Monday , April 29 2024

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ብዛዕባ ሶርያ ዘለዎ ገምጋም መሊሱ ከም ዝመርመሮ ኣፍሊጡ!!

ዳይረክተር ጀነራል ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ሚካኤል ረብነቪክ ኣብ ሶርያ ዘሎ ናይ ጸጥታ ኲነታት ደጊሙ የጽንዖ ምህላዉን እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሓድሽ ሕጋዊ መርገጺ ዝመርሕ እዩ ክብል ኣፍሊጡ’ሎ። እዚ ሓድሽ ገምጋም ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃኡ ምህላዉን ኣብ ናይ ሓምለ ገምጋም ኣብ መሰረታዊ ትንተና ተመርኲሱ ሕጊ ክሕንጽጽ ምዃኑን እዚ ግና ነቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ናይ ኤክስቴንሽን ጒዳያት ዘይትንክፍ ምዃኑን ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ጒዳይ ሶርያ ዝህሉ ሕጋዊ ጒዳይ ምስተወሰነ ነዚ ህሉው ከገልግል እዩ ምባል ከም ዘሸግር እንተኾነ ግና እቲ ሓድሽ ሕጊ ንዝመጹ ትግበራታት ከም ዝጸሉ ኣነጺሩ’ሎ። ንኣብነት ናይ ምእታው ውሳነታት ሓደ ካብቶም ዝጽለዉ ባእታታት እዩ ተባሂሉ’ሎ።

እንተኾነ ግና ረበንቪክ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ እቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ግጭት ይቕጽል ምህላዉን ብርክት ዝበሉ ሶርያውና ኣህጒራዊ ሓለዋ ከድልዮም ምዃኑን ኣመልኪቱ’ሎ። እቲ ኣብ ሕዳር 2015 ዝወጸ ገምጋም በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ኣብ ሶርያውያን ሕጂ’ውን ከም ዝውዕል ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com