Thursday , May 2 2024

ኢመግረሽን

News Magazine ዜና መጽሄት 8 ግንቦት 2020

ፈተና ምዝዋር መኪና ብትግርኛ – ምንዋሕ ዳግመ ምሕታት ዑቕባ ኣብ ሽወደን #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja

Read More »

ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝወረደ ተሓቢሩ።

ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ሽወደን ካብ ወርሓ መጋቢት ንደሓር ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ኣመና ምጒዳሉን በዚ ድማ እቲ ናይ መገሻ እገዳ እንተቐጺሉ ሕቶ ዕቚባ ናብ 10 ሽሕ ጥራይ ክድረት ከም ዝኽእል ገሊጹ። “እቲ ትጽቢታት ገና ኣይተረጋገጸን” ዝበለ ዳይረክተር ውጥን ሄንሪክ ሆልማን ” እዚ ለበዳ ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳ ሕቶ ክሳብ መኣስ ይጸንሕ ኣብ ዝብል ዝምርኰስ እዩ” ክብል ወሲኹ ኣብሪሁ። ሕቶ ዕቚባ …

Read More »

ናይ ዕቚባ ሕቶኦም እተነጽገ ሰባት ዳግማይ ከመልክቱ ዓሰርተ ዓመት ዘጸብይ እማመ ይቐርብ።

ኮሚተ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ባይቶ ሽወደን ናይ ዕቚባ ሕቶኦም ምሉእ ብምሉእ እተነጽገ ሰባት ኣብ ክንዲ በቲ ዝጸንሐ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ገደብ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ዳግማይ ከመልክቱ ንዝብል እማመ የጽንዖ ምህላዉ ሬድዮ ኤኮት ሓቢራ። እታ ኮሚተ ኣብ እኩባት እማመታት ንምዝታይ ምስ ወከልቲ ባይቶ ክትራኸብ ምዃና እውን ተገሊጹ’ሎ። ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራትን ሰልፊ ሞደራትን ጽንክር ዝበለ ሕጊ ክወጽእ ኣለዎ ኣብ ዝብል መርገጺ ምጽንዖምን ሊበራላውያን …

Read More »

ምስፍሕፋሕ ኮቪድ 19 ኣብ መዓስከር ሓተቲ ዑቕባ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ።

ኣብ መዕቆቢ ሓተቲ ዑቕባ ማዓስከራት ለበዳ ኮቪድ 19 ኣሻቓሊ ኮይኑ ከምዘሎ ኣገልግሎ ዜና ኤኮት ጸብጺቡ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ዳርጋ ኣብቲ ብባዓል መዚ ኢመግራሽን ዝእለይ ካምፕ ወይ ዉን ሓባራዊ መንበሪ ስደተኛታት፣ ብሰንኪ ጽበትን ሕጽረት ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ናዉቲ መከላኸልን፣ ንምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ዝተቓልዐ ብምዃኑ፣ እቲ ሻቕሎት እንዳዓበየ ምምጽኡ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ባዓል መዚ ኢመግረሽን ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዝተፈጥረ ዓለማዊ ኩነታት ጉዳዮም ዝተነጸጉ ካብ …

Read More »

16 ስደተኛታት ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ይገብሩ።

ካብ ሽወደን ንሃገሮም ንኽባረሩ ዝተወሰነሎም ኣብ ፍሌን (Flen) ዝተባህለ ቦታ ዝርከቡ 16 ስደተኛታት ሎሚ ናይ መግቢ ምሕራም ተቛውሞ ከምዝጀምር ተፈሊጡ። ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ኣብ ግዜ ለበዳ ቫይረስ ምውሳድ በቲ ቫይረስ ከይጥቅዑ ስግኣታት ዝፈጥር ምዃኑን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ማሽታ፡ ስቶክሆልም፡ ንኽባረር ዝጽበ ዝነበረ ሓደ ስደተኛ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ሂወቱ ከምዝሰኣነን ዝዝከር እዩ። ኣብ ግዜያት በዓል ፋሲካ ኣብ ሎንግብሂድ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ …

Read More »

ቤትጽሕፈት ኢመግረሽን ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ናይ ዕቝባ ሕቶታት የሳልጥ።

ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሽወደን ዝመጹ ደለይቲ ዕቝባ ከምዚጎደለ ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ይሕበር። በዚ መስረት ሰረሕተኛታት እዚ ትካል ኣብ ንጥፈታቶም ብዙሕ ጸቕጢ ብዘይምህላዎም ስርሖም ብጽፈት ኣብ ምኽያድ ከምዝርከቡ ይገልጽ። ከምተወሳኪ እውን  ሰራሕተኛታቱ ንኻልኦት ጸቕጢ ዘለወን ትካላት ንምሕጋዝን ንምፉኻስን ድልዋት ከምዘለዉ ይሕብር። ከም  ልሙድ  እዚ ቤት ጽሕፈት ስሙናዊ ካብ 400 ክሳዕ 450 ናይ ዕቝባ ሕቶታት ዕቑባ ይቕበል ምንባሩን ሓላፊ እዚ …

Read More »

በዓል መዚ ኢመግረሽን ንዝርጋሐ ኮሮና ዝቕይድ ስጉምቲ ይእውጅ።

ቤትጽሕፈት ኢመግረሽን ነቶም ኣብ ስግኣት ዓንኬል ዚርከቡ (ሽማግለታትን ሕዱር ሕማም ዘለዎምን) ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ፍሉይ ገዛ ከቐምጦም መዲቡ ኣሎ፡ ነዚ ስጉምቲ ዚወስዶ ዘሎ ድማ ኣብቶም ጠየቕቲ ዑቕባ ዝርጋሐ ኮሮና ንምዕጋት እዩ። በዚ ሓበሬታ መስረት ኣስታት 15 ሽሕ ኣብ ናይ ኢመግረሽን ገዛውቲ ኪቕመጡ ከለዉ፡ 21 ሽሕ ድማ ኣብ ናውልቖም ይነብሩ ከምዘለዎ ይሕበር።   የን ሶርማን፡ ሓላፊ ገዛውቲ ሚግረሽን፡ እቲ ምምሕዳር ብዚከኣል …

Read More »

ሽወደን፡ ቫይረስ ኮሮና ንመስርሕ ግዴታዊ ምስጓግ ስደተኛታት ደው የብሎ።

ፖሊስ ሽወደን ነቶም ሕቶ ዑቕበኦም ዝተንጽገ እሞ ንግዴታዊ ምስጓግ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ ስደተኛታት ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው ከምዝለቐቖም ሎሚ ቀዳም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። “እዚ ጉዳይ’ዚ ንገዛእ ርእሱ ሽግር’ዩ” ክብል ሓላፊ ፖሊስ ሽወደን ሓላፊ ፖሊስ ምክትታል ዶባት (NOA)፡ ፓትሪክ ኢንግስትሮም፡ ገሊጽዎ። ንጥፈታት ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ከምተሃስየን፡ እቶም መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ስደተኛታት እሞ ኣብ ደገ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ 03 ሚያዚያ 2020 Tig News 03 April 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ኣርእስታት ዜና፡ 1. ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ተጠቃዕቲ ለቨዳ ኮሮና ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ምብጽሑ ተሓቢሩ። 2. ከተማ ስቶክሆልም ዉዕል ቅልዉላዉ ንህጹጽ ኩነታት ክትጥቀም ጀሚራ። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ።

Read More »

Swedish News in tigrigna – ዜና ሽወደን ብትግርኛ 30 መጋቢት 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ኣርእስታት ዜና፡ 1. ኣብ ሽወደን ግዚያዉያን ሰራሕተኛታት ብብዝሒ ስራሕ ይረኽቡ ከምዘሎዉ ተፈሊጡ። 2. 6500 ወለንተኛታት ሰብ ሞያ ሕክምና ንዘሎ ሕጽረት ሰብ ሕክምና ክሕግዙ ከምዝተመዝገቡ ተሓቢሩ። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com