Friday , April 26 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብዝሒ ጥርጡራት ገበነኛታት ኲናት ይውስኽ።

ቦርድ ስደተኛታት ናብ ፖሊስ ዝግበር ጥርዓን ገበነኛታት ኲናት እናዛየደ ምምጽኡ ሓቢሩ።

“እዚ ኣብ ሰብመዚ እናሰሰነ ዝመጸ ጥሙሕ ብንጹር ዘርኢ እዩ” ይብል ሓላፊ ጽላት ቦርድ ስደተኛታት ኦስካር ኤክብላድ።

ንብዙሓት ዓመታት ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን ጥርጡራት ገበን ኲናት ንምልቃም ምስ ፖሊስ ብጥቡቕ ክተሓባበር ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ ክብል ቦርድ ስደተኛታት ይሕብር።

ኣብ 2016 ሰብመዚ ኣብዚ ጒዳይ ዝጸንሖም ምትሕግጋዝ ብዝያዳ ንምዕማቚ ክሰርሑ ጸኒሖም ኣለዉ። ናይ ሓባር ስልጠናታት እውን ክካየዱ ተራእዮም እዮም።

ቦርድ ስደተኛታት ካብ 2016 ኣትሒዙ ኣብዚ ዓውዲ ክኢላታት ከሰልጥን ምጽንሑን ናይዞም ሰብሞያ ቊጽሪ ካብ 15 ናብ 40 ክብ ምባሉን ናይዚ ኣብነት እዩ።

እዞም ሰብሞያ ኣብ መርመራ ብገበን ኲናት እተጠርጠሩ ሰባት ዝዋፈሩ ኮይኖም ናብ ኩሉ ጽፍሕታት እቲ በዓል መዚ ኣፍልጦ ክባጻሕ ዝገብሩን እዮም።

ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ቦርድ ስደተኛታት 135 ምስ ገበን ኣንጻር ወዲኣዳምን ገበን ኲናትን እተተሓሓዙ ጥርዓናት ናብ ፖሊስ ጸብጻብ ምቕራቡ ይፍለጥ።

እዚ ምስቲ ኣብ 2016 ከምኡ’ውን 2017 ዝነበረ ቊጽሪ ( ሽዑ 42 ን 52 ጥራይ እዩ ኔሩ) ኣዝዩ ዓቢ ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ።

እዚ ንሓተቲ ዕቚባ ፍቓድ መንበሪን እውን ዘጠቓልል ኮይኑ እዚ ሰብ ምስ ሬሳ ተሳኢሉ እንተኔሩ ወይ ኣብ ገበናዊ ውድብ ኣባል እንተኔሩ ኣብዚ ዝርዝር ክኣቱ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ ዓመታት ብዝሒ ናይ ጥርጡራት ገበነኛታት ኲናት ኤርትራውያንውን እንዳወሰኸ ከምዝኸይድ ዘሎን ምኽን ያቱ ድማ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ኣብ ግፋ ዝተሳተፉን ኣብ ምክትታል ዶባትን ፖሊስ ኮይኖም ዘገልገሉን ኣብ ዝተፈጸሙ ገበናት ተራ ኔርኩም ብዝብል ምኻኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com