Monday , April 29 2024

ኢመግረሽን

ቋንቋ ከም ኣገዳሲ ረቛሒ ሕቶ ዜግነት ክኸውን ሰልፊታት ተሰማሚዐን።

ኣብ መንጎ ሰልፊታት ዴሳዊ ዴሞክራሲ ከባብያዊ ማእከላይን ሊበራላዊን ሰልፊ ሓደ ስምምዕ ተበጺሑ ክትብል ሬድዮ ekot ጸብጺባ። እዚ ስምምዕ ምምላኽ ቋንቋ ከም ኣገዳሲ ረቛሒ ሕቶ ዜግነት ክኸውን ምህናጽ ሃይማኖታዊ ኣብያተ ተምህርቲ ደው ክብል ከምኡ’ውን ከከራኽር ዝጸንሐ ቀረጽ ዳግማይ ምኽፋል ክቕጽል ዝብል እዩ። ተንታኒ ፖለቲካ ekot Thomas Ramberg ሶሻል ዲሞክራትን (S) ሚልዮ (MP) ሰልፊታት ነቶም ዓቃባውያንን ክርስትያን ዴሞክራስያውያን (KD) ማእከላይን (C)ሊበራላውያንን (L)ሰልፊታት …

Read More »

ዝቀውም መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ምጥርናፍ ስድራቤት ዝነበረ ሕጊ ከማሓይሾ ምኻኑ ተሓቢሩ።

ዴሳዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ምስ ለዘብተኛ ክርስትያንን ሊበራላዊን ሰልፊታት ኣብ ዝገበሮ ልዝብ ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራቤት ዝነበሮም መርገጺ ከንሳሕቡ ምግዳዶም ተገሊጹ፡፡ በዚ መሰረት ረቛሒ ዜግነት ሽወደን ዝያዳ ክሰጥም እንከሎ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝያዳ ስደተኛታት ክትቅበል እያ ማለት እዩ። ቅድም ኢላ ኣፈኛ ሓምላይ ሰልፊ ዝነበረት ኣሳ ሮምሶን ኣብ ጽድያ 2015 ናይ መንግስታ እማመ ግዜያዊ ሕጊ ስደት ንብዓት እናሰዓራ እያ …

Read More »

መጻኢ መንግስቲ ሽወደን “ሓላፍነት ዘለዎን ሰብኣዊነት ዝመልኦን ፖሊሲ ስደተኛታት ክኽተል” ምክትል ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ጃን ኤልያሰን ጸዊዑ።

ላዕለዋይ ዲፕሎማት ነበር ጃን ኤሊያሰን ዝመጽእ መንግስቲ ሽወደን “ሓላፍነት ዘለዎን ሰብኣዊነት ዝመልኦን ፖሊሲ ስደተኛታት ክኽተል” ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ። ንሱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ “ስደተኛታት ንሕብረተሰብናን ቊጠባናን ብኸመይ ክጸልዎ ዝብል ሕቶ ብግቡእ ክንትንትን ከድልየና እዩ” ኢሉ። ምክትል ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ጃን ኤልያሰን ኣብዚ ጽሑፉ” መንግስቲ ኣጠቓላሊ ሓላፍነት ዘለዎን ሰብኣዊን ፖሊሲ ስደተኛታት ክሕንጽጽ ይግብኦ” ድሕሪ ምባል ” …

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 12 ጥሪ 2019

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ካብ ሚግረሽንስቨርከት

ኣቕራቢ መንበሪ ፍቃድ ካርድ ዝኾነ ትካል ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮም ተክኒካዊ ጸገም ከም እተቐርፈ ገሊጹ። ዳግማይ ምስራሕ ምሉእ ብምሉእ ምጅማሮም ሰራሕተኛታት ካኣ ተወሳኺ ሰዓትታ ምሉእ ምሸት ይሰርሑ ምህላዎም ገሊጹ። እቶም ካርዲታት ብቐጻሊ ካብሎሚ ጀሚሮም ክስደዱ እዮም። ናይ መንበሪ ፍቃድ ካርድ እንተደሊኻ ንቦርድ ስደተኛታት ዘደውል ኣይክህልወካን እዩ። ባዕልና ክንልእከልካ ኢና። ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመ ገልታዕታዕ ይቕሬታ ንሓትት።

Read More »

ሽወደናዊ ነጋዳይ ብክሲ ብልሽውናን ምጥፍፋእ ገንዘብን ኣብ ሃንጋሪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣቱ።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ እቲ ሓበሬታ ሓቂ ምዃኑ ኣረጋጊጽዎ’ሎ። “ሓደ ኣርብዓ ዓመት ዝዕድሚኡ ሽወደናዊ ኣብ ሃንጋሪ ከም እተቐየደ ፈሊጥና ኣለና” ክብል ኣፈኛ ፕረሰ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ። እቲ ነጋዳይ ኣብ ኩባንያ ፋልኮን ሄሪንግ ፋይናንስ ኣዝዩ ምሩኡይ ምዃኑ ሰብመዚ ሽወደን ክኣ ብገበን ምትላል ክደልይዎ ምጽንሖም ተገሉጹሎ። እዚ ሰብ ን 22 ሽሕ ዝኾኑ ጡረተኛታት ብምትላል 2 ቢልዮን ክሮነር ሽወደን ኣጠፋፊእካ ብዝብል እዩ ክድለ ጸኒሑ።

Read More »

ማልታ 49 ስደተኛታት ዝሓዛ ክልተ መራኽብ ትቕበል።

ማልታ 49 ስደተኛታት ዝሓዛ ክልተ መራኽብ ንሰሙናት ዝኣክል ኣብ ባሕራ ከንሳፍፋ ከተፍቅድ ምዃና እዞም ስደተኛታት ከኣ ናብ ሸሞንተ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክከፋፈሉ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣታ ሃገር ብረቡዕ ኣፍሊጡ። እዛ ሲዋች እትበሃል ብጀርመናዊ ገባር ሰናይ እትመሓደር መርከብ ብታሕሳስ 22 ኣብ ወሰናስን ሊብያ ንዝተረኽቡ 32 ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ምድሓና ይዝከር፡ ብግንቦት 29 ሲኤ ዝተባህለ ጀርመናዊ ናይ ረድኤት ትካል ካልኦት 17 ኣድሒኑ …

Read More »

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ብሪጣንያ ሳጂድ ዣቬድ “ጸረ ስደተኛ መደረ”ሂቡ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ብሪጣንያ ሳጂድ ዣቬድ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሃቦ ርእይቶ ካብ ስደተኛታት ብዙሕ ነቐፌታ ይመጾ ምህላዉ፥ አረ’ውን “ጸረ ስደተኛ መደረ” ብምባል ምውጋዙን ተገሊጹ። ዣቬድ ነቶም ብጀላቡ ፕላስቲክ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፍትኑ ሰባት “ሓቀኛታት ሓተትቲ ዑቕባ ኣይኰኑን” ድሕሪ ምባል ብስቱር ዝካየድ ዋሕዚ ስደት ክቃለስ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 539 ስደተኛታት ብናእሽቱ ጀላቡ ንካናል ብሪጣንያ ክሰግሩ ምፍታኖም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኸኣ …

Read More »

ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ኣብ እተገሽሉ መዓልቲ ቪዛ ምሕታት ምትራፉ ገሊጹ።

ምዕራባውያን ሰብ ፓስፖርት (እንተላይ ሽወደን ) ኦንላይን ቪዛ ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብታ ዝገሹላ መዓልቲ ክሓቱ ይኽእሉ ኔሮም እዮም። ንተኾነ ግና እዚ ተሪፉ ቅድሚ ምጒዓዞም እንተወሓደ ሰለስተ መዓልታት እቐድም ኣቢሎም ክሓቱ ዝድንግግ ሕጊ ወጺኡ’ሎ። ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣብ ዌብሳይቱ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ ኣብ እተገሽሉ መዓልቲ ቪዛ ምሕታት ምትራፉን ገያሾ ብውሕዱ 72 ሰዓታት ኣቐዲሞም ቪዛ ክሓቱን ከም ዝህግባእ ኣፍሊጡ’ሎ። ብዘይካዚ ተጓዓዝቲ ተወሳኺ …

Read More »

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቬኒ ወደባትና ንስደተኛታት ዕጹዋት ክኾና እየን ይብል።

ወደባትና ንመራኽብ ስደተኛታት ዕጹዋት ክኾና እየን ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቬኒ ገሊጹ። ከንቲባ ኔፕልስ ሲዋች ዝበሃል ዘይመንግስታዊ ውድብ ቅድሚ ክልተ ቕነ ንዘድሓኖም ስደደኛታት ንምቕባል ቊርብነት ድሕሪ ምርኣዩ እዩ እዚ ግብረ መልሲ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ዝሰዓበ። “ብዙሓት ናይ ሓሶት ስደተኛታት ተቐቢልና መህጠሩ ጁባ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ኮይንና ኣሎና ይኣክል። ወደባትና ዕጹዋት እየን” ክብል ምስ ኣገልግሎት ዜና ኤኬኣይ ኣብ ዝሃቦ ቃል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com