Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

55 ሽሕ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና፡ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ መዓልታት ኣድማ ክገብሩ ተኽእሎታት ኣሎ

ብሕታውያን ኩባንያታት ክንክን ጥዕና፡ ነቲ ብማሕበር ሰራሕተኛታት ዝቐረበ ጠለብ ምውሳኽ ደሞዝ ኣወንታዊ መልሲ እንተዘይሂበናሉ፡ ኣብ ዝቕጽል 10 መዓልታት፡ 55 ሽሕ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ኣድማ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ማሕበር ሰራሕተኛታት ሓቢሩ። ነዚ ጉዳይ፡ ተገዲድና ኢና ንፍጽሞ ዘሎና ክብል ፕረሲደንት ፈደሬሽን ቶቢያስ ቦውደን ምሕባሩ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣቃሊሑ። ኣብ መንጎ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ማሕበር ብሕታውያን ኩባንያታት ክንክን ጥዕና ኣልሜጋ (Almega) ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ከም …

Read More »

ንውሱናት ኣብ ኖርወይ ዝቕመጡ ጉጅለታት ዝምልከት ቅጥዕታት ብዛዕባ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝምልከት

ኣብ ኖርወይ ዝቕመጡ ውሱናት ጉጅለታት፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንኽረኽቡ ዘድልዮም ቅጥዒ፡ ኣብ ኖርወይ ሓሙሽተ ዓመታት ክቕመጡ ከምዝግባእ ስቶርቲንግ ብወግዒ ወሲኑ። እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቅጥዒ ከማልኡ ዝግበኦም ጉጅለታት፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡ ብምኽንያት ዑቕባ፡ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦምብምኽንያት ብርቱዕ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ሃገር ክጸንሑ ዝተፈቕደሎምምስዞም ክልተ ጉጅለታት ናይ ስድራቤት ጉዳይ ኢሚግሬሽን ዘለዎም እዞም ዝተገብሩ ለውጢታት ካብ 1 ታሕሳስ 2020 ጀሚሮም ኣብ …

Read More »

ኣብ ኖርወይ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት፡ እቶም ዝደሓኑ ሰባት መን ይሓግዞም?!

ብረቡዕ ወጋሕታ፡ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ንግሆ፡ ኣብ ኖርወይ፡ ምምሕዳር ያርድሩም (Gjerdrum) ዝርከብ ኣስክ (Ask) ዝተባህለ ከባቢ፡ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት፡ ዝደሓኑ ንምርካብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ቀጻሊ ምህላዉ ተፈሊጡ። ክሳብ ሕጂ፡ ዓሰርተ ዝኾኑ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሰለስተ ግን ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ስለዘይተፈልጠ ኣብ መስርሕ ምድላይ ይርከቡ። ኣብቲ እዋን ሓደጋ፡ ካብ ገዝኡ ዝተመዛበለ፡ ኢቪንድ ዶሊን፡ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ፡ ሰባት ምሟቶም ዘስካሕክሕ …

Read More »

ሃገራዊ መዝሙር ኣውስትራልያ ምምሕያሽ ተጌርሉ።

ሃገራዊ መዝሙር ኣውስትራልያ ዝያዳ ሓቛፊ ብዝኾነ መንገዲ ምምሕያሽ ከምዝተገብሮ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ተሓቢሩ። ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ “ንሕና ሓደሽቲ ንሕና ነጻ” ዝብል ዝነበረ ነቶም ንኣሽሓት ዓመታት ኣብቲ ሃገር ዝነበሩ ሰባት ስለዘየጠቃልል ብ”ንሕና ስሙራት ንሕና ነጻ” ብዝብል ከምተቀየረን እዚ ኸኣ ወላ እካ ከም ዘመናዊት ሃገር ኣውስትራልያ ሓዳስ ሃገር እንተኾነት ታሪኽ ሃገር ኣውስትራልያ  ግን ንኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ምኻኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት …

Read More »

ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ 2021 371 504 ህጻናት ተወሊዶም ክብል ዪኒሴፍ ሓቢሩ።

ኣብ ሒዝናያ ዘለና ዓመተ 2021 ቀዳማይ መዓልቲ ጥራሕ 371 504 ህጻናት ከምዝተወለዱ ዓለምለኻዊ ውድብ ዮኒሴፍ ኣፍሊጡ። እዚ ቁጽሪ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተመዝገበ ቁጽሪ 20,000 ቀኒሱ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።  ኣብ ስዊድንውን ብተመሳሳሊ ሎሚ መዓልቲ 300 ህጻናት ከምዝተወልዱ ተፈሊጡ። ዪኒሴፍ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ  ዝውለዱ ህጻናት ብመንጽር ዝተወለዱሉ ሃገራት ኣብ ዓለም ናይ ዝጸንሕሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ግዝየ ከነጻጽር ከሎ ሓደ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪባብሊክ …

Read More »

ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ዝተተኮሱ ሪቺት ሽግር ይፈጥሩ።

ዓመት ንምቕባል  ኣብ ዝተገብረ ናይ ሪቺት ምትኳስ ኣብ ዝተፈለለዩ ክፋል ሽወደን ሽግር ከምዝተፈጥረ ወሃቢት ቃል ፖሊስ ኣብ ደቡብ ስዊድን ዝኾነት ኢቫሊና ኦልሶን ገሊጻ። ክሳብ ሰዓት ሓደ ወጋሕታ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራሕ ፖሊስ ደቡብ ሽወደን ጥራሕ ምስ ሪቺት ብዝተእሳሰር ምኽንያት ጥራሕ ናይ ቲለፎን ጻውዒት ከምዝተቀበሉ ሓቢራ። እዚ ቁጽሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብሚእቲ ከምዝወሰኸ ሓቢራ። ኣብ ማልሞ ንዝተገብረ ጻውዒት ዕሽሽ ብምባል ከምቲ …

Read More »

ሰላም ከመይ ሓዲርኩም ክቡራት ተኸታተልትና

ዓመተ 2020 ብዙሕ ዘሕዝኑን ዘሐጉሱን ፍጻመታት ኣብ ዝባና ጼራ ክትፋነወና ሰዓታት ተሪፍዋ ኣሎ። ምድላዋት ኣልኮምፒስ ትግርኛ ነበር ሃርሞኒ ሚድያ ብዝብል ብሓድሽ መልክዕን ስምን ዝሰፈሐ ሸፈነ ብምግባር ናብ ዓመተ 2021 ንሰጋገር ኣለናዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ክኾነልኮም እንዳተተምነና ኣብ ዝቅጽል መደባትና ከነቅርቦ ትደልዩ ሓሳባት ከተካፍሉና ንዕድም።

Read More »

ኣብ ተንስታ ስቶክሆልም ብቶክሲ ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ ክልተ ቆሲሎም

ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆም ትርከብ ተንስታ ሎሚ ኣብ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ብመንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ዝተከፍተ ቶክሲ ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ ካልእ ክለተ ሰባት ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቒቦም ከምዘለዉ  ፖሊስ ከተማ ስቶክሆልም ኣፍሊጡ። ብመስረት ሓበሬታ ፖሊስ ናይ ሓደጋ ደዊል ልክዕ ሰዓት 21፡46 ኣብ ዝበጽሖም  ኣብ ከባቢ ተንስታ ሰንትሩም ክልተ ሰባት ብጥይት ዝቆሰሉ ክረኽቡ ከለው እቲ ሳልሳይ ግን ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብ …

Read More »

ክብረ ወሰን ፔሌ ኣይተሰብረን ትሙጉት ብራዚላዊት ክለብ ሳንቶስ

ብራዚላዊት ክለብ ሳንቶስ ኣብዚ ሓለፈ ሰሙን ብ ኣርጀንቲናዊ ለዮነል መሲ ብ 644 ዝተስብረ ብዝሒ ሸቶታት ኣብ ሓንቲ ክለብ ዝብል መጎተ ፍጹም ከምዝይተቅበሎ ተፍልጥ። ብመስረት ሓበሬታ እዛ ክለብ ፔሌ ዘቑጸሮም ብዝሒ ሸቶታት እዛ ክለብ 1,091 ሙኻኑን መሲ ነዚ ሪከርድ ንምስባር ተወሳኺ 448 ሸቶታ ከምዝተርፎ ትገልጽ። እዛ ክለብ ብምውሳኽ ፔሌ ኣብ ግዜ ውድድር ብዝሒ ሸቶታት ዘቑጸሮም 448 ሙኻኖምን ተወሳኺ ኣብ ናይ ምሕዝነት …

Read More »

ህዝባዊ መጎዓዓዝያ ከተማ ስቶክሆልም (SL) ወስክ ዋጋ ከምዝገብረ ሓቢሩ

ህዝባዊ መጎዓዓዝያ ከተማ ስቶክሆልም ማለት ኩባንያ SL ኣብ ስቶክሆልምን ከባብን ዝንቀስቀሳ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ባቡራት፣ ጀላቡን ኣውቶብሳትን ካብ 5 ጥሪ ጀሚሩ ብ 2.2 ሚእታዊት ወስክ ታሪፍ ምግባሩ ሓቢሩ። በዚ መስረት ካብ ዕለት 5 ጥሪ ጀሚሩ ወርሓዊ ካርድ 950 ክሮነር፣ ወርሓዊ ካርድ ጥሮተኛታት፣ ተምሃሮን መንእሰያትን ድማ 640 ክሮነር ክኸውን ከሎ 38 ክሮነር ድማ ዋጋ ሓደ ጉዕዞ ሙኻኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com