Wednesday , May 8 2024

ሃገራዊ ዜና

ኣብ ከተማ ዮንሾፒንግ ፖሊስ ብኸቢድ ቆሲሉ።

ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ከተማ ዮንሾፒንግ ሓደ ፖሊስ ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ብኸቢድ ቆሲሉ። እቲ በዓልመዚ ፖሊስ ንሓደ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እናእተወ እዩ በቲ ሰብ ናይ ስሕለት መጥቃዕቲ ወሪድዎ። እቲ በዓልመዚ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ናብ ሞት ከቃልዕ ዝኽእል ምዃኑን ናብ ሆስፒታል ከም እተወስደን ተሓቢሩ’ሎ። እቲ ጥርጡር ብድሕሪኡ ንኻልእ ኣባል ፖሊስ ከጥቅዕ እናፈተነ ብጥይት ተሃሪሙ ብኸቢድ ከም ዝቖሰለን ኣብ ሆስፒታል …

Read More »

ምሕረት ውነና ዘይሕጋዊ ብረት ክግበር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ብዝሒ ዘይሕጋዊ ብረታት ንምንካይ፡ መንግስቲ ሽወደን ብረታት ብፍቓዶም ንዘረክቡ ሰባት ኣብ ውሽጢ 2024 ሓድሽ ናይ ግዜ ገደብ ከቐምጠሎም ካብ ሓያሎ ውድባት ጸቕጢ ይግበረሉ’ሎ። “እዚ ንኹሉ ንሓዞ ዝዓይነቱ ኣገባብ መፍትሒ ክኸውን እዩ ብል እምነት የብለይን፣ ምናልባት ግና ሓደ ካብ ክውሰዱ ዝኽእሉ ብዙሓት ስጉምትታት እዩ” ክብል ኣፈኛ ጒዳያት ፍትሒ ሓምላይ ሰልፊ ራስሙስ ሊንግ ንሬድዮ ኒውስ ሽወደን ገሊጹ። ኣብ ሽወደን …

Read More »

ኣብ ደቡብ ዮተቦሪ ሞልንዳል ምፍንጃር ተኸሲቱ

ካብ ከተማ ዮተቦሪ ንደቡብ ኣብ እትርከብ ሞልንዳል ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ፍንጀራ ኣጋጢሙ። በቲ ፍንጀራ ዝኾነ ሰብ ኣይተጎድአን፡፡ እንተኾነ ግና እቲ ነውጺ ኣዝዩ ከቢድ ብምንባሩ፡ ገለ ክፋል ናይቲ ህንጻ ክፈርስ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ኣብዚ ከባቢ ሓያሎ ሕማቕ ነገራት ተኸሲቶም ኣለዉ…ድሕሪ ሕጂ ኣብዚ ክነብር ኣይደልን እየ” ክትብል ካብቲ ቦታ ከም እትግዕዝ ተገብረት ተቐማጢት ጀኒ ራይደል ንሬድዮ ሽወደን ናይቲ ከባቢ ቻነል P4 …

Read More »

ድሕሪ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ገለ መዐደሊ ነዳዲ ቀረብ ይውድኡ

ኣብ ሓድሽ ዓመት ዋጋ ንሓደ ሊትሮ ብልዕሊ ኣርባዕተ ክሮነር ድሕሪ ምውራዱ፥ ብቕድሚ ትማል ሰሉስ ኣብ ገለ መዐደሊ ነዳዲ ሽወደን ናፍታ ሙሉእ ብሙሉእ ከም እተወድአ ተሓቢሩ፡፡ ። ብዙሓት ዋጋ ነዳዲ ክግደል ክጽበዩ ዝጸንሑ ዓማዊል መካይኖም ንምምላእ ብምጒያያኦም እዩ እዚ ተርእዮ ተኸሲቱ ዘሎ። ዋጋ ነዳዲ ካብ ሓደ ሊትሮ ብኣርባዕተ ክሮና ምጒዳል ምርኣዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምኽንያት እዚ ምንቁልቋል ምጉዳል ግብሪ ነዳዲ ከምኡ'ውን ትእዛዝ …

Read More »

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ብሰንኪ እተኽስተ ሓያል ህቦብላ– ኣራንሺ ዝሕብሩ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዝዞባ ስካነ ብሰንኪ ዝተኸስተ ሓያል ንፋስን ብርቱዕ በረድን ሓያሎ መካይን ምዕናወንን ካብ ቀንዲ ጽርግያታት ከም ምውጽአንን ተፈሊጡ። ኣብ ማልሞ ዝርከብ ጋዜጠኝ ቻነል ውሽጢ ዓዲ ሬድዮ ሽወደን ማርያ ማትሰን፡ ኣብ ምሉእ ዕድሚኣ ክንድዚ ዝኣክል መካይን ካብ ጽርግያ ክስሕባ ርእያ ከም ዘይትፈልጥ ትዛረብ። ንሳ “መብዛሕትኡ ሓደጋታት ዝኽሰአሉ ዘሎ ጎደና ኣብ መንጎ ማልሞን ኤንገልሆልምን ዘሎ E6’ዩ” ክትብል ወሲኻ ትገልጽ። እቶም …

Read More »

ዋጋታት ነዳድን ናፍታን ይንኪ

ብምኽንያት ኣብ ምጅማር ሓድሽ ዓመት ተግባራዊ ዝኾኑ ክልተ ለውጥታት–ኣብ ሽወደን ዋጋ ነዳዲን ናፍታን ክወርድ ተጌሩ፡፡ ነዚ ምጒዳል ዋጋ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ምኽንያታት እቲ ሓደ ምጉዳል ግብሪ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ምንካይ በካሊ ጋዝ ክትግበር ዝወጸ ትእዛዝ እዩ። “እዚ ዓቢ መለሳ ዘለዎ ጒዳይ እዩ–ብወገነይ ሕጒስ እየ” ክብል ነባሪ ማልሞን መራሒ ናፍታ መኪናን ዝኾነ ዛይድ ኣሕማዲ ን ሬድዮ ሽወደን ቻነል P4 …

Read More »

መንእሰያት ዝያዳ ብምድቃስ ሓደጋ ጭንቀት ከጉድሉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ

46% ካብቶም ምርምር እተገብረሎም 8000 ኮተቴ ሽወደን ካብቲ ንቡር ናይ 8 ሰዓታት ንታሕቲ ከም ዝድቅሱ “ማእከል ምርምርን ምክልኻልን ነብሰ ቅትለት” ሽወደን ዝገብሮ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ሓደ ብ ዕድመ ኮተቴነት ዝርከብ መንእሰይ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 8 ሰዓታት ክድቅስ ዝምከር እኳ እንተኾነ እዚ ዳርጋ ኣብ ፍርቂ ዝኾኑ ካብዞም ኮተቴ ይረአ ዘይህላዉ ቲ ማእከል ኣጣሊላ’ላ። እዞም ኮተቴ ካብዚ ዝድቅስዎ ዘለዉ መጠን ብ 30 …

Read More »

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ዛሕሊ ነጋቲቭ 44 ብምብጻሑ ጒዕዞ ባቡራት ይስረዝ

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ብርቱዕ ቁሪ ምግጣሙ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ከኣ ዛሕሊ ነጋቲቭ 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ምብሑ ተፈሊጡ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ሽወደን ኣብ እትርከብ ከተማ ዕደና ዝኾነት ኪርና ዛሕሊ ብዘሰንብድ መልክዕ ናብ ነጋቲቭ 44 ወሪዱ’ሎ። ሽወደን ጥቓ ቀዝሒ ሰሜናዊ ዋልታ እትርከብ ሃገር እኳ እንተኾነት፥ ዛሕሊ ብኸምዚ ደረጃ ክወርድ ሳሕቲ ጥራይ ዝረአ ክስተት እዩ። “እዚ ዘይልሙድ ዛሕሊ እዩ፡ ብኸምዚ ደረጃ ዝዘሓልናሉ …

Read More »

ሓድሽ ኣሰራርሓ ፍቓድ ስራሕ ብርትዕ ነቐፌታ ኣጋጢምዎ

ሽወደን ልዑል ብቕዓት ንዘለዎም ሰብ ሞያ ፍቓድ ስራሕ ንምስላጥ ዘኽእል ፍጡን መስመር ተተኣታቱ’ላ። እዚ ሓድሽ ስርዓት ኣካል ናይቲ መንግስቲ ብቑዓት ሰራሕተኛታት ናብ ሽወደን ንምስሓብ ዘለዎ ድሌት እኳ እንተኾነ፡ ሰፊሕ ክፋል ዓያዪ ሓይሊ ዝጓኒ ብምዃኑ ነቐፌታ ይገጥሞ ኣሎ። “ነቶም ኣዝዮም ብቕዓት ዘለዎም ሰራሕተኛታት ጥራይ ምሽላም እኹል ኣይኮነን" ይብል ፊሊፕ ኣልሰን፡ ኣካያዲ HR ኣብ ‘H2 Green Steel”

Read More »

ወዲ 19 ዓመት ኮተቴ ብቕትለት ን ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ዓሚ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ከተማ ላንድስክሮና ንመሰታኡ ኮተቴ ዝቐተለ ወዲ 19 ዓመት ኮተቴ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ። ሓደ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ እውን ኣብቲ ቅትለት ተሓባባሪ ብምንባሩ ተፈሪድዎ’ሎ። እቲ ግዳይ ብዙሓት ናይ ዓይኒ አሰኻኽር ኣብ ዝነበርዎ ኣብ ኣፍደገ ኣብ ዝርከብ ኮፍ መበሊ እናሃለወ እዩ ብጥይት ተሃሪሙ። ዓቃቢ ሕጊ፡ እቲ ግዳይ ዕላማ ናይዚ ተኹሲ ከም ዘይነበረ እዩ ዝገልጽ። ክልቲኦም ዝተፈርዱ ተኸሰስቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com