Friday , April 26 2024

ውሳኔ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ንስድራቤት ኣፍጋን ይመቅል።

ቦርድ ኢሚግሬሽን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ ንኣቦን ክልተ ደቁን (ሓዲኦም ወዲ ሓሙሽተ ወርሒ ኮይኑ ኣብ ሽወደን እዩ ዝውለድ) ክሰጒግ እንከሎ ንኣደ’ቶም ደቂ ግና ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ ሽወደን ሂቡ’ሎ።

ኣደ’ቶም ቆልዑ 20 ዝዕድሜኣ ኣፍጋናዊት ጃቫሄር ረዛይ ብኣዋጅ ላዕለዋይ ትምህርቲ ግዜያዊ መንበሪ ፍቓድ ምርካባ ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን ሽወደን የመልክቱ።

እቲ ሕጊ ንገለ መንእሰያት ሓተትቲ ዕቚባ ትምህርቶም ንኽዛዝሙ ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ ከም ዘውህቦም ይፍለጥ።

በዓልቤታን ክልተ ውሉዶምን ግና ናብታ ዘይፈልጥዋ ሃገር ኣፍጋን ክስጐጉ እዩ ተወሲኑ። እታ ኣደ ኣብ Lisipo ደቡባዊ ሽወደን እያ ትቕመጥ።

ካብ ዓዳ ኣፍጋኒስታን ካብ ግዱድ መርዓ ሃዲማ ናብ ኢራን ምእታዋን ኣብኡ ድማ ነዚ ናይ ሕጂ በዓልቤታ ምርካባን ናብ ውላድ ምብጽሖምን ድማ ትገልጽ።

“ሽወደን ዕቚባን ዕረፍቲን ክትኮነና ተመኒና ኔርና” ክትብል ንጋዜጣ ኤክስፕረስ ገሊጻ።

“ደቀይ ክስጐጒ እዮም ኢለ እሓስብ ኣይነበርኩን፡ ኣዝየ እየ ጒህየ ዘለኹ” ኢላ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘለዉ ስድራይ ኣበይ ምህላወይ ኣይፈልጡን እዮም።

ንዓደይ እንተተመሊሰ እንታይ ከም ዘጓንፈኒ እውን ዝፈልጦ የብለይን።

ኣብ ከቢድ ፍርሂ እየ ዘለኹ፥ ዝምለስ’ውን ኣይመስለንን” ክትብል ሓዘና ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com