Sunday , April 28 2024

ወዲ 19 ዓመት ኮተቴ ብቕትለት ን ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ

Credit: Johan Nilsson/TT

ዓሚ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ከተማ ላንድስክሮና ንመሰታኡ ኮተቴ ዝቐተለ ወዲ 19 ዓመት ኮተቴ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ። ሓደ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ እውን ኣብቲ ቅትለት ተሓባባሪ ብምንባሩ ተፈሪድዎ’ሎ። እቲ ግዳይ ብዙሓት ናይ ዓይኒ አሰኻኽር ኣብ ዝነበርዎ ኣብ ኣፍደገ ኣብ ዝርከብ ኮፍ መበሊ እናሃለወ እዩ ብጥይት ተሃሪሙ። ዓቃቢ ሕጊ፡ እቲ ግዳይ ዕላማ ናይዚ ተኹሲ ከም ዘይነበረ እዩ ዝገልጽ። ክልቲኦም ዝተፈርዱ ተኸሰስቲ ነቲ ገበን ኣይወዓልናዮም ክብሉ ናይ እምነት ክሕደት ቃሎም ሂቦም ኣለዉ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com