Sunday , April 28 2024

ዝቕባበ ዋጋታት ንልምዲ ሸመታ ሽወደናውያን ይቕይሮ’ሎ።

Credit: Sveriges Radio/Isabell Höjman/TT

ብምኽንያት ዝቕባበ ሽወደናውያን ብዛዕባ ሸመታ ኣስቤዛ ዝጸንሖም ኣተሓሳስባን ይቕየር ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘዘራረበቶም ተቐማጦ ስቶክሆልምን ካልኦት ከተማታትን ሓቢሮም። ዓቕሚ ሸመተ ክሮና ብምንካዩ ሰባት ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ፍረታትን ኣሕምልትን ምንካዮም ሬድዮ ሽወደን ተዓዚባ’ላ። ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ኣማንዳ ኒልሰን– “ብምኽንያት ህሉው ዝቕባበ ዋጋታት እንታይ ትበልዕ፥ ክንደይ ዋግኡ ክትሓስብን ፍሉይ ቅድመ-ምድላዋት ክንገብርን ንቕሰብ ኣሎና” ትብል። ብመሰረት ትካል መጽናዕቲ “HUI Research” ፍሉጥ ምልክት ንግድ ዘለዎም ሱፐርማርኬት ዝያዳ ይሽጡ ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com