Saturday , May 4 2024

ኢመግረሽን

በዓል መዚ ኢመግረሽን ብሰንኪ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ይንቀፍ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ጒዳይ ብሸለልትነት ብምሓዝ ንሓደ ዓመት ክደናጐ ብምግባሩ ካብ ትካል ተጣባቒ ፍትሒ ትርር ዝበለ ነቐፌታ አአንጊዱ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሽወደን እዛ ሰበይቲ ነቲ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ዝሃቦ ውሳነ ብምቅዋም ጥርዓን ኣቕሪባ ኔራ። እዛ ሰበይቲ ዘቕረበቶ ናይ ዕቚባን ፍቓድ ግዜያዊ መንበሪን ድሕሪ ምንጻጉ ዘቕረበቶ ጥርዓን ንሓደ ዓመት ምስ ገበረ እያ ናብ ቤትፍርዲ ኦሚግሬሽን ከም ዝሓልፍ ጌራ። …

Read More »

ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ዜግነት ንዘሎ ሕጊ ክትርሮ ምዃኑ ቃል ይኣቱ።

ሽወደናዊ ዜግነት ንዝሓቱ ሰባት ናይ ቋንቋ ፍልጠቶም ዝዕቅን መርመራ ክወሃቦም ምዃኑ እውን ገሊጹ’ሎ። እዚ ውሳነ ሊበራላዊ ሰልፊ ንዝሓለፋ 16 ዓመታት ክደፍኣሉ ዝጸንሐ ሓሳብ እዩ። ሕጂ እዚ ብልፍንቲ ሶሻል ዲሞክራትስን ሓምላይ ሰልፊታት ዝቘመ መንግስቲ ናይ በጀት ሕቶኡ ብሊበራላዊ ሰልፊ ድጋፍ መታን ክረክብ እዚ ዝተገልጸ ለውጢ ፖሊሲ ዝተኣታተወሉ መስርሕ መርመራ ከበግስ እዩ። ኣባል ሊበራላዊ ሰልፊ ባይቶ Gulan Avci ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ …

Read More »

ወዲ 31 ሽወደናዊ ኣብ ኢትዮጵያ ሃለዋቱ ምስዋሩ ተገሊጹ።

ኤርሚያስ ተኪአ ዝተባህለ ኣብ ስቶክሆልም ዝቕመጥ ዝነበረ መንእሰይ ግንቦት 31 እዩ ካብ ሆቴሉ ተሰዊሩ ዝበሃል ዘሎ። ካብታ መዓልቲ ንደሓር ደሃይ ከም ዘይብሎም ከኣ ስድራኡ ይሕብሩ። “ተሻቒልና ኢና ዘሎና” ይብል ሓዉ ኢሰያስ። “ኤርሚያስ ተኪኤ ብ 4 ግንቦት እዩ ንዕረፍቲ ን ኢትዮጵያ መጺኡ። ምስ በዓልቲ ቤቱን ስድራኡን ተራኺቡ። ግንቦት 21 መልእኽቲ ጽሒፉለይ ኣብ ስራሕ ምህላወይን ጸኒሐ ክድውለሉ ምዃነይን ሓቢረዮ” ይብል ሓዉ ኢሰያስ። …

Read More »

ሓተትቲ ዑቕባ ዜግነት ክወስዱ ኣይነገድድን ኢና። በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን

ኣብ ሽወደን ክነብሩ ዘይተፈቕደሎም ሓተትቲ ዕቚባ እቲ ምብራር መታን ክትግበር ምትሕብባር ከርእዩ ይግባእ ተባሂሉ። ቤተሰብ ፋሕ እንተበለትን ቆልዑ ካብ ወለዶም እንተተነጸሉ’ውን ነዚ ቅሩባት ክኾኑ ኣለዎም እዩ ዝበሃል ዘሎ። “ናይ ሎብዘመን ሕጊታት ንሰብኣዊ ሽነኽ ብዙሕ ትዂረት ዝህቦ ዘሎ ኣይመስልን” ትብል ኣብ Kramfors ዝርከብ በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ትሰርሕ Cecilia Borgh። ዕጫ ስድራ ቤት ሻት ኣብ ዓዶም ከቢድ ስምዒት ምፍጣሩ ድማ ገሊጻ። …

Read More »

ፍልስጤማዊ ናብ ዩክሬን ክባረር በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ይውስን።

በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ስድራ ቤት ዓድል ሻት ኣብ ጒዳይ ምብራሮም ምስቲ በዓልመዚ ክተሓጋገዙ እዮም ኢሉ ስለዘይሓስብ ንዓመት ናብ ሸንገን ከይምለሱ እገዳ ኣንቢርሎም ኣሎ። እቲ ጒዳይ ሕርብት ዝበሎ ዓድል ሻት ምስ SVT Vasternorrland ኣብ ዝገበሮ ዕላል ይግባይ ክንብል ኢና ኢሉ’ሎ። ኣብ Resele ዝቕመጥ ቤተሰብ ሻት ንዑቕባ ዝኸውን እኹል ምኽንያት የብሎምን ኢዮም ተባሂሎም። ስለዚ ድማ ክባረሩ እዩ ተወሲንሎም። እንተኾነ ግና ኣፈጻጸማ …

Read More »

“ክሳብ ሽዑ ቆልዑን ወለዲን ምጥርናፍ ኣገዳሲ እዩ። እወ ኣብዚ ጒዳይ ሓሳበይ ቀዪረ እየ። እዚ ምሉእ ብምሉእ ጒዳይ ሰብኣውነት እዩ” stefan löfven መራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትስ

ምጥርናፍ ስድራቤት ናይ ሰብኣዊ መሰል ረቓሒ እዩ ተባሂሉ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን Stefan Löfven ምስ ተሌቪዥን Aktuellt ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ስምምዕ መማረጺ ዳግመ ምቛም መንግስቲ ኣብ ደገፍ ሰልፊ ሲቨርየ ዲሞክራተርና SD ምውዳቕ ማለት እዩ ክብል ገሊጻ። ኣብቲ ቃለመሕትት Löfven ብዛዕባ ኢሚግሬሽንን ጒዳይ ምጥርናፍ ስድራቤታት ተሓቲቱ ነይሩ። ሎሚ ዓመት ክውዳእ ዝግብኦ ግዜያዊ ሕጊ ኢሚግሬሽን ንክልተ ዓመታት ክናዋሕ፥ በዚ ድማ ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮነ …

Read More »

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን 8 ሽሕ ስድራቤታት ናብ ሽወደን ክጥርነፋ እየን ይብል።

ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ሰልፍታት ሽወደን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ምጥርናፍ ስድራቤት ካብ ዝቅጽል ሓምለ ኣትሒዙ ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ድሕሪ ምስምምዖም፣ ብዓል መዚ ኢመግረሽን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ 8000 ስድራቤታት ኣብ ዝቅጽል 3 ዓመታት ክጣራነፋ ምኻነን ሓቢሩ። ምፍልላይ ስድራ ኣዝዩ ሕማቕ ተርእዮ ምዃኑን ምጥርናፍ ንሰድራቤት ናይ ውሕስነት ስምዒቶም ክብ ከም ዘብሎን እውን ተገሊጹ። ምጥርናፍ ስድራቤት ኣርባዕቲአን ሰልፍታት ሽወደን (ማእከላይ፥ ከባብያዊ፥ ሊበራላውን ዴሞክራስያዊ ማሕበርነታዊን …

Read More »

ኣብያተ-ክርስትያናት ሽወደን ምስ ብዓል መዚ ሚግረሽን ቦርድ ተራኺቦም።

ትማሊ ሓሙስ 17 ጥሪ 2019 መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያናት ሽወደን ብዓል መዚ ሚግረሽን ቦርድ ተራኺቦም ብዛዕባ ሃይማኖቶም ዝቕይሩ ሓተትቲ ዑቕባን ምምሕያሽ ምሕደራ መርመራ ዘእትዉዎ ሕቶን ዘትዮም። ኣስማት ንእክብ፡ መግለጺ ነውጽእ ኢና ስለዚ ድማ’ዩ ምዝርራብ የድለየና ኣሎ ንብል ዘሎና። ኲሉ ዝከኣለና ንገብር ኢና። እቲ ዝበለጸ ዝእመነሉ ግና ጸሎት እዩ ይብል ዳይረክተር ጴንጠቆስጠ ዳኒኤል ኣልም። ብተመሳሳሊ ቢሮ ቆንስል ክርስትያናት ምስ ምስ ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን …

Read More »

ፓስፖርት ሽወደን ምውጻእ ንኽልተ መዓልታት ደው ክብል ምኻኑ ተፈሊጡ።

ጥሪ 26ን 27 ፓስፖርት ሽወደን ምውጻእ ንግዚኡ ደው ከም ዝብል ፖሊስ ሽወደን ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቲ ዘሎ ኣገባብ ክሳብ ብሓድሽ ዝትካእ እዩ። ኣብዘን ዝተጠቕሳ ክልተ መዓልታት ዝተወድአ ፓስፖርት ወይ ወረቐት መንነት ምውሳድ ከም ዘይከኣል ፖሊስ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብተን መዓልታት ፓስፖርት ምውጻእ ከም ዘይከኣል ወረቐት መንነቱ ወይ ፓስፖርቱ ዝረስዐ ወይ ዘጥፈአ እንተሎ ኸኣ ክሳብ መወዳእታ እታ ሰሙን ብትዕግስቲ …

Read More »

ኢሚግሬሽን ሽወደን ንልዕሊ 5000 ትሕቲ ዕድመ መንበሪ ፍቃድ ሂቡ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደንን ዌብሳይቱን ልዕሊ 11457 ትሕቲ ዕድመ ንሓድሽ ሕጊ ካልኣይ ደራጃ ብምልዓል ናይ መንበሪ ፍቓድ ሓቲቶም ካብዚኣቶም ከኣ ዛጊት 5000 ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎም ኣሎ ኢሉ። እቲ ክፍሊ ክሳብ ሕጂ 5200 ትሕቲ ዕድመ ሕቶኦም ተቐባልነት ረኺቡሎ ኢሉ። እቲ ክፍሊ ፍርቂ ናይቲ ዝቐረብ ሕቶ ናብተን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኣርባዕተ ኣብያተ ፍርዲ ኢሚግሬሽን ንኽምርመር ከም ዝለኣኾ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ገና …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com