Sunday , April 28 2024

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ዛሕሊ ነጋቲቭ 44 ብምብጻሑ ጒዕዞ ባቡራት ይስረዝ

Credit: Turi Wennberg

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ብርቱዕ ቁሪ ምግጣሙ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ከኣ ዛሕሊ ነጋቲቭ 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ምብሑ ተፈሊጡ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ሽወደን ኣብ እትርከብ ከተማ ዕደና ዝኾነት ኪርና ዛሕሊ ብዘሰንብድ መልክዕ ናብ ነጋቲቭ 44 ወሪዱ’ሎ። ሽወደን ጥቓ ቀዝሒ ሰሜናዊ ዋልታ እትርከብ ሃገር እኳ እንተኾነት፥ ዛሕሊ ብኸምዚ ደረጃ ክወርድ ሳሕቲ ጥራይ ዝረአ ክስተት እዩ። “እዚ ዘይልሙድ ዛሕሊ እዩ፡ ብኸምዚ ደረጃ ዝዘሓልናሉ ግዜ ኣይዝክርን ብወገነይ” ክትብል ጋዜጠኛ ሬድዮ ሽወደን ቻነል ፒ4 ኖርቦተን ቱሪ ዌንበሪ ትገልጽ። ትማል ሰሉስ ኩባንያ ባቡር ቪ.ዋይ፡ ብሰንኪ ዝሑል ኩነታት ኣየር፡ ኩሎም ካብ ኡሜዮ ንሰሜን ዝግበሩ ጒዕዞታት ክሳብ ሓሙስ ከምዝተሰረዞም ኣፍሊጡ። እቲ ኲባንያ ነዚ ውሳነ ዝወሰደ ውሕስነት ሓደጋ ተጓዓዝቲ ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com