Thursday , May 16 2024

ኢመግረሽን

ኣብ ሜዲተራንያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ተሰዊራ ተባሂሉ።

ሰብኣውያን ውድባት ነዛ ቆልዑን ኣንስትን ዝርከብዎም 23 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ሰኑይ መዓልቲ ክደልዩዋ ምብጋሶም ተገሊጹ’ሎ። ብምኽንያት ኣብ ሊብያ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሰኑይ መዓልቲ ካብዞም ስደተኛታት ናይ ርድኡና መልእኽቲ ከም እተሰምዐ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሰሉስ ንግሆ ሓደ ሰባኣዊ ውድብ እታ ጃልባ ደሃይ ካብ እተጥፍእ 33 ሰዓታት ምግባራ ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ሽወደን ንኽልተ ኣባላት ኣከራኻሪ ሩስያዊ ስነጥበባዊ ጒጅለ ፍቓድ መንበሪ ሂባ።

ቤትፍርዲ ኢሚግሬሽን ሽወደን ንኽልተ ኣባላት ኣከራኻሪ ሩስያዊ ስነጥበባዊ ጒጅለ ብቦርድ ኢሚግሬሽን ድሕሪ ምንጻጎም ፍቓድ መንበሪ ክወሃቡ ምውሳኑ ተፈሊጡ። እዚ ጒጅለ ባህሊ መደበሩ ኣብ ሞስኮ ዝገበረ ናይ ደቀንስትዮ ሙዚቃዊ ባንድ ኮይኑ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገሮም ኣብ ምሕድግ ዝበሉ ከባቢታት ሩስያ ምርኢት ዘቕርቡ ምንባሮም ይብገረሎም። ኣብ ወርሓ ለካቲት 2012 ኣርባዕተ ኣባላት እዚ ጒጅለ ንስርዓት ምሕደራ ፑቲን ዝቃወም ምርኢት ኣብ ቤተክርስትያን መድሃኔኣለም ሞስኮ …

Read More »

ስደተኛታት መሃይማን እዮም ዝበለ ፖከቲከኛ ዓቃባዊ ሰልፊ ካብ ስርሓ ተሰጔጋ።።

ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ዓቃባውያን ኣብ ዮተበሪ Lina Ferm ድሕሪቲ ዝወረዳ ነቐፌታ ካብ ስርሓ ተሰናቢታ’ላ። “እዚ ናይ ትዊተር መልእኽታ ምስ መትከላት ዓቃባዊ ሰልፊ ብፍጹም ዝሳነ ኣይኮነን” ይብል መካየዲ እቲ ሰልፊ ኣብ ዮተበሪ ዴቪድ ጆሰፍሰን። ንሳ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽታ”መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት መሃይማን እዮም…ምስዚኣቶም ምንም ክስራሕ ኣይከኣልን እዩ” ኢላኳ እንተነበረት ነቐፌታ ምስወረዳ ነቲ መልእኽቲ ሓኺኻቶ’ላ። እቲ መልእኽቲ ምጽሓፋ ከም ዘጣዓሳ እኳ እንተገለጸት ስለምንታይ …

Read More »

ዝበዝሑ ሽወደናውያን ካብ ኣውሮፖዊ ሕብረት ወጻኢ ዝመጽእ ሽቕለት ከም ዝመርጹ ተገሊጹ።

ዝበዝሑ ሽወደናውያን ካብ ኣውሮዓዊ ሕብረት ወጻኢ ዝመጽእ ሽቕለት ከም ዝመርጹ ተገሊጹ። እዚ ብ SOM ዩኒቨርሲቲ ዮተበሪ ዝተኻየደ ዳህሳስ እዩ ነዚ ዘረጋገጸ። እቲ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ ኣብ ክሊ 30ታት ዘለዉ ብፍላይ ነዚ ኣዝዮም እወታዊ ክኾኑ ኣንከለዉ ዕድሚኦም ካብ 50 ንላዕሊ ዘለዉ ግና ኣሉታዊ ገምጋም ከም ዘለዎም እዩ ተፈሊጡ። ኣብቲ ትካል ትሰርሕ Elena Lindgren እቲ ምውሳኽ ርእይቶ ብምኽንያት ምልዋጥ ፖለቲካዊ ዛዕባትታ ሽወደን …

Read More »

ጥርዝያ ናብ ሱዳን ደው ይብል።

ምክትል ሓላፊ በዓል መዚ ኢመግረሽን Carl Bexelius ብሰንኪ ምውራድ ኣልበሽርን ስዒቡ ዝመጸ ዘይጭቡጥ ኲነታት እታ ሃገርን ንሱዳን ክስጐጒ ተሓሲቦም ነዝነበሩ ሰባት ንግዚኡ ምውንዛፉ ኣፍሊጡ’ሎ።

Read More »

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ንኤርትራውያን ቪዛ ምሃብ ምቊራጹ ሓቢሩ።

ኤርትራ ካብ ኣመሪካ ንዝስጐጒ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ምምላስ ዕንቅፋት ብምዃና ኤምባሲ ኣመሪካ ንኤርትራውያን ናን ኢሚግሬሽን ቪዛ ምሃብ ምቊራጹ ሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ኣመሪካ ኣስመራ ብመሰረት ድንጋገ ኢሚግሬሽንን ናሽናሊቲን ዓንቀጽ 234(d) ብትእዛዝ ጸሓፊ መንግስቲ ምሃብ ቪዛ ክቋረጽ ከም ዝገበረ ተገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኤርትራ ካብ ሕቡራት ኣመሪካ ናይ ዝምለሱ ተቐመጢ ዜጋታት ኤርትራ ዕንቅፋት ብምዃና እዩ ክብል ደብዳቤ እቲ ቤት ጽሕፈት ቆንስላ …

Read More »

ኢጣልያ: ግብረሽበራውያን ስደተኛታት ተመሲሎም ኣትዮም ኣለዉ ክትብል ገሊጻ።

ግብረሽበራውያን ስደተኛታት ተመሲሎም ኣትዮም ኣለዉ ክትብል ኢጣልያ ገሊጻ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ማትዮ ሳልቫኖ ኣብ ሊብያ ተኸሲቱ ብዘሎ ዕግርግር ግብረሽበራውያን ስደተኛታት ተመሲሎም ብጀላቡ ይመጹ ምህላዎምን ኢጣልያ ወደባታ ክትዓጹ ምዃናን ኣፍሊጣ’ላ። “እስላማውያን ግብረሽበራውያን ንኣውሮጳ ሓደጋ ክኾኑ ኣይኽእሉን እዮም፡ ይኹን’ምበር ጸሊቘም ምእታዎም ፍሉጥ እዩ” ክብል ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ ገሊጹ። መራሒ ሰልፊ ጸረስደተኛታት ሳላፋኒ ኣብ ሊብያ ምሉእ ኲናት እንተተባሪዑ ኢጣልያ ፖሊሲኣ ከመይ ክኸውን …

Read More »

ስደተኛታት ንሽወደን ከም ቤቶም እዮም ዝርእይዋ ተባሂሉ።

ብመሰረት ሓደ ኣብ ጒዳይ ምውህሃድ ስደተኛታት ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝበዝሑ ዘይኣውሮጳውያን ስደተኛታት ካብ ዓዶም ንላዕሊ ኣብ ሽወደን ምህላው ውሕስነት ከም ዝስምዖም ተገሊጹ። እዚ መጽናዕቲ ልዕሊ 6000 ስደተኛታት ሕቶ ኣብ ምምላስ ምስታፎም ተፈሊጡ። ትካል ፍዩቸር ስታዲስ ካብ ዝተፈላለየ ባህልን ልምድን ዝመጹ ዘይኣውሮጳዉያን ስደተኛታት ን ሽወደን ብኸመይ ይርእይዋ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ምስ 6500 ስደተኛታት ናይ ሕቶን መልስን ግዜ ኣዳልዩ ኔሩ። ዋላኳ ኣብ ማዕከናት …

Read More »

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብዝሒ ጥርጡራት ገበነኛታት ኲናት ይውስኽ።

ቦርድ ስደተኛታት ናብ ፖሊስ ዝግበር ጥርዓን ገበነኛታት ኲናት እናዛየደ ምምጽኡ ሓቢሩ። “እዚ ኣብ ሰብመዚ እናሰሰነ ዝመጸ ጥሙሕ ብንጹር ዘርኢ እዩ” ይብል ሓላፊ ጽላት ቦርድ ስደተኛታት ኦስካር ኤክብላድ። ንብዙሓት ዓመታት ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን ጥርጡራት ገበን ኲናት ንምልቃም ምስ ፖሊስ ብጥቡቕ ክተሓባበር ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ ክብል ቦርድ ስደተኛታት ይሕብር። ኣብ 2016 ሰብመዚ ኣብዚ ጒዳይ ዝጸንሖም ምትሕግጋዝ ብዝያዳ ንምዕማቚ ክሰርሑ ጸኒሖም ኣለዉ። ናይ …

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 01 ሚያዚያ 2019

ገለ ካብ ትሕዝቶ ናይ ሎሚ ዜናታት፣- 1. ፍሉይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ዉሕሃ ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቕ ወሲኽካ ዝተኣሰሩ ብዙሓት እሱራት ንሃለዋቶም ሓበሬታ ከምዝስኣነ ገሊጹ። 2. ዴንማርክ ዜግነት እቶም ኣብ ግብረ ሽበራ ዝተሳተፉ ሰባትን እንኮላይ ዝወለድዎም ቆልዑን ክትሓክኽ እያ። መደባትናን ብሰፊሕ ሓበሬታን ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com