Saturday , May 4 2024

ኢመግረሽን

ዜናታት ኣልኮምፒስ 08 Februari 2019

ኣርእስተ ዜናታት 1. ሩስያ መጠነ-ሰፊሕ ልምምድ ስርሒት ኲናት ተካይድ። 2 ፖሊስ ሽወደን ንዝተነቐፈሉ ቁጽጽር ዶባት ከማሓይሽ እየ ኢሉ።

Read More »

ኢሚግሬሽን ኣዝዮም ዝተራቐቑ ትምዩናት ፓስፖርት ምርካቡን ብምግላጽ እዝዩ ጽዑቕ ምክትታል ክግበር ከም ዝግብኦ ኣጠንቂቑ።

እዚ ምትምያን ድህሪ ምፍላጡ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ንዂሎም ናይ ቱርክ ማሕፉዳ ሓተትቲ ዕቚባን ቦትኦምን ደጊሙ ክግምግሞ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። በዓል-መዚ ቀረጽ ሽወደን ቱርካዊ ሰነዳት ካብ ዝሓዙ ሰባት ከምዚ ዓይነት ዝረቐቐ ናይ ምትላል ሜላ ከም ዝተዓዘበን ኣብዚ ጒዳይ ሰብመዚ ወጻኢ ምትሕብባር ከርእዩን ጸዊዑ’ሎ። ካብ ዝሐለፈ ኣየት ጀሚሩ 400 ዝኾኑ ናይ ቱርክ ፓስፖርት ንተወሳኺ መርመራ ከም እተላእኩን ክሳብ ክንደይ ከም ዝወሰድሉ ዛጊት ከም …

Read More »

ጥሪ ብዝሒ ዘለዎም ዜጋታት ብሪጣንያ ሽወደናዊ ዜግነት ዝሓተቱላ ወርሒ ኮይና ከም ዝሓለፈት ተገሊጹ፡

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 471 ዜጋታት ብሪጣንያ ሽወደናዊ ዜግነት ሓቲቶም ኣለዉ። ሕቶ ሽወደናዊ ዜግነት ብሪጣንያውያን ክንህር ዝጀመረ ብሪጣንያ ካብ ኣባልነት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትስሕብ ምዃና ብዕሊ ካብ ዝኣወጀትሉ ዓመተ 2016 እኳ እንተኾነ ክንዲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ በጺሒ ከም ዘይፈልጥ እዩ ዝሕበር ዘሎም ሽወደናዊ ዜግነት ንኽወሃቦም ዝሓቱ ዘለዉ ብሪጣንያወያን ከም ዘይስካንዲናቫውያን ዜጋታት መጠን ከማልእዎ ዝግብኦም ቅጥዕታት ከቕርቡ ክሕተቱ እዮም። …

Read More »

ዜናታት ሸወደን ብቛንቋ ትግርኛ 05 የካቲት 2019

1. ኩባንያ መጉዓዚያ ባቡር ክልተ ኣባላት ሓለዋ ብዝፈጸምዎ ጉጉይ ኣገባብ ስራሕ ካብ ስራሕ ደዉ ኣቢሉ ። 2. ነፋሪት ዝዓገተት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰል ሽወደናዊት መንእሰይ ኣብ ቤት ፍርዲ ተኸሲሳ።

Read More »

ፓሪስ ፈረንሳውያን ጂሃዳውያን ካብ ሶርያ ክምለሱ ክትፈቅድ እያ።

ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሶርያ ተኸቲሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ኣብ ሶርያ ንእተሓየሩ ጂሃዳውያን ናብ ፈረንሳ ክምለሱ ክፈቅድ ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ”ሎ። “ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዘሎ ወተሃደራዊ ኲነታት ምስ ምልዋጡን ውሳኔ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካን ስዒቡ እዞም ጂሃዳውያን ባእታታት ኣምሊጦም ናብ ብዙሕ ቦታታት ፋሕ ከይብሉ ብምባል ኢና ነዚ ንገብር ዘሎና” ክብል ንድርኺት እቲ ውሳነ ኣብሪህዎ’ሎ። “ሓይልታት ፈረንሳ ናብ ፈረንሳይ እንተሰጒጎሞም ጒዳዮም …

Read More »

ሞያዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ኣብ ሽወደን ምንባር ክቕጽሉ ዘፍቅድ ሕጊ ኣብ 2021 ክጸድቕ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ጒዳይ ምቕያር ስራሕ” ክኢላታት ሰብ ሞያ” ከምኡ”ውን” “ክኢላዊ ሽቕለት” ዘተኰረ ሕጊ ኣብ 2021 ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ። እዚ ሕጊ ንሕቶ ፍቓድ መንበሪ ካብዚ ዘለዎ ኣጸቢቚ ከቃልሎ ምዃኑ ተገሚቱ’ሎ። ክሳብ ሕጂ እዚ ሕጊ ኣብ መስርሕ እዩ ዘሎ። እዚ ንሓድሽ መንግስቲ ክዉን ዝገበረ ርቡዓዊ ስምምዕ ሽወደናዊ ፍቓድ መንበሪ ብዝቐለለ ኣገባብ ከም ዝርከብ ብምግባር ምስ ኩንትራት ብዝዛመድ ድማ ጒዳይ ዜግነት ክረአ ከም …

Read More »

በዓል መዚ ኢመግረሽን ፍልስጤማውያን ስድራ ናብ ዩክረይን ክመልስ ይህቅን።

ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን እንዳ ሻት ኣብ ጒዳይ ምብራሮም ምስቲ በዓልመዚ ክተሓጋገዙ እዮም ኢሉ ስለዘይሓስብ ንዓመት ናብ ሸንገን ከይምለሱ እገዳ ተነቢርሎም ኣሎ። እቲ ጒዳይ ሕርብት ዝበሎ ዓድል ሻት ምስ SVT Vasternorrland ኣብ ዝገበሮ ዕላል ይግባይ ክንብል ኢና ኢሉ’ሎ። ኣብ Resele ዝቕመጥ ቤተሰብ ሻት ንዑቕባ ዝኸውን እኹል ምኽንያት የብሎምን ኢዮም ተባሂሎም። ስለዚ ድማ ክባረሩ እዩ ተወሲንሎም። እንተኾነ ግና ኣፈጻጸማ እቲ ምስጓግ ዓቢ …

Read More »

ነባሪ ሞታላ ዝኾነ ኤርትራዊ በዓልቲ ቤቱ ብምቕታሉ ይኽሰስ።

ኣብ ሞታላ (Motala) ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ብቕትለት በዓልቲ ቤቱ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ኣቦ ክሲ ተኸፊትሉ’ሎ። ሕዳር 8 እዮም ፖሊስ ኣብ ሰፈር Ekon ከባቢ Motala ከቢድ ክርፍስ ከም ዘሎ ሓበሬታ በጺሕዎም ዝመጹ። ጐረቤት ገበነኛ “ነዛ ሰበይቲ ትሃስያ ኣሎኻ” ከም ዝበሎን ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ህይወታ ሓሊፋ ከም ዝጸንሓቶምን ገሊጾም። እዛ ሰላሳታት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊ ኣካላታ ከቢድ ማህረምቲ ከም ዝወረዳ …

Read More »

ስቲፋን ሎቨን ኣብ ፊንላንድ ዑደት ይፍጽም።

ፊንላንድ ዝመጽእ ክረምቲ ስልጣን ፕረሲደንትነት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቅድሚ ምርካባ ሽወደንን ፊንላንድን ምስ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘለወን ምትሕግጋዝ ከደንፍዓ ከም ዝደልያ ተገሊጹ። ኣብዚ ዛዕባ ዝሓልፉ ኣገደስቲ ውሳኔታት ብዝጸፈፈ ኣገባብ ከዳለዉ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ Joha Sibela ምስ ሽወደናዊ መዘናኡ Stephan Löfven ኣብ ሄልሲንኪ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዕሙቕ ንዝበለ ምትሕግጋዝ እዘን ሃገራት ዝኸውን ርሒብ ባይታ ኣሎ ኢሉ’ሎ። ናብ ሄልሲንኪ ቦኽሪ ምብጻሕ …

Read More »

በዓል መዚ ኢመግረሽን መስመር ቴለፎን ናብ ንቡር ኣገልግሎቱ ከምዝተመልሰ ኣፍሊጡ።

በዓል መዚ ኢመግረሽን ተጨውዩ ዝነበረ መስመር ቴለፎን ናብ ንቡር ኣገልግሎቱ ከምዝተመልሰ ኣፍሊጡ። ንዝተፈጥረ ቴክንካዊ ጸገማት ይቅረታ ብምሕታት ንትዕግስቲ ተገልገልቲ ኣመስጊኑ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com