Wednesday , May 8 2024

ኣብ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበዝሐ ጎነጽ ተፈጺሙ።

Credit: Fredrik Sandberg/TT

ምስ ጾታዊ ምድፋር ደቂ ኣንስትዮ ዝተኣሳሰሩ ናብ ፖሊስ ዝመጹ ጥርዓናት ኣብዛ ዝተሰናበትናያ ዓመት ብናህሪ ምውሳኾም “ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ገበን” ብኾ ገሊጹ። ኣብ ዓመተ 2023 ምስታ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ 7% ሚእታዊት ወሰኽ ብምርኣይ 963 ጥርዓናት ቀሪቡ’ሎ። ኣብ ክፍሊ ሃገራዊ ስርሒታት ፖሊስ እትዓዪ ኤሪካ ዪለንስቫርድ እዚ ኣሃዛት ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ምስ በደል ዘብጽሑለን መጻምድተን ዝቕመጣ ዝነበረ ደቀንስትዮ ሕጂ ክወርደን ዝጸንሐ በደል ንምቕራብ ይደፍራ ምህላወን ዘመልክት እዩ ትብል። ምስ ዓሚ ብምውድዳር፥ ዕድሜአን ካብ 18 ንላዕሊ ዝኾናን እዚ ጥርዓን ዝገበራን ደቀንስትዮ ብፍላይ ኣብ ወርሓት ጥሪ ክሳብ መስከረም ዝነበረ ግዜ ዝያዳ ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። ንግዳት ከምዚ ዝኣመሰለ በደል ዝኾና ደቀንስትዮ ኣድላዪ ሓገዛት ንምሃብ ዝያዳ ጸጋታት ዝሓትት እዩ ክትብል ኤሪካ ዩሉስቫን ትገልጽ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ታቦ ኣወሃሃዲት ኮሚተ ምክልኻል ጎነጽ ማርያ ያንሶን ዘቤታዊ ጎነጽ ዝበጽሐን ደቀንስትዮ፡ ነቶም ፈጸምቲ ደቂተባዕትዮ ይዂን ነዚ ዝዕዘቡ ህጻናት ሓገዝ ኣብ ምሃብ ከም ዝነጥፋ ትዛረብ። ንሳ “ብዛዕባ ዘቤታዊ ጎነጽ ብዙሕ ጥርዓናት ይቐርብ ምህላዉ ብኣዎንታ እየ ዝርእዮ፥ እቲ ኣርእስቲ ነውሪ ካብ ምዃን ሓሊፉ ደቀንስትዮ ደፊረን ንበዳሊአን ክኸሳ ይኽእላ ኣለዋ፥ ይዂንምበር ዛጊት ዓብዪ ማሕበራዊ ሽግር እዩ” ትብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com