Sunday , April 28 2024

ን ጉዳይ ዜግነት ዝምልከት ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ውጺኢት ክነግር ኢና ይብል ክፍሊ ቦርድ ኢመግረሽን ሽወደን!!

ሕጂ ብዙሓት ንዜግነት የመልክቱ ኣለዉ ተባሂሉ። ቊጽሮም እናበዝሐ ዝመጸ ሰባት ሽወደናዎ ዜግነት ክህልዎም ከም ዝደልዩን መጸበዪ ግዜ ዜግነት ሕጂ ንውሕ ዝበለ ከም ዝኾነን ተፈሊጡ። ኣብዚ ዓመትዚ ቦርድ ማይግሬሽን ሽወደን ካብቲ ልሙድ ብተወሳኺ መርመራታት ምድላዉ ድማ ተሓቢሩ። ኣብዚ ሎሚ ግዜ እቲ ዝነውሐ መጸበዪ ግዜ 30 ኣዋርሕ ኮይኑ ኣጸቢቑ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዝሰልጥ ሕቶታት ዜግነት ምህላዉ’ውን ይፍለጥ።

ብማእከላይ ገምጋም ናይ መጸበዪ እዋን 293 መዓልታት እዩ ክብል ቦርድ ማይግሬሽን ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣስፊሩ’ሎ። እዚ ቅቡል ብዘይምዃኑ እንተደንጐየ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ውጽኢት ክንገሮም ክንገብር ኢና ይብል ዳይረክተር ኮምኒኬሽን ፍረድሪክ በንግስተን ይሕብር። እቲ ጒዳይ ክንድዚ ዝጓተተሉ ምኽንያት ነፍሲ ወከፍ ጒዳይ ብውልቂ ስለዝረአን፥ ገሊኡ ወረቕቕቲ ምሉእ ኮይኑ ስለዘይርከብን እዩ።

ን ዜግነት ዘመክት ሰብ ቅድሚ ነቲ  መሕተቲ ምምልኡ  ኣብቲ ቅጥዕታት እንታይ ከማልእ ከም ዝግባእ ንምርኣይ ናብ መርበብ ሓበሬታና ክውከሱ ከምዘሎም ኣዚ ቦርድ ወሲኹ ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com