Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

ድሕሪ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ገለ መዐደሊ ነዳዲ ቀረብ ይውድኡ

ኣብ ሓድሽ ዓመት ዋጋ ንሓደ ሊትሮ ብልዕሊ ኣርባዕተ ክሮነር ድሕሪ ምውራዱ፥ ብቕድሚ ትማል ሰሉስ ኣብ ገለ መዐደሊ ነዳዲ ሽወደን ናፍታ ሙሉእ ብሙሉእ ከም እተወድአ ተሓቢሩ፡፡ ። ብዙሓት ዋጋ ነዳዲ ክግደል ክጽበዩ ዝጸንሑ ዓማዊል መካይኖም ንምምላእ ብምጒያያኦም እዩ እዚ ተርእዮ ተኸሲቱ ዘሎ። ዋጋ ነዳዲ ካብ ሓደ ሊትሮ ብኣርባዕተ ክሮና ምጒዳል ምርኣዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምኽንያት እዚ ምንቁልቋል ምጉዳል ግብሪ ነዳዲ ከምኡ'ውን ትእዛዝ …

Read More »

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ብሰንኪ እተኽስተ ሓያል ህቦብላ– ኣራንሺ ዝሕብሩ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዝዞባ ስካነ ብሰንኪ ዝተኸስተ ሓያል ንፋስን ብርቱዕ በረድን ሓያሎ መካይን ምዕናወንን ካብ ቀንዲ ጽርግያታት ከም ምውጽአንን ተፈሊጡ። ኣብ ማልሞ ዝርከብ ጋዜጠኝ ቻነል ውሽጢ ዓዲ ሬድዮ ሽወደን ማርያ ማትሰን፡ ኣብ ምሉእ ዕድሚኣ ክንድዚ ዝኣክል መካይን ካብ ጽርግያ ክስሕባ ርእያ ከም ዘይትፈልጥ ትዛረብ። ንሳ “መብዛሕትኡ ሓደጋታት ዝኽሰአሉ ዘሎ ጎደና ኣብ መንጎ ማልሞን ኤንገልሆልምን ዘሎ E6’ዩ” ክትብል ወሲኻ ትገልጽ። እቶም …

Read More »

ዋጋታት ነዳድን ናፍታን ይንኪ

ብምኽንያት ኣብ ምጅማር ሓድሽ ዓመት ተግባራዊ ዝኾኑ ክልተ ለውጥታት–ኣብ ሽወደን ዋጋ ነዳዲን ናፍታን ክወርድ ተጌሩ፡፡ ነዚ ምጒዳል ዋጋ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ምኽንያታት እቲ ሓደ ምጉዳል ግብሪ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ምንካይ በካሊ ጋዝ ክትግበር ዝወጸ ትእዛዝ እዩ። “እዚ ዓቢ መለሳ ዘለዎ ጒዳይ እዩ–ብወገነይ ሕጒስ እየ” ክብል ነባሪ ማልሞን መራሒ ናፍታ መኪናን ዝኾነ ዛይድ ኣሕማዲ ን ሬድዮ ሽወደን ቻነል P4 …

Read More »

መንእሰያት ዝያዳ ብምድቃስ ሓደጋ ጭንቀት ከጉድሉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ

46% ካብቶም ምርምር እተገብረሎም 8000 ኮተቴ ሽወደን ካብቲ ንቡር ናይ 8 ሰዓታት ንታሕቲ ከም ዝድቅሱ “ማእከል ምርምርን ምክልኻልን ነብሰ ቅትለት” ሽወደን ዝገብሮ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ሓደ ብ ዕድመ ኮተቴነት ዝርከብ መንእሰይ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 8 ሰዓታት ክድቅስ ዝምከር እኳ እንተኾነ እዚ ዳርጋ ኣብ ፍርቂ ዝኾኑ ካብዞም ኮተቴ ይረአ ዘይህላዉ ቲ ማእከል ኣጣሊላ’ላ። እዞም ኮተቴ ካብዚ ዝድቅስዎ ዘለዉ መጠን ብ 30 …

Read More »

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ዛሕሊ ነጋቲቭ 44 ብምብጻሑ ጒዕዞ ባቡራት ይስረዝ

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ብርቱዕ ቁሪ ምግጣሙ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ከኣ ዛሕሊ ነጋቲቭ 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ምብሑ ተፈሊጡ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ሽወደን ኣብ እትርከብ ከተማ ዕደና ዝኾነት ኪርና ዛሕሊ ብዘሰንብድ መልክዕ ናብ ነጋቲቭ 44 ወሪዱ’ሎ። ሽወደን ጥቓ ቀዝሒ ሰሜናዊ ዋልታ እትርከብ ሃገር እኳ እንተኾነት፥ ዛሕሊ ብኸምዚ ደረጃ ክወርድ ሳሕቲ ጥራይ ዝረአ ክስተት እዩ። “እዚ ዘይልሙድ ዛሕሊ እዩ፡ ብኸምዚ ደረጃ ዝዘሓልናሉ …

Read More »

ሓድሽ ኣሰራርሓ ፍቓድ ስራሕ ብርትዕ ነቐፌታ ኣጋጢምዎ

ሽወደን ልዑል ብቕዓት ንዘለዎም ሰብ ሞያ ፍቓድ ስራሕ ንምስላጥ ዘኽእል ፍጡን መስመር ተተኣታቱ’ላ። እዚ ሓድሽ ስርዓት ኣካል ናይቲ መንግስቲ ብቑዓት ሰራሕተኛታት ናብ ሽወደን ንምስሓብ ዘለዎ ድሌት እኳ እንተኾነ፡ ሰፊሕ ክፋል ዓያዪ ሓይሊ ዝጓኒ ብምዃኑ ነቐፌታ ይገጥሞ ኣሎ። “ነቶም ኣዝዮም ብቕዓት ዘለዎም ሰራሕተኛታት ጥራይ ምሽላም እኹል ኣይኮነን" ይብል ፊሊፕ ኣልሰን፡ ኣካያዲ HR ኣብ ‘H2 Green Steel”

Read More »

ወዲ 19 ዓመት ኮተቴ ብቕትለት ን ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ዓሚ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ከተማ ላንድስክሮና ንመሰታኡ ኮተቴ ዝቐተለ ወዲ 19 ዓመት ኮተቴ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ። ሓደ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ እውን ኣብቲ ቅትለት ተሓባባሪ ብምንባሩ ተፈሪድዎ’ሎ። እቲ ግዳይ ብዙሓት ናይ ዓይኒ አሰኻኽር ኣብ ዝነበርዎ ኣብ ኣፍደገ ኣብ ዝርከብ ኮፍ መበሊ እናሃለወ እዩ ብጥይት ተሃሪሙ። ዓቃቢ ሕጊ፡ እቲ ግዳይ ዕላማ ናይዚ ተኹሲ ከም ዘይነበረ እዩ ዝገልጽ። ክልቲኦም ዝተፈርዱ ተኸሰስቲ …

Read More »

ዝቕባበ ዋጋታት ንልምዲ ሸመታ ሽወደናውያን ይቕይሮ’ሎ።

ብምኽንያት ዝቕባበ ሽወደናውያን ብዛዕባ ሸመታ ኣስቤዛ ዝጸንሖም ኣተሓሳስባን ይቕየር ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘዘራረበቶም ተቐማጦ ስቶክሆልምን ካልኦት ከተማታትን ሓቢሮም። ዓቕሚ ሸመተ ክሮና ብምንካዩ ሰባት ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ፍረታትን ኣሕምልትን ምንካዮም ሬድዮ ሽወደን ተዓዚባ’ላ። ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ኣማንዳ ኒልሰን– “ብምኽንያት ህሉው ዝቕባበ ዋጋታት እንታይ ትበልዕ፥ ክንደይ ዋግኡ ክትሓስብን ፍሉይ ቅድመ-ምድላዋት ክንገብርን ንቕሰብ ኣሎና” ትብል። ብመሰረት ትካል መጽናዕቲ “HUI Research” ፍሉጥ ምልክት …

Read More »

ኣብ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበዝሐ ጎነጽ ተፈጺሙ።

ምስ ጾታዊ ምድፋር ደቂ ኣንስትዮ ዝተኣሳሰሩ ናብ ፖሊስ ዝመጹ ጥርዓናት ኣብዛ ዝተሰናበትናያ ዓመት ብናህሪ ምውሳኾም “ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ገበን” ብኾ ገሊጹ። ኣብ ዓመተ 2023 ምስታ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ 7% ሚእታዊት ወሰኽ ብምርኣይ 963 ጥርዓናት ቀሪቡ’ሎ። ኣብ ክፍሊ ሃገራዊ ስርሒታት ፖሊስ እትዓዪ ኤሪካ ዪለንስቫርድ እዚ ኣሃዛት ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ምስ በደል ዘብጽሑለን መጻምድተን ዝቕመጣ ዝነበረ ደቀንስትዮ ሕጂ …

Read More »

ልዕሊ 75% ሕቶ ቪዛ ኢራናውያን ተነጺጉ

ን ድሕረ-ለነዳ ኮሮና ስዒቡ ብዝተኸትስተ ምውሳኽ ኣህጉራዊ መገሻታት፡ ቊጽሪ ናይቶም ናብ ሽወደን ንምብጻሕ ዘመልክቱ በጻሕቲ ቊጽሮም ምውሳኹ ተገሊጹ። ዝበዝሑ ካብዞም በጻሕቲ ካብ ሃገራት ህንድን ቻይናን እዮም። ይዂንምበር ኲሎ ሓተትቲ ቪዛ እዚ ሕቶኦም ይሰልጥ ዘይምህላዉ፥ ካብ ገለ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ኸኣ ዕንቅፋታት የጋጥሞም ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ዜጋታት ኢራንን ሶርያን ብፍላይ ተጠቀስቲ እዮም። ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ዜግነት ናይ ዝተኸልኡ ዜጋታት ሶርያ ካብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com