Saturday , April 27 2024
Owe Nilsson / TT- Moderaternas facebooksida

ስደተኛታት መሃይማን እዮም ዝበለ ፖከቲከኛ ዓቃባዊ ሰልፊ ካብ ስርሓ ተሰጔጋ።።

ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ዓቃባውያን ኣብ ዮተበሪ Lina Ferm ድሕሪቲ ዝወረዳ ነቐፌታ ካብ ስርሓ ተሰናቢታ’ላ።

“እዚ ናይ ትዊተር መልእኽታ ምስ መትከላት ዓቃባዊ ሰልፊ ብፍጹም ዝሳነ ኣይኮነን” ይብል መካየዲ እቲ ሰልፊ ኣብ ዮተበሪ ዴቪድ ጆሰፍሰን።

ንሳ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽታ”መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት መሃይማን እዮም…ምስዚኣቶም ምንም ክስራሕ ኣይከኣልን እዩ” ኢላኳ እንተነበረት ነቐፌታ ምስወረዳ ነቲ መልእኽቲ ሓኺኻቶ’ላ።

እቲ መልእኽቲ ምጽሓፋ ከም ዘጣዓሳ እኳ እንተገለጸት ስለምንታይ ጽሒፋቶ ግና መብርሂ ክትህብ ኣይደለየትን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com