Saturday , April 27 2024

ዋጋታት ነዳድን ናፍታን ይንኪ

Credit: Adam Ihse/TT/Dusan Marinkovic/Sveriges Radio

ብምኽንያት ኣብ ምጅማር ሓድሽ ዓመት ተግባራዊ ዝኾኑ ክልተ ለውጥታት–ኣብ ሽወደን ዋጋ ነዳዲን ናፍታን ክወርድ ተጌሩ፡፡ ነዚ ምጒዳል ዋጋ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ምኽንያታት እቲ ሓደ ምጉዳል ግብሪ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ምንካይ በካሊ ጋዝ ክትግበር ዝወጸ ትእዛዝ እዩ። “እዚ ዓቢ መለሳ ዘለዎ ጒዳይ እዩ–ብወገነይ ሕጒስ እየ” ክብል ነባሪ ማልሞን መራሒ ናፍታ መኪናን ዝኾነ ዛይድ ኣሕማዲ ን ሬድዮ ሽወደን ቻነል P4 ገሊጹ። እዚ ምጒዳል ግብሪ ኣካል ናይቲ ብኣመሓደርቲ ውድባትን ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደንን ዝኣተውዎ መብጽዓታት ምርጫ እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ውሳነ ፈነወ ካርቦን ንክውስኽ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ ንዝብል ብብርቱዕ ይንቀፍ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com