Monday , April 29 2024
At least 31 migrants have drowned in the English Channel. Pictured are migrants trying to cross into the UK on Wednesday (Photo by Ben STANSALL / AFP)

ሓደጋ ሞት፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ መትረብ እንግሊዝ

ድሕሪ እቲ ኣብ መትረብ እንግሊዝ (ናይ እንግሊዝ ካናል) ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ቁጽሪ ናይ ምውታት እንዳወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ብውሑዱ 27 ዝኾኑ ስደተኛታት ካብታ ካላይስ ተባሂላ እትጽዋዕ ናይ ፈረንሳይ ወደብ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቦታ ከምዝጠሓሉ ተፈሊጡ’ሎ።
እዚ ሓደጋ’ዚ ስደተኛታት ካብ ፈረንሳይ ናብ ሃገረ እንግሊዝ ክስደዱ ካብ ዘጋጠሙ ፈተነታት እቲ ዝዓበየ እዩ።
እቶም ኣብቲ ዝሑል ዝኾነ መትረብ እንግሊዝ ብሰንኪ ምጥሓሎም ዝሞቱ ሰባት፡ ብሓደ ገፋፊ ዓሳ እዮም ተረኺቦም። እቶም ሰብ ኣብ ምድሓን ዝነጥፉ ክኢላታት ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ዝጋጠሞም ህልቂት ካብ ዝተጸበይዎ ንላዕሊ ኮይኑ እዮም ረኺቦሞ።
መጀመርታ፡ 4 ዝሞቱ ሰባት ተረኺቦም እኳ እንተነበርሩ፡ ደሓር ግና ፖሊስ ነቲ ከንቲባ ናይታ ዓዲ፡ ቁጽሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ሓቢሮሞ። ሰዓት 6 ናይ ምሸት ኣቢሉ ድማ ፖሊስ ፈረንሳይ 27 ሰባት ህይወቶም ክምዝሓለፈ ኣረጋጊጾም።
ድሕሪ ሰዓታት፡ 3 ሄሎኮፕተራትን 3 ኣብ ህይወት ኣድሕን ዘገልግላ ጃልባታትን ምናልባት ብህይወት ክህልው ንዝኽእሉ ሰባት ንምድሓን ብምባል ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቢታ ኣምሪሐን።
እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻሜ፡ ስደተኛታት ነቲ ኢንግሊሽ ቻነል ተባሂሉ ዝጽዋዕ መትረብ ናይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ሃገረ እንግሊዝ ንምእታው ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪታት ክሳብ ሕጂ እቲ ዝገደደ እዩ።
ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ 26 ሰባት ዝደሓኑ ኾይኖም ክሳብ ሕጂ ግና ብቑጽሪ ክንደይ ሰባት ኣብታ መርከብ ከምዝነበሩ ኣይተፈልጠን።
ናይ ፈረንሳይ ናይ ውሽጢ ጉዳያት ሚኒስተር፡ ጀራልድ ዳርማኒን፡ ኣብ ዘወጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ሓለዋ ጃልባታት ዝነጥፉ ዝነበሩ ፈረንሳውያን ኣባላት ፖሊስ፡ ፍርቆም ሃለዋቶም ስሒቶም ፍርቆም ድማ ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ተዛሪቡ።
“እቲ ኣብቲ መትረብ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብጣዕሚ ዘሕዝን ፍጻሜ እዩ። ነቶም ዛጊት ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ፣ ኣካላዊ ማህሰይቲ ዝበጽሖምን ግዳያት ናይቶም ጨካናት ደለልቲ ንዝኾኑን  ኩላቶም ንዘጋጠሞም ሕሰም ሓዘንና ንገልጽ” ክብል፡ ካስቴክስ፡ ኣብቲ ዝወጸ መግለጺ ተዛሪቡ።
ነዚ ናይ ሓደጋ ዜና ድሕሪ ምስምዑ ስዒቡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ እንግሊዝ፡ ቦሪስ ዮህንሶን፡ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ።
በዞም ሓበሬታ ሰብ-መዚ ፈረንሳይ እንተድአ ኾይኑ፡ ኣብዛ ዓመት ጥራሕ፡ ልዕሊ 31 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ካብ ገማግም ፈረንሳይ ናብ ሃገረ እንግሊዝ ክሰግሩ ፈቲኖም። ልዕሊ 7,800 ዝኾኑ ሰባት ንመትረብ እንግሊዝ ንምስጋር ብዝገበሩዎ ፈተነ ምኽንያት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮም ይርከቡ።
ቅድሚ እዚ ናይ ሮቡዕ መሕዘኒ ዝኾነ ፍጻሜ፡ 7 ሰባት ነዚ መትረብ ክሳገሩ ክፍትኑ ከምዝሞቱ ሰበ-ስልጣን ይሕብሩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com