Sunday , April 28 2024

ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ምፍርራህ ይወርድ ምህላዉ ተሓቢሩ!!

ኣብ ልዕሊ በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ዝተገብረ ምንካይ ባጀት ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ክብድ ዝበለ ጸቕጢ ስራሕ ምፍጣሩን ንዝተፈላለየ ምፍርራህን ታህዲድን ከም ዝሸመሞም ተፈሊጡ። “ናብዚ ክፍሊ ኣሽሓት ጻውዒታት መዓልታዊ እዮም ዝመጹ፡ እዚ ድማ ነቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ይሸሞም ኣሎ”ይብል መማዪ ኣገባብ ስራሕ ፍራንቺስኮ ካራዛና።

መብዛሕትኦም ካብቶም ጻውዒታት ናብ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ሕቶ ዘቕረቡን መልሲ ዝደንጐዮምን ሰባት እዮም ዘቕርብዎም። ካብዚኦቶም ገሊኦም ናይ ሞት ምፍርራህ ከም ዝኾኑ ድማ ሓቢሩ። ድሕሪ ምንካይ ባጀት በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ቊጽሪ ሰራሕተኛታቱ ካብ ሚእቲ ናብ ሰማንያ ምጒዳሉ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 24 ሽሕ ጻውዒታት ዘልዕሎ ከም ዘይረኽበ ከኣ ተመልኪቱ’ሎ፡ ገና ኣብ ትጽቢት ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ኣዝዩ ከቢድ ብስጭት ከም ዘለዎም ድማ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com