Monday , April 29 2024

ኢመግረሽን

ፖለቲከኛ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ንሶርያ ከዕርፍ ንዝኸደ ስደተኛ መሰል ዕቚባኡ ክሕደግ ሓቲቱ።

ኣፈኛ ፖሊሲ ምውህሃድ ስደተኛታት ዲሞክራትስ ሽወደን ዝኾነ ሄንሪክ ፈንግ ሓደ ሶርያዊ ኣብ ሶርያ ከዕርፍ ብምኻዱ ናይ መንበሪ ፍቓዱ ክሕደግ ጸዊዑ። እዚ ዝተባህለ እዚ ሶርያዊ ስደተኛ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ዕላል ናብ ሶርያ ንዕረፍቲ ምብጽሑን ዝበዝሕ ክፋል ዓዱ ሰላም ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ እዩ። “እዚ ሰብ ካብ ኲናት ኣምሊጠ ኢሉ እዩ መንበሪ ፍቓድ ሓቲቱ ኔሩ፥ ሕጂ ሃገሩ ሰላም እንተኾይኑ ኣብ ዓዱ …

Read More »

ሽወደን ንሕቶ መንበሪ ፍቓድ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ከም ተቃልሎ ሓቢራ።

ኩነታት መንበሪ ፍቓድ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ እንግሊዛውያን ኣብ ቅንያት ብረግዚት (Brexit without deal) ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ብዘይ ስምምዕ ኣብ ትወጻሉ እዋን መንግስቲ ሽወደን መስርሕ ምሕታት መንበሪ ፍቓድ ንዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ ከተቃልለሎም ምዄና ኣፍሊጣ። ንሕቶ መንበሪ ፍቓድ ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝን ስድራ ቤቶምን ዝምልከት ብሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን: ሞርጋን ዮሃንሰን: ፍሉይ ውጥን ከም ዘዳለወ SVT ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ። ዓዲ እንግሊዝ ካብ …

Read More »

ዜጋታት ሶርያ ናብ ሃገሮም ብምብራር ሽወደን ፋልመይቲ ኣውሮጳዊት ሃገር ክትከውን ከም እትኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ብመሰረት ሕጋዊ ኣማኻሪ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ናይ ዕቚባ ሕቶኦም ውዱቕ ዝኾነ ዜጋታት ሶርያ ናብ ሃገሮም ብምብራር ሽወደን ፋልመይቲ ኣውሮጳዊት ሃገር ክትከውን ከም እትኽእል ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ነሓሰ 29 2019 ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ኣብ ጒዳይ ሶርያ ሓድሽ ሕጋዊ ቅዋም ሒዙ ምምጽኡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ካብ ግዝኣታት ሶርያ ካብ ግርጭት ናጻ ምዃኑን በዚ ድማ ናይ ዕቚባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ሶርያውያን ብሕጊ ናብ ሶርያ ክባረሩ ዝገብርን …

Read More »

ኣካይዳ ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲ ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ ስደተኛታት ምውጻእ እዩ ክትብል ሓንቲ ሽወደናዊት ጋዜጠኛ ኣቃሊዓ።

ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲ ኣጋውሉ ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ ስደተኛታት ምውጻእ እዩ ክትብል ሓንቲ ሽወደናዊት ጋዜጠኛ ኣቃሊዓ። ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲ፥ እንተላይ ሚኒስተር ሲቪላዊ ጒዳያት ኣርዳላን ሺካራቢን ኣማኻሪ ኤስኪልስቱና ጂሚ ጃንሰንን ኣብ ቀረባ እዋን ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ስደት ክግብር ምጽውዖም ተፈሊጡ። ጋዜጣ ፎከስ ኣብ ዘውጽኣቶ ስፍሕ ዝበለ ጸብጻብ ላዕለዎት ሰብ መዚ እቲ ሰልፊ ነዚ ኣካይዳ ዘለዎም ደገፍ ምግላጾምን …

Read More »

ሱዳንውያን ሰደተኛታት ኣብ ከተማ ዮተበሪ ኣንጻር ውሳኔ ኢመግረሽን ዝዓለመ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ከተማ ዮተበሪ ዝርከብ “ብዮተበሪ ስኰር” ዝተባህለ ቦታ፡ ንመበል ዕስታ መዓልቲ ዝቐጸለ ሰለማዊ ሰልፊ ቀጺሉ ውዒሉ። ምስ ምውዳቕ ስርዓት ኣልበሺር ኩነታት ሱዳን ናብ ንቡርን ውሑስን ኩነታት ተሰጋጊሩ ይርከብ፡ ዝብል ብክፍሊ ኤሚግሬሽን ዝወጸ ውሳኔ ንሕቶ ዑቕባ ሱዳናውያን ዝጸሉ ስለዝኾነ ድማ እዮም ኣንጻር እዚ ውሳኔ ተቛውሞኦም ዝቕጽሉ ዘለዉ። እዞም ሰልፈኛታት መሰሎም ክሕለወሎም ዝኽእል ኣማራጺ (ከም ፖለቲካዊ ዑቕባ) ኣብ ሽወደን ክፍጠረሎም ይሓቱ። እዚ …

Read More »

ሓደስቲ መጻእተኛታት ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ከተማ ሶልና ተቓውሞ ከካይዱ እዮም።

ብርክት ዝበሉ ብኢመግረሽን ናብ ምምሕዳር ሶልና ዝተመደቡ ሓደስቲ መጻእተኛታት ናይታ ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ከተማ ሶልና ብሰኑይ ኣብ ቅድሚ ህንጻ እቲ ምምሕዳር ናይ ተቓውሞ ምትእኽኻብ ክገብሩ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ንሳቶም ገለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጠበቓታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብዛዕባ “ሕማቕ” ዝበልዎ ኲነታት ኣባይቲ ናይ ተቓውሞ ድምጾም ከስምዑ እዮም። ኣብዚ ጒጅለ ዘለዉ ኣክቲቭስታት ከም ዝገለጽዎ ምብቃዕ ውዕል መንበሪ ኣባይቲ ብዘይ ምቕራብ …

Read More »

ኣብ መዓስከር መቐበሊ ስደተኛታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ዓይነት ናይ ውሕስነት ኣገልግሎት ይግበረለን?

ኣብ መዓስከር መቐበሊ ኣጋይሽ ስደተኛታት ዝርከባ ዑቕባ ዝሓታ ደቂ ኣንስትርዮ እኹል ናይ ሓለዋ ኣገልግሎት ከምዘይረኽባ ብዙሓን ተጣበቕቲ ወገናት ይሕብሩ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት እንታይ ክገብራ ይግባእ? ኣብ ናይ ሓባር መዓስከር መቐበሊ ስደተኛታት ክቕመጣ’ኸ ውሑስ ኮይኑ’ዶ ይስመዐን? ሪታ ኦጆኒ ዝተባህለት ኣደ ክልተ ቆልዑ ዝኾነት ኬንያዊት ኣብ ጥቓ እቲ ትቕመጠሉ መዓስከር መቐበሊ ኣጋይሽ ስደተኛታት ሬሳኣ ከምዝተረኽበ ተሓቢሩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ድማ …

Read More »

ምምሕዳር ከተማ ሶልቨስቦርይ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሓደስቲ መጻእቲ ምቕባል ኣብያ።

ኣርባዕተ ሰልፊታት ቆንስላት ምምሕዳር ከተማ ሶልቨስቦርይ (Sölvesborg)ብኤጀንሲ ማይግሬሽን ናብአን ዝምደቡ ሓደስቲ ሰብ መንበሪ ፍቓድ ክወስዳ ፍቓደኛታት ዘይምዃነን ገሊጸን ተባሂሉ። ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን 12 ሰባት ናብዛ ከተማ ምስዳዱ ዝዝከር እዩ። እዘን ምቕባል ምእባየን ገሊጸን ዘለዋ ሰልፊታት ዴሞክራሲ፡ ዓቃባዊ፥ ክርስትያን ዴሞክራሲን ሰልፊ ሶልን እየን። እዚ ኣብያ ነቲ ኣብ 2016 ዝተበጽሐን ምምሕዳራት ከተማ ሓደስቲ መጻእቲ ከአንግዳን ዝእዝዝ ሕጊ ዝጥሕስ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ብመሰረት …

Read More »

ክፍሊ ኢመግረሽን ኢንግሊዛውያን ዝረከብዎም ንቡዝሓት ዜግነት ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ቅድመ ምውጻእ ብሪጣንያ ኣመልኪቱ ድሕሪ ዝገበሮ ስሉጥ ሓገዝ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 2400 ብሪጣንያውያን ሽወደናዊ ዜግነት ተዋሂቦም ተባሂሉ። ብዙሓት ካብዞም ዜግነት ዝተዋህቡ ዛጊት ክልተ ወርሒ ቅድሚ ምሕላፍ ግዜ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ናይ ምውህሃድ ሕቶኦም ክምለሰሎም ይጽበዩ ምህላዎም ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ወርሓ መጋቢት ኤጀንሲ ማይግሬሽን ንሕቶ ናይዞም ኣመልከትቲ ቅድሚ ምውጻእ ብሪጣንያ ንምምላስ ብዝብል ን 1275 ብሪጣንያውያን ዜግነት ሽወደን ምሃቡ …

Read More »

ኽፍሊ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብ ወርሒ ነሃሰ ንኣስታት 5500 ሕቶታት ዜግነት መሊሱ።

በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብዛ ዝሓለፍት ወርሒ ነሃሰ ጥራይ ካብ ዝተቐበሎም ኣስታት 6833 ን ዘግነት ዝምልከት ሕቶ ን ኣስታት 5507 ጉዳያት ኣጻርዩ ን ኩሉ ጠላባት ስለዘማልኡ፣ ንሕቶኦም ኣጺድቁዎ። እቶም ዝተርፉ ሕቶታት ግን ነቲ ዘሎ ረቛሒታት ብዘይምምልኦም ጎደሎ ስለዝተረኽቦም ሕቶኦም ተቀባልነት ከይረኸበ ከምዝተረፈ ተገሊጹ። በዚ መስረት ካብቶም ዘግነት ክወሃቦም ዘመልከቱ ሰባት ኣስታት 88 ሚእታዊ ሕቶም እወታዊ ረኺቡ ኣሎ። እዚ በዓል መዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com