Monday , April 29 2024

ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሃገር ዘይብሎም ሰባት ኣብ ሽወደን ንዓመታት ብዘይ መሰል ይነብሩ ኣለዉ ተባሂሉ!!

ኣብ ሽወደን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ መሰል ዘይብሎም ሃገር ዘይብሎም ሰባት ኣለዉ ክብል ተሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ’ሎ።፡ እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ እዞም ሰባት ትቕበሎም ናትና ዝብልዋ ሃገር ዘይብሎም ስለዝኾኑ ናይ ምስጓጒ ውሳነ ክትግበር ኣይከኣልን እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮተበሪ ክኢላ ሰላምን ልምዓትን ፕሮፌሰር ሄለና ሊንድሆልም ን SVT ኒውዝ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ” እዞም ሰባት ርሱዓት እዮም” ኢላ። ብመሰረት ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ 2015 ኣብ ሽወደን ልዕሊ 30 ሽሕ ሃገር ዘይብሎም ሰባት ኔሮም። ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ከኣ ፍልስጤማውያን እዮም ይብል እቲ ጸብጻብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com