም ንደለይቲ ዕቚባ ዝሓተቱ እዮም። ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ሓምለ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ልዕሊ 11 ሽሕ መንበሪ ፍቃድ ንትምህርትን ስራሕን ንዝመጹ ምዕዳሉ ኣፍሊጡ።

ብዝርዝር ክግለጽ ከሎ ክሳብ 4353 ዝኸውን ናይ መንበሪ ፍቓድ ንትምህርቲ፣ 3999 ናይ ስራሕ ፍቓድ ከምእውን ኣስታት 2001 ከኣ ንምጥርናፍ ስድራቤት ዝተዋህበ እዩ። ብተወሳኺ ኣስታት 1030 ን ሓተቲ ዑቕባ ክኸውን ከሎ 554 ድማ ን ዜጋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት እዩ።

ኣስታት 1438 ካብቶም ብስራሕ ምክንያት ዝመጹ ኣብ ናይ ሽወድን ትካልት ዝሰርሑ ክኾኑ ከለዉ ዝተርፉ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲታት ትምህርቶም ዝቕጹሉ እዮም። ካብቶም ብስራሕ ምኽንያት ዝተዋህቦም 127 ኣብ ስርሓት ኮንስትራክሽን፣ 101 ኣብ ኢንዳስትሪ፣ 38 ኣብ መሽነርን ትራንስፖርትን፣38 ኣብ መዳያት ምምሕዳር፣ 32 ኣብ ሕርሻ ከምእውን 29 ኣብ ምሕደራ ምእንጋድ ዓማዊል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com