Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

መንግስቲ ሽወደን ኣንጻር ግብረሽበራ ሓድሽ ስትራተጂ ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ሽወደን ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ዋዕላ ጸጥታ ፎልክ ኦች ፎርስቫር ኣንጻር ግብረሽበራን ጥሩፋት ጒጅለታትን ሓድሽ ስትራተጂ ኣቕሪቡ። ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዝፍጸም ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣታት እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ፡ ንምክልኻል ሽወደን ሓላፍነት ዝተዋህቦም ሰበስልጣን መንግስቲ ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተላዕለ ህሉው ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ፡ ንዝተወሰነ እዋን ከም ዘይተቐየረ ክጸንሕ ተኽእሎታት ምህላዉ ሓላፊ ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ ሓቢሩ’ሎ።

Read More »

ሽቕለት ኣልቦነትን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 72,500 ሰባት ስራሕ ክስእኑ ከምዝኽእሉ ምልክታ ተዋሂብዎም ምንባሩ እዚ ድማ ነተን ዓመታት ለበዳ ኣውጺእካ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት እተራእየ ዝለዓለ ቁጽሪ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ባእታታት ክሃሲ ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ህዝባዊ ስራሕ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

Read More »

ልዕሊ 30 ትካላት ሕክምና ኣስናን ካብ ሃገራዊ ድጎማ ስኒ ተኣጊዶም

ልዕሊ 30 ኩባንያታት ክንክን ስኒ ካብ 2019 ጀሚረን ካብቲ ንድጎማ ክንክን ስኒ ተባሂሉ እተሰርዐ መደብ ከይሳተፋ ተኣጊደን ኣለዋ። ኣብ ቀረባ እዋን ብመንግስቲ ዝተገብረ መርመራ፡ ምትላል ከይፍጸም፡ ነቲ ኣብቲ ውጥን ዘሎ ምቁጽጻር ከኣ ክተርር ሓሳብ ኣቕሪቡ’ሎ። “እዚ ገንዘብ ካብ ግብሪ ዜጋታት ዝተረኽበ እዩ፣ ናብቲ ዝግብኦ ሰብ ድማ ክኸይድ ኣለዎ” ክብል ኣብ ትካል ማሕበራዊ መድሕን ጆኣኪም ራደስቶም ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

Read More »

ሽወደናዊ ኣብ ዒራቕ ብጥይት ተቐቲሉ

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ባቕዳድ ሓደ ሽወደናዊ ዜጋ ብጥይት ከምዝተቐትለ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ዒራቕ ኣብ ውሽጢ ኣገልግሎት ጸጥታ ንዝርከቡ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢረን። ምስዚ ቅትለት ብዝተኣሳሰር ሓደ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ጥርጡር ንባዕሉ ሽወደናዊ ዜጋ ኮይኑ፥ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ክኢላ ለበዳ “መጠን Covid-19 እናነከየ ይኸይድ ኣሎ”

ኣብ መወዳእታ ሰሙን 2023 ቊጽሪ ናይቶም ብኮቪድ-19 ዝተታሑ ሰባት ከምዝነከዩ ካብ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዝተረኸበ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። “ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ብተዛማዲ ገና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ እኳ እንተሃለወ፥ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል” ክብል ክኢላ ለበዳን ተጸዋዒ መንግስቲን ማግኑስ ጊስሊየን ይገልጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ዝያዳ ሰባት ብሕማም ጉንፋዕ ከይተሓዙ ዓቢ ስግኣት ከም ዘሎ ማግኑስ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

Read More »

ኣብ ሽወደን ኣብ እዋን ክረምቲ መኪናኻ ክትውር እንታይ ምድላው የድልየካ?

ኣብ ዞባ ኖርዲክ ንኻልኣይ መዓልቲ ብተኸታታሊ ዛሕሊ ትሕቲ 40ºC ብምውራዱ፡ ኣብ ሽወደን ኣብዚ ወርሒ ን 25 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ መጠን ዛሕሊ ተባሂሉ ክብረወሰን ሒዙ፡፡ ኣብ ላፕላንድ ሽወደን ኣብ እትርከብ ክቪክጆክ-ኣረንጃርካ፡ ዛሕሊ ነጋቲቭ 43.6 ºC ወሪዱ’ሎ። እዚ ድማ ድሕሪ 1999 ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብታ ሃገር ተራእየ ዝዘሓለ ኣሃዝ ምዃኑ ማዕከን ዜና ቲቲ ሽወደን ሓቢራ። ብኻልእ መዳይ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን …

Read More »

ወለዲ ሰኣን ሓበሬታ ንደቆም ናብ ትምህርቲ ቅድመ ምድላው ይልእኩ አይምህላዎም ኣተሓሳሲቦም

ኩለን ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ካብ ሓጋይ 2023 ጀሚረን ህጻናት ናብ ቅድመ ትምህርቲ ንምምዝጋብ ብንጥፈት ክሰርሓ ሕጋዊ ግዴታ እኳ እንተለወን፥ ንገለ ወለዲ ምብጻሕ ከም ዘይተኻእለ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ኣብ ስቶክሆልም፡ ካብቶም ኣብ ዮተቦሪን ማልሞን ዝሰፈሩ ስድራቤታት ውሉዶም ናብ ቅድመ ትምህርቲ ኣመዝጊቦም አለዉ እቶም 15% ጥራይ እዮም። ገለ ወለዲ–ብፍላይ ድማ እቶም ናብ ሽወደን ካብ ዝመጹ ገና ብዙሕ ዘይገበሩ–እንታይ ክገብሩ ከም …

Read More »

ኣብ ከተማ ዮንሾፒንግ ፖሊስ ብኸቢድ ቆሲሉ።

ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ከተማ ዮንሾፒንግ ሓደ ፖሊስ ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ብኸቢድ ቆሲሉ። እቲ በዓልመዚ ፖሊስ ንሓደ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እናእተወ እዩ በቲ ሰብ ናይ ስሕለት መጥቃዕቲ ወሪድዎ። እቲ በዓልመዚ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ናብ ሞት ከቃልዕ ዝኽእል ምዃኑን ናብ ሆስፒታል ከም እተወስደን ተሓቢሩ’ሎ። እቲ ጥርጡር ብድሕሪኡ ንኻልእ ኣባል ፖሊስ ከጥቅዕ እናፈተነ ብጥይት ተሃሪሙ ብኸቢድ ከም ዝቖሰለን ኣብ ሆስፒታል …

Read More »

ምሕረት ውነና ዘይሕጋዊ ብረት ክግበር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ብዝሒ ዘይሕጋዊ ብረታት ንምንካይ፡ መንግስቲ ሽወደን ብረታት ብፍቓዶም ንዘረክቡ ሰባት ኣብ ውሽጢ 2024 ሓድሽ ናይ ግዜ ገደብ ከቐምጠሎም ካብ ሓያሎ ውድባት ጸቕጢ ይግበረሉ’ሎ። “እዚ ንኹሉ ንሓዞ ዝዓይነቱ ኣገባብ መፍትሒ ክኸውን እዩ ብል እምነት የብለይን፣ ምናልባት ግና ሓደ ካብ ክውሰዱ ዝኽእሉ ብዙሓት ስጉምትታት እዩ” ክብል ኣፈኛ ጒዳያት ፍትሒ ሓምላይ ሰልፊ ራስሙስ ሊንግ ንሬድዮ ኒውስ ሽወደን ገሊጹ። ኣብ ሽወደን …

Read More »

ኣብ ደቡብ ዮተቦሪ ሞልንዳል ምፍንጃር ተኸሲቱ

ካብ ከተማ ዮተቦሪ ንደቡብ ኣብ እትርከብ ሞልንዳል ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ፍንጀራ ኣጋጢሙ። በቲ ፍንጀራ ዝኾነ ሰብ ኣይተጎድአን፡፡ እንተኾነ ግና እቲ ነውጺ ኣዝዩ ከቢድ ብምንባሩ፡ ገለ ክፋል ናይቲ ህንጻ ክፈርስ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ኣብዚ ከባቢ ሓያሎ ሕማቕ ነገራት ተኸሲቶም ኣለዉ…ድሕሪ ሕጂ ኣብዚ ክነብር ኣይደልን እየ” ክትብል ካብቲ ቦታ ከም እትግዕዝ ተገብረት ተቐማጢት ጀኒ ራይደል ንሬድዮ ሽወደን ናይቲ ከባቢ ቻነል P4 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com