Monday , April 29 2024

ኢመግረሽን

ብምኽንያት ሓድሽ ሕጊ ደሞዝ ብርክት ዝበለ ሕቶ ፍቓድ ስራሕ ተነጺጉ

ንፍቓድ ስራሕ ተባሂሉ ዝወጸ ዝተሓተ ደረት ደሞዝ ወሰኽ ኣብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ን ዝግበር ምንጻግ ብናህሪ ከም ዝወሰኾ ተሓቢሩ። እቲ ለውጢ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕል ንደሓር፡ እዚ ጠለብ ጽገና ምኽንያት 25% ምንጻግ ፍቓድ ስራሕ ኮይኑ ጸኒሑ’ሎ። ሓደ ወርሒ ቅድሚ እቲ ለውጢ፡ እቲ ተዛማዲ ኣሃዝ 1% ጥራይ ምንባሩ ብምዝካር እዚ ሕጊ ን ኣሃዝ ምንጻግ ፍቓድ ስራሕ ብዝተዓጻጸፈ ደረኣ …

Read More »

ሓድሽ ኣሰራርሓ ፍቓድ ስራሕ ብርትዕ ነቐፌታ ኣጋጢምዎ

ሽወደን ልዑል ብቕዓት ንዘለዎም ሰብ ሞያ ፍቓድ ስራሕ ንምስላጥ ዘኽእል ፍጡን መስመር ተተኣታቱ’ላ። እዚ ሓድሽ ስርዓት ኣካል ናይቲ መንግስቲ ብቑዓት ሰራሕተኛታት ናብ ሽወደን ንምስሓብ ዘለዎ ድሌት እኳ እንተኾነ፡ ሰፊሕ ክፋል ዓያዪ ሓይሊ ዝጓኒ ብምዃኑ ነቐፌታ ይገጥሞ ኣሎ። “ነቶም ኣዝዮም ብቕዓት ዘለዎም ሰራሕተኛታት ጥራይ ምሽላም እኹል ኣይኮነን" ይብል ፊሊፕ ኣልሰን፡ ኣካያዲ HR ኣብ ‘H2 Green Steel”

Read More »

ልዕሊ 75% ሕቶ ቪዛ ኢራናውያን ተነጺጉ

ን ድሕረ-ለነዳ ኮሮና ስዒቡ ብዝተኸትስተ ምውሳኽ ኣህጉራዊ መገሻታት፡ ቊጽሪ ናይቶም ናብ ሽወደን ንምብጻሕ ዘመልክቱ በጻሕቲ ቊጽሮም ምውሳኹ ተገሊጹ። ዝበዝሑ ካብዞም በጻሕቲ ካብ ሃገራት ህንድን ቻይናን እዮም። ይዂንምበር ኲሎ ሓተትቲ ቪዛ እዚ ሕቶኦም ይሰልጥ ዘይምህላዉ፥ ካብ ገለ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ኸኣ ዕንቅፋታት የጋጥሞም ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ዜጋታት ኢራንን ሶርያን ብፍላይ ተጠቀስቲ እዮም። ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ዜግነት ናይ ዝተኸልኡ ዜጋታት ሶርያ ካብ …

Read More »

ኣብዚ ዓመት ልዑል ቊጽሪ ሕቶ ዜግነት ተነጺጉ

ኣብታ ዝተሰናበትናያ ዓመተ 2023 ቊጽሪ ናይቶም ምስ ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ዜግነት ንምቕባል ዘእተዉዎ ሕቶ ዝተነጽገ ሰባት ክብረ ወሰን ዝሓዘ ምንባሩ ተገሊጹ። ኣመልከትቲ ዜግነት ንጸጥታን ድሕነትን ሽወደን ስግኣት ዝፈጥሩ እንተኾይኖም ዝምርምር ኣገልግሎት ጸጥታን ድሕነትን ሽወደን ሳፖ እዩ ። ገበን ናይ ምፍጻም ውጥን ወይ ነዚ ንምግባር ተኽእሎ ኣለዎ ተባሂሉ ብ ሳፖ ዝተገምገመ ሰብ ዜግነት ናይ ምርካብ ዕድሉ ዕጹው ይኸውን ኣሎ። ሓደ ካብዞም …

Read More »

ሓተትቲ ዕቚባ “ቅንዕና ዝመልኦ ህይወት” ክነብሩ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣመሓደርቲ ውድባትን እንተላይ ሰልፊ ደሞክራሲ ሽወደን ሓተትቲ ዑቕባን ካልኦት ወጻእተኛታትን ኣብ ሽወደን ናይ ምጽናሕ መሰሎም ብዝመርሕዎ ኣገባብ ህይወት ክሰን ከም ዝደልዩ ገሊጾም። ኣብ ሽወደን ዕቚባ ዝሃተቱ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ንኽወሃቦም ወይ መንበሪ ፍቓድ ንኽሕዙ “ቅንዕና ዝመልኦ ናብራ” ክመርሑ እዞም ሰልፍታት ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ነዚ ዘማልእ ረቛሒታት እንታይ እንታይ እዩ ኣብ ዝብል ሕቶ ሓድሽ መንግስታዊ መርመራ ክግበር ምዃኑ ሬድዮ ሸወደን ወሲኻ …

Read More »

ሓድሽ  ሕጊ  ኢመግረሽን ካብ 1  ጥቅምቲ 2023 ክጅምር እዩ።

ሚኒስተር ኢመግረሽን ማርያ  ማልመር ከምዝሓበረቶ ካብ  1 ጥቅምቲ  2023 ጀሚሩ  ብናይ  ስራሕ ፍቓድ ናብ ስዊድን ምምጻእ ዝምልከት ካብቲ  ቅድሚ  ሕጂ  ዝነበሮ ድሞዝ ናይ 13000 ክሮነር ብዕጽፊ ብምውሳኽ ዝኾነ መንበሪ ፍቃድ ብምኽንያት  ስራሕ ዘመልክት ሰብ ደሞዙ  26650 ክኽውን ከምዝተወሰነ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ  መግለጺ ኣፍሊጣ። እዚ ማለት ነቶም ትሑት እቶት ዘለዎ  ስራሕ ዝሰርሑ ከም  ናይ  ጽሬት  ስራሕተኛታትን ናይ  ቤት መግቢ  ሰራሕተኛታትን ዝጸልው  …

Read More »

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ፡ ካልእ ነዊሕ መስርዕ ክህሉ እዩ ተባሂሉ።

ኦፐሬተር መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን (ስዊዳቭያ)፡ ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ስቶክሆልም፡ ነዊሕ ሪጋ ገያሾ ክህሉ ከም ዝኽእል ንዓማዊል ሓቢራ። እታ ኦፐሬተር፡ ኣብዚ ብደረጃ ሃገር ዝዓበየ ናይ በረራ ኣገልግሎት ዝወሃበሉ መደበር፡ ኣብ ነቚጣታት መፈተሺ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ ገያሾ ናብ መጸበዪ ቦታኦም ክሳብ ዝበጽሑ፡ ዘሎ መስርሕ ስክሪኒንግ ክናዋሕ ይኽእል እዩ ክትብል ኣመልኪታ። ብዘይካዚ፡ ዝበዝሑ ገያሾ ኣብ ሰለስቲአን መዓልታት …

Read More »

ምውህሃድ ስደተኛታት ምፍሻሉ መንግስቲ ተኣሚኑ።

ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት እተቐበለቶም ኣዝዮም ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ምውህሃድ ብዘይምዕዋታ፡ ተመዓደውቲ ሕብረተሰብን ጒሒላታትን ንኽፍጠሩ ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ገሊጻ። ንሳ፡ ብሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ከምኡውን ሚኒስተር ሰደተኛታትን ምውህሃድን ኣንደርሽ ይግማን ተማእኪላ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዋዜማ ፋስጋ ኣብ ብርክት ዝበላ ከታማታት ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ልዕሊ 100 ፖሊስ ክጒድኡ ዝገበሩ፡ እዞም ጒሒላታት እዮም ኢሎም። “ኣብ ሓደ …

Read More »

ደንማርክ ወረቐት መንነት ንዘይብሎም ዩክሬናውያን ምቕባል ትኣቢ።

ኣማኢት ስደተኛታት ዩክሬይን ፓስፖርት ስለዘይብሎም ወይውን ናብ ካልእ ሃገር ኖርዲክ ክኸዱ እዮም ብዝብል ብ ዴንማርክ ተዓጊቶም ምህላዎም ተገሊጹ። መዓልታዊ ካብ 10-20 ዝኾኑ ስደተኛታት ዩክሬይን ብኸምዚ ምኽንያት ይዕገቱ ምህላዎም ሬድዮ ደንማርክ ሓቢራ። ኣብዚ እዋን ኣብ ደንማርክ ሕቶ ዕቑባ ከቕርቡ ንዝደልዩ ገዲፍካ ባዮሜትሪካዊ ፓስፖርት ወይ ካልእ ኣህጒራዊ ተቐባልነት ዘለዎ ወረቐት መንነት ዘይብሎም ዩክሬናውያን ስደተኛትት ናብታ ኣሃገር ክኣትዉ ከም ዘይፍቀደሎምን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። …

Read More »

ሽወደናውያን ንዩክሬናውያን መጽለሊ ይቕርቡ ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣብ ዝቕጽላ ኣዋርሕ ካብ ዓሰርተትት ኣሽሓት ክሳብ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ዩክሬይን ናብ ሽወደን ዕቚባ ክሓቱ እዮም ዝብል ትጽቢት ከም ዘለዎ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ዛጊት እዞም ዩክሬናውያን ብ ስድራቤትን ኣዕሩኽን መጽለሊ ይቕረበሎም ከም ዘሎን እቲ ኲነታት ነቲ ኣብ 2015 ዘጋጠመ ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ዘዘኻኽርን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ሽወደናውያን ነዞም ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጥዎም ሰባት ኣብ ቤቶም ከም ዘጽልሉ ብምግባር ይሕግዝዎም ምህላዎምን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com