Saturday , April 20 2024

ኢመግረሽን

ሸውዓተ ስደተኛታት፡ ኣብ ሓደጋ መኪና፡ ሞይቶም

ስደተኛታት ጽዒና፡ ኣብ ደቡብ ሃንጋሪ እትርከብ ምስ ሃገረ ሰርብያ እትዳወብ ከተማ ሞራሃሎም፡ ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና፡ ካብቶም ኣብ ብሎኮ ዝነበሩ ፖሊስ ንምህዳም ኣብ ትሕምበበሉ ዝነበረት እዋን፡ ምስ ሓደ ናይ ዕምባባ ዱኳን ድሕሪ ምግጫዋ፡ ሸውዓተ ካብቶም ኣብታ መኪና ተጻዒኖም ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ሂወቶም ክስእኑ ከምዝኸኣሉ ፖሊስ እቲ ከባቢ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። መንነት ናይቶም ዝሞቱ ስደተኛታት ዝፍለጥ እኳ እንተዘይኮነ፡ ደቂ ተባዕትዮ …

Read More »

Harmony Media News Magazine 08/12/2021

Read More »

ጳጳስ ፍራንሲስ: ንኣታሕዛ ስደተኛታት ኣውሮጳ: ኮኒኑ 

ጳጳስ ፍራንሲስ: ነቲ ኣውሮጳውያን: ንስደተኛታት ብሕማቕ ክኣልዩ ዝገብርን እናሳዕረረ ዝመጽእ ዘሎን ጸቢብ ውልቃዊ ረብሓን ሃገራውነትን ኮኒኑ። ንሱ ኣብ ደሴታት ሌዝቦስ: ግሪኽ: ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ሸለልትነት ምስ ምጥሓል መርከብ ስደተኛታት ብምምስሳል: ሓደገኛ ተርእዮ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ጳጳስ ፍራንሲስ: ንደሴታት ሌዝቦስ ኣብ 2016 እውን በጺሑ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣብቲ ዓመትቲ: ደሴታት ሌዝቦስ: ቀንዲ መተሓላለፊ ናይቶም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝደልዩ ስደተኛታት ምንባራ …

Read More »

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ 20 ሽሕ ዝኸውን ዘይተመለሰ ደብዳቤታት ከምዘለዎ ገሊጹ

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ 20 ሽሕ ዝኸውን መልሲ ዘይተዋህበሎም ናይ ዓማዊል ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳቤታት (e mail) ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ በዓል መዚ፡ ነቲ ዘሎ ብዝሒ ደብዳቤታት ንምጽፋፍ ብምባል፡ ንኣባላቱ፡ ትርፊ ሰዓታት ንኽሰርሑ እኳ እንተ ገብረ፡ እቲ ስራሕ ከምቲ ዝድለ ክስጉም ስለዘየከኣለ፡ ተወሰኽቲ 55 ግዝያውያን ሰራሕተኛታት ቆጺሩ ከምዘሎ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ኣብዚ …

Read More »

ሓደጋ ሞት፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ መትረብ እንግሊዝ

ድሕሪ እቲ ኣብ መትረብ እንግሊዝ (ናይ እንግሊዝ ካናል) ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ቁጽሪ ናይ ምውታት እንዳወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ብውሑዱ 27 ዝኾኑ ስደተኛታት ካብታ ካላይስ ተባሂላ እትጽዋዕ ናይ ፈረንሳይ ወደብ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቦታ ከምዝጠሓሉ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ሓደጋ’ዚ ስደተኛታት ካብ ፈረንሳይ ናብ ሃገረ እንግሊዝ ክስደዱ ካብ ዘጋጠሙ ፈተነታት እቲ ዝዓበየ እዩ። እቶም ኣብቲ ዝሑል ዝኾነ መትረብ እንግሊዝ ብሰንኪ ምጥሓሎም ዝሞቱ ሰባት፡ ብሓደ …

Read More »

ው.ሕ.ሃ. . . . 420 ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ድሒኖም

ብቐዳም፡ ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩ ዝነበሩ 420 ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ሓደገኛ ኩነታት ባሕሪ ናይ ርድኡና መልእኽቲ ድሕሪ ምምሕልላፎም፡ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጣልያን፡ ከም ዝደሓኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ መጀመርታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናብ ኤውሮጳ ብጃልባ ገይሮም ክሰግሩ ዝፍትኑ ካብ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ጃልበኦም ድሕሪ ምብልሻዋ፡ 75 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 15 …

Read More »

ትግራዎት ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ መደብ፡ ደው ኢሉ

ትግራዎት ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ዝነበረ መደብ፡ ንግዝይኡ ደው ኢሉ ከምዘሎ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን ገሊጹ። በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ነዚ ውሳኔ ዝወስድ ዘሎ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራዎት ዝወርድ ዘሎ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላትን ዓመጽን ምርኩስ ብምግባር ምዃኑ ገሊጹ። ጸጥታዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ሕማቕን ኣሻቓልን ኣንፈቱ ንምልላይ ዘጸግምን እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ እቲ በዓል መዚ ገሊጹ። ብመሰረት ዝሓለፈ ሰሙን ዝተረኽቡ …

Read More »

ሃገረ ፖላንድ፡ ንቤላሩስ ኣጠንቂቓ

ፖላንድ፡ ብሰንኪ ካብ ቤላሩስ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምእታው ዝፍትኑ ዘለዉ ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ ዶባተን ዘየድሊ ብረታዊ ጎነጽ ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣጠንቂቓ። እቶም ስደተኛታት ሓጹር ትሪኮላታት ዶባት ብምብታኽ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን፡ ሰራዊት ፖላንድ ናብቲ ዶባት ከም እተዋፈረ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ’ሎ። ቤላሩስ፡ ነዚ ቅልውላው ንኽባላሕ ኮነ ኢላ ትሰርሕ ኣላ ክብሉ ፖላንድ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኔቶን ክኸሱ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ፕረዚደንት እታ ሃገር …

Read More »

ንወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ዝከለኸል ሓድሽ እማመ ቀሪቡ

ወሃቢ ስራሕ፡ ኣብ ልዕሊኡ ቀድታት እናሃለዉ፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ እንተድኣ ሓቲቱ፡  ክወሃቦ ኣይክእልን እዩ። ብዘይካ እዚ፡ ነቲ ዘስርሖ ሰብ፡ ናይ መንበሪ ገዛ ኣገልግሎት ክህቦ እንተድኣ ኮይኑ ድማ፡ ብቕዓቱ ዝሓለወ ገዛ ከዳልወሉ ክግደድ እዩ። እዚኣቶም ገለ ካብቶም ንወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ንኽከላኸሉ ተባሂሎም ብመርማሪት ኣኒታ ሊንደር፡ ናብ ሚኒስተር ፍትሕን ኢሚግሬሽንን፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ዝቐረበ እማመ እዩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ …

Read More »

ቡልጋርያ፡ ብስደተኛታት ዓቕላ ከም ዝጸበባ ተገሊጹ

ቡልጋርያ፡ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክኣትዉ ዝደልዩ ስደተኛታት ንምዕጋት፡ 350 ወተሃደራት ናብቲ ምስ ቱርኪ ዘዳውባ ከባቢ ኣዋፊራ ምህላዋ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፡ ጆርጂ ፓናያቶቭ፡ ትማል ሰኑይ ንተሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብዚ ዓመት ጥራይ፡ 6500 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብታ ሃገር ምእታዎምን እዚ ኣሃዝ ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር፡ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝወሰኸ ምዃኑ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት እታ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com