Saturday , April 27 2024

መንእሰያት ዝያዳ ብምድቃስ ሓደጋ ጭንቀት ከጉድሉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ

Credit: JESSICA GOW

46% ካብቶም ምርምር እተገብረሎም 8000 ኮተቴ ሽወደን ካብቲ ንቡር ናይ 8 ሰዓታት ንታሕቲ ከም ዝድቅሱ “ማእከል ምርምርን ምክልኻልን ነብሰ ቅትለት” ሽወደን ዝገብሮ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ሓደ ብ ዕድመ ኮተቴነት ዝርከብ መንእሰይ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 8 ሰዓታት ክድቅስ ዝምከር እኳ እንተኾነ እዚ ዳርጋ ኣብ ፍርቂ ዝኾኑ ካብዞም ኮተቴ ይረአ ዘይህላዉ ቲ ማእከል ኣጣሊላ’ላ። እዞም ኮተቴ ካብዚ ዝድቅስዎ ዘለዉ መጠን ብ 30 ደቓይቕ ምዝያድ ፡ ክኸት ንዝኽእል ሓደጋ ጭንቀት ብ 10% ናይ ምንካይ ተኽእሎ ኣለዎ ክብል እቲ ምርምር ኣመልኪቱ’ሎ። “ድቃስ ኣብ ኲለመዳያዊ ህንጸት ሓደ ኮተቴ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ክትብል ኣብ ትካል ካሮሊንስካ ስቶክሆልም ኣብ ዝመደብሩ
ሃገራዊ ማእከል ምርምርን ምክልኻልን ነብሰ ቅትለት ዝኾነት ተመራማሪት ተረዛ ለምከ። ኮተቴን መንእሰያትን ኣብ ቤቶም እኹል ድቃስ ንኽረኽቡ ኣብያተ ትምህርቲ ካብቲ ልሙድ ሓደ ሰዓት ድንጒይ ኢለን ኣብ ሰዓታት ንግሆ ስርሐን ክጅምራ እቲ ማእከል ምርምር ለበዋኡ ኣተሓሒዙ ኣቕሪቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com