Monday , April 29 2024

ንምምልካት ሕቶ ዜግነት ዝወስዶ ግዜያት ብ ተለቪዥን SVT ይንቀፍ!!

ዜግነት ሽወደን ንምርካብ ዘሎ ሪጋን ናይ ምጽባይ ግዜን እናበዝሐን እናነውሐን ምምጽኡን ኣመልከትቲ ካብ ቦርድ ማይግሬሽን መልሲ ክመጾም ንንዊሕ ዓመታት ምጽባይ ከም ዘድልዮም ዝፍለጥ እዩ። ዓሚ ነዚ ንምሕጻር ተባሂሉ ሓድሽ ምምሕዳራዊ ሕጊ ተነዲፉ ኔሩ እዩ እንተኾነ ግና እዚ ሕጊ ንነገራት ኣብ ክንዲ ዘቃልሎም ዘጋድዶም ኮይኑ እዩ ተረኺቡ ክብል SVT ሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 100 ሽሕ ናይ ዜግነት ምልክታታት ክግበሩ እዮም ዝብል ግምታት ቦርድ ማይግሬሽን ሽወደን ኣሎ። ክሳብ 80 ሽሕ ዝኾኑ መልሲ ክወሃቦም እዩ ዝብል ውጥን ከኣ ኣሎ። በዚ ድማ ቊጽሪ ናይቶም መልሲ ዘይተዋህቦም ፋይላት እናተዀመረ ክኸይድ እዩ ማለት እዩ።

ብመሰረት እቲ ዝወጸ ሓድሽ ሕጊ ሓደ ሰብ ጒዳዩ ከይተመለሰ 6 ኣዋርሕ እንተሕሊፉ ናብ ቦርድ ማይግሬሽን “ናይ ይረኣየለይ” ሕቶ ከእቱ ይኽእል እዩ፡ እቲ ቦርድ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሳምንታት ነዚ መልሲ ክህበሉ ይግደድ እዩ ዝብል። ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ጀሚሮም ከኣ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ሕቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ። እንተኾነ ግና እዚ ኣገባብ ነገራት መሊሱ ካብ ምግዳድ ዝሓልፍ ፋይዳ ኣይተረኽቦን ይብል እቲ ጸብጻብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com