Monday , April 29 2024

ኢመግረሽን

በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ዝበዝሑ ግዜያዊ ፍቓድ ዝነበሮም ከናውሑ እዮም ኢሉ!!

በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ዝበዝሑ ግዜያዊ ፍቓድ ዝነበሮም ከናውሑ እዮም ኢሉ!!  ዝበዝሑ ኣብ ቀረባ እዋን ግዜኦም ዝሓልፎም ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ ክሕደሱ እዮም ክብል Magnus Bengstton ኣፍሊጡ ክብል ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሓቢሩ’ሎ። ክሳብ 300 ሽሕ ዝበጽሑ ግዚያዊ ፍቃድ ዝጸንሖም ኣብዚ ዓመት ክናውሑ ትጽቢት ከምዘሎን ካብኣቶም ድማ 14 ሽሕ ሶርያውያን 4200 ኣፍጋንስታውያን ከምእውን ውሑድ ኣሻሓት ቁጽሮም ኤርትራውያን ሶማልን ዒራቕን ይርከብዎም።

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ

ብ online ቆጸራ ምሓዝ ንግዚኡ ደው ከምዘበለ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሓቢሩ። በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ዲጂታላዊ ናይ መወከሲ ብልሓት የዳሉ። ክሳብ መወዳእታ እዛ ዓመት ናብ 30 ሽሕ ዝጽግዑ ሰባት ብ ዲጂታላዊ ናይ መወከሲ ብልሓታት ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪኦም ከናውሑ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታኡ ኣቢሎም ኣመልከትቲ ብቐጥታ ብዲጂታላዊ ኣገባብ ሕቶኦም ዘቕርቡሉ ብልሓት እናዳለወ ይርከብ። ኣብዚ ናይ መሰጋገሪ እዋናት ግና …

Read More »

ውሳኔ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ንስድራቤት ኣፍጋን ይመቅል።

ቦርድ ኢሚግሬሽን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ ንኣቦን ክልተ ደቁን (ሓዲኦም ወዲ ሓሙሽተ ወርሒ ኮይኑ ኣብ ሽወደን እዩ ዝውለድ) ክሰጒግ እንከሎ ንኣደ’ቶም ደቂ ግና ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ ሽወደን ሂቡ’ሎ። ኣደ’ቶም ቆልዑ 20 ዝዕድሜኣ ኣፍጋናዊት ጃቫሄር ረዛይ ብኣዋጅ ላዕለዋይ ትምህርቲ ግዜያዊ መንበሪ ፍቓድ ምርካባ ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን ሽወደን የመልክቱ። እቲ ሕጊ ንገለ መንእሰያት ሓተትቲ ዕቚባ ትምህርቶም ንኽዛዝሙ ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ …

Read More »

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ኣብ ጒዳይ ዕዮ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኡ!!

ሓደ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ግዜያዊ ስራሕ ተዋፊሩ ጸኒሑ ፍቓድ መንበሪ እንድሕሪ ተኸሊኡ ንሽወደን ክለቅቕ ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ 7 ዓመት ንስራሕ ከመልክት እውን ኣይፍቀዶን እዩ። እዚ ማለት እዚ ፍቓድ ስርሑ ምሕዳስ እተኸልኤ ወጻእተኛ ናብ ሽወደን ተመሊሱ ናይ ስራሕ ፍቓድ ከመልክት ብውሕዱ ሰለስተ ዓመታት ክጽበ ኣለዎ ማለት እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ተወከሱ። https://shorten.alkompis.se/8qsk2

Read More »

Swedish News on Tigrigna – ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 21 ግንቦት 2019

Read More »

ብሰሪ ንእሽቶ ምምሕዳራዊ ጌጋ ንሱን ስድራኡን ተባሪሩ።፡

ሓሙሽተ ዝርእሱ ሰራሕተኛ ብሰሪ ዝሰርሖ ንእሽቶ ጌጋ ካብ ሽወደን ክባረር ከም እተኣዘዘ ተፈሊጡ። እዚ Gentian Hoksa ዝስሙ ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብ Småland ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣልባንያዊ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ናይ ስራሕ ውዕሉ ከናውሑሉ ንዘቕረቦ ሕቶ ምንጻጎም ከም ዘሰንበዶ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ንሱን ስድራኡን ብህጹጽ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣፍሊጦሞም ኣለዉ። “እቲ ዘስርሓኒ ኩባንያ ፋይናንሳዊ ጸገም ስለዝነበሮ ናይ ዕረፍተይ ደሞዝ ኣብ ግዚኡ ኣይከፈለንን” ክብል Huxa …

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ

ካብ መርበብ ሓበሬታ በዓል መዚ ኢመግረሽንFamiljeåterförening – tigrinska ስድራኻ ናብ ሽወደን መጺኦም ምስኻ ንኽቕመጡ ዘሎካ ዕድል፤ በቲ ዝተዋህበካ መቐመጢ-ፍቓድን፤ ናይ ዑቕባነት-ደረጃ ዓይነትን ዝተመስረተ እዩ። ምስ ስድራኻ ዳግመ-ምትእኽኻብ ክትገብር እንተ ተፈቒዱልካ፤ እቲ ”ነብስኻ ናይ ምንባይ ጠለብ” (försörjningskrav) ይምልከተካ እዩ። ዋላኳ ንስኻ መቐመጢ-ፍቓድ ረኺብካ እንተዄንካ፤ ስድራቤትካ ናባኻ ናብ ሽወደን መጺኦም ንኽቕመጡ ዘሎዎም ዕድል፤ ርጉጽ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። እንተደኣ ቀዋሚ ዝዀነ መቐመጢ-ፍቓድ ረኺብካ …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንሽወደን ኣጠንቂቑ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ሽወደን ካብ ማዕከን AMIF ሓደ ቢልዮን ክሮነር ከተውጽእ ኣጠንቂቑ’ሎ። እዚ ዝመጸ ሽወደን ካብቲ ዝግባእ ንታሕቲ ገንዘብ ንስደተኛታት ሓተትቲ ዕቚባን ትጥቀም ኣላ ብዝብል እዩ። ብመሰረት ጋዜጣ Dagens Nyheter ኣውሮጳዊ ሕብረት 3 ቢልዮን ክሮነር ንስደተኛታትን ሓተትቲን ዕቚባን ኣብ ሽወደን ንምድጋፍ ወጻኢ ጌሩ’ሎ። ክሳብ ሕጂ ግና ሽወደን ሓደ ሲሶ ናይዚ ገንዘብ (26% ጥራይ) እያ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕል ጌራ ዘላ ይብል …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ንገበን ዳዕሽ ዝምርምር ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐዉም ጻዕርታት የካይድ ።

ሃገረ ሽወደን ነቶም ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዓስኪሮም መዘና ዘይብሉ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ህልቂት ደቂ ሰባትን ዘካየዱ ኣሸበርቲ፣ ጉዳዮም ዝርእይ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ክቐዉም ተበግሶ ብምዉሳድ ሰፊሕ ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ ተፈሊጡ። እቲ መንግስታዊ ተበግሶ ሽወደን ክዓምም መዝነት ዝተዋህቦ ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳንባርይ፣ ኣብዚ ሰሙን ንተበግሶ ሽወደን ንምርዳእን ደገፍ ንምድላይን ናብ ሃገራት ኤዉሮጳ ዑደት ብምግባር፣ ካብ መንግስታት ሆላንድ ፈረንሳን ዓባይ …

Read More »

ኣመሪካ ዜጋታት ካብ ዒራቕ ክወጹ ትጽውዕ።

ዋሽንግተን ነቶም ኣዝዮም ወሰንቲ ዘይበሃሉ ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ካብ ዒራቕ ክምለሱ ጸዊዓ። ምምሕዳር ኣመሪካ ብረቡዕ ግንቦት 15, 2019, ነቶም ኣዝዮም ወሰንቲ ዘይበሃሉ ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ካብ ዒራቕ ክምለሱ ኣዚዙ’ሎ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ባቕዳድ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ምሃብ ቪዛ ንግዚኡ ደው ከም ዘበሎ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ንዜጋታት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ምጒዳል ኣገልግሎት ናይ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎት ክገብረሎም ምዃኑ’ውን ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com