Thursday , May 16 2024

ኢመግረሽን

ሰራሕተኛትት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ክሰናበቱ ምግባር ንናይ ትጽቢት ግዜ ዘየድሊ ምንውሕ ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ንቤትጽሕፈቱ ብዳግመ ምውቓር ክውድብ ምዃኑን እዚ ድማ ምፍናው ገለ ሰራሕተኛታት ከስዕብ ከም ዝኽእልን ተገሊጹ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ መንጐ ቆንስልን ዳይረክተራት እቲ በዓልመዚን ድሕሪ ዝረገብረ ኣኼባ እዩ። ቦርድ ምምሕዳር ብርክት ዝበለ ጽገናታት ክገብር ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። ገለ ካብዚ ብኤምባሲን ቆንስላትን ክግበር ዝጸንሐ ናይ መንበሪ ሕቶን ስድራቤት ንምጽንባር ክግበር ዝጸንሐ ምቕባል ምጒዳልን ዝብሉ ይርከብዎም። ብመሰረት ተሌቪዥን ሽወደን እዚ ኣገባብ ነቲ …

Read More »

ክፍሊ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብ ወርሒ ሕዳር ጥራይ ብስራሕ ምኽንያት ን ኣስታት 4186 ሰባት መንበሪ ፍቓድ ከምዝሃበ ሓቢሩ።

ክፍሊ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ሕዳር ጥራይ ን 3066 ሰባት ብምኽንያት ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝተረፉ ኣስታት 646 ሰባት ድማ ናብ ኣቀዲሞም ብስርሕ ምክንያት ፍቃድ ዝረኸቡ ቤተሰብ ዝተጸንበሩ ፍቓድ መንበሪ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ። ካምዚኣቶም ድማ ናይ ኣስታት 1,490 ኣባላት ስድራቤት ዘዕረፉሉ ቦታ ዉሑስ ኮይኑ እቶም ዝተርፉ 1245 ስባት ብምኽንያት ስራሕ ዝመጹ ግን ምስ ቤተሰቦም ብግሎም ወይ ምስ መቅርቦም ዘጽለሉ ከምዝኾኑ እዛ …

Read More »

ፓላማ ሽወደን ሓድሽ ሕጊ ንሓተትቲ ዑቅባ ዝምልከት የጽድቅ፡ ምቅይያራት ኣብ EBO-lagen።

።ፓርላማ ሽወደን ነቲ ኣቀዲሙ ዝነበረ ወሃብቱ ዑቅባ ባዕሎም ኣብ ዝደለይዎ ቦታ ናይ ምንባር ዝህብ ሕጊ EBO-lagen ( ዝኾነ ሰብ ስጋብ ፍቓዱ ዝረኽብ ብ ኣድረስ ይኹና ብኻልእ ንኸይንቀሳሰ ዝኽልክል ሕጊ እዩ) ምቅዪያራት ከምዝገበረ ሓቢሩ። ሓደ ሓታቲ ዑቅባ ናብ ኣቀዲመን ናይ ማሕበራዊ ጸገማት ዘለወን ምምሕዳራት ኣድራሻ ሂቡ ካብ ካሞፕ ምዝ ዝወጽእ ካብ መንግስቲ ዝወሃቦ ዝነበረ ናይ ቁጠባዊ ሓገዝ ይቓረጽ ። እዚ ሓድሽ …

Read More »

ዝበዝሐ ኣባላት ባይቶ ንፖሊሲ ምጥርናፍ ስድራ ስደተኛታት ከም ዝድግፍ ኣፍሊጡ።

፡ሊበራላውያን ንማእከላውያን፥ ዓቃባውያን፡ ክርስትያንን ሽወደናውያን ዴሞክራትን ብምጽንባር ብስራሕ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ስደተኛታት ስድራኦም ምስኦም ክጥርነፉ ንዝብል ሓሳብ እዂል ደገፍ ክህብዎ ምዃኖም ገሊጾም። “ስድራቤት ምምጻእ ቀሊል ዋጋ ዘኽፍል ኣይኰነን። ብፍላይ ብዝሕ ዝበለ ቊጽሪ ዘለዎም ምስ ዝዀኑ” ክብል ናይ ሊበራልውያን ሰልፊ ኣፈኛ ፖሊሲ ስደተኛታት ፍሬድሪክ ማልም ምስ ሬድዮ ኤኮት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ። SPD ኣብዚ ጒዳይ መግለጺ ካብ ምሃብ እኳ እንተተቘጠበ፥ ሰልፊታት …

Read More »

ልዕሊ 7 ሽሕ ዝኾኑ ሓተትቲ ዕቚባ ንዓዶም ምምላሶም ተገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 7 ሽሕ ዝኾኑ ሓተትቲ ዕቚባ ብወለንትኦን ንዓዶም ምምላሶም ኤጀንሲ ስደተኛታት ብትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ። ብዙሓት ዜጋታት ሶርያ፥ ዒራቕን ካልኦትን ናብ መበቈል ሃገሮም ክምለሱ ብመሰረት ዘቕረብዎ ሕቶ ኣብዚ ዓመት 7,287 ዝኾኑ ሓተትቲ ዕቚባ ተፋንዮም ኣለዉ። ናብ ሃገሮም ብወለንትኦም ክምለሱ ንዝደልዩ ሓተትቲ ዕቚባ መንግስቲ ፍሉይ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ከም ዝገብረሎም ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

ክፍሊ ኢመግረሽ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ን 6484 ሰባት ዜግነት ከምዘሃበ ይሕብር።

ብመስረት ጸብጻብ ክፍሊ ኢመግረሽን ኣብዛ ዓመት ስጋብ ሕጂ ኣስታት  71 709 ሰባት ናይ ሽወደን ዘግነት ንምርካብ ከምዘመልከቱ ሓቢሩ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ጥራይ ኣስታት 8904 ሰባት ከምዘመልከቱ ወሲኹ ይሕብር። በዚ መሰረት ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ  8538 ጉዳያት ብምርኣይ ን 6484 ሰባት ዜግነት ብምሃብ ኣስታት 76% ጉዳያት ከምዝዓመመ ብድምር ድማ ናይ 97572 ኣመልከቲ ዜግነት ኣብ መስርሕ ከምዘሎ እዚ ሓበሬታ የመልክት። ብመልክዕ ሃገራት ወስድቲ ዜግነት …

Read More »

ክፍሊ ኢሚሬሽን ሽወደን ኣብ ልዕሊ ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ዝወሰኖ ድሕሪ 20 ኣዋርሕ ብምሕባሩ ተነቒፉ።

ክፍሊ ኢሚግሬሽን ሽወደን ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ዘቕረቦ ጠለብ መንበሪ ፍቓድ ከምዝነጸጎን ካብታ ሃገር ንኽባረር ውን ውሳነ ኣሕሊፉ ምንባሩን እንተኾነ ግን ድሕሪ ብዙሕ ኣዋርሕ ነቲ ውልቀ ሰብ ብምሕባሩ ካብ ተሓላቒ ፍትሒ (JO) ከቢድ ነቐፌታ ወረድዎ። ክፍሊ ኢሚግሬሽን ሽወደን ውሳነ ናይቲ ጠለብ ኣብ ሓምለ 2016 ከምዝሃበትሉ እንተኾነ ድሕሪ 20 ኣዋርሕ ኣብ የካቲት 2018 ነቲ ውልቀ ሰብ ከምዝሓበሮ ተፈሊጡ ኣሎ። ቤት ጽሕፈት ተሓላቒ …

Read More »

ኣብ ጀርመን ንዉህደት ስደተኛታት ዝግበር ወጻኢታት ዞባዊ ምምሕዳራት፣ ንምቅላል ሓድሽ ሕግን ፋይናንስያዊ ባጀትን ከምዝጸደቕ ይሕበር።

ኣብ ጀርመን ብቻንስለር ኣንጀላ መርከል ዝምራሕ መንግስቲ፣ ንጸገማት ስራሓት ዝተፈላልዩ መንግስታዉን ምምሕዳራት ዞባታትን ኣብ ስራሓት ዉህደት ስደተኛታት ምስ ማሕበረሰብ ጀርመን ንምፍታሕ ዝዉዕል፣ ናይ 1.2 ቢልዮን ኤዉሮ ብምምዳብ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሕ መደብ ስራሕ ከምዝሓንጸጸ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኣብ ጀርመን ብሕጋዊ መንገዲ ተቐባልነት ረኺቦም፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ዞባታትን ክነብሩ ዝተፈቐደሎም ስደተኛታት፣ ምስ ማሕበረሰብ ጀርመን ንምዉህሃድ ዝዓለመ ስራሓዉቲ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ዓበይቲ ጸገማት ከጓንፎም …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ንገለ ካብቶም ኣብ ዘዳለዎ መንበሪ ዝቕመጡ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ሓድሽ ውሳኔ ኣውጺኡ።

እቶም ብምኽንያት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንኽመሃሩ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ኣብ ዝተዳለወ ኣባይቲ ክቕመጡ ፍቓድ ዝረኸቡ ስደተኛታት ነቲ ኣባይቲ ክለቁን ባዕላቶም ኣብ ዝረኸብዎ ኣባይቲ ክነብሩ ከም ዘለዎም እቲ ቤት ጽሕፈት ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ ውሳኔ ኣመልኪቱ። ድሕሪ ሎሚ እዞም ሰባት’ዚኣቶም ዝኾነ ዓይነት ናይ መውዕሎ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ሓቢሩ። እቲ ውሳኔ ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2020 ኣብ ግብሪ …

Read More »

ኣብ ገለ ክፋል ሽወደን ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ በረድ ከምዝህሉ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ይሕብር።

ክፍሊ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ብቀዳማይ ደርጃ ዝስራዕ በረድ ኣብ መላኣ ሃገር ሎሚ ክህሉ ሙዃኑ ይሕበር። በዚ መሰረት ብምዕራባዊ ክፍሊ ሽወደን ጀሚሩ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ዝዝርጋሕ ጻዕቒ ዘለዎ በረድ ከምዝህሉ ይግመት። ኣብ ከባብታት ዳላርና፣ቫርምላንድ፣ገለ ክፋል ያቭለቡሪ፣ ያምትላንድን ቬስተርቦተን ናይ ምንሽርታት ሓደጋ ከስዕብ ስለዝኽእል ነባሪ እዘን ከባቢ ዝያዳ ጥንቓቐ ክብሩ የተሓሳስብ። ብዝተርፈ ግን ኣብ ከባቢ ስቫላንድ ካብ 10 ስጋብ 20 ሚ.ሜተር ዝዓቀኑ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com