Friday , May 3 2024

ዜና መጽሄት

ዩክሬናውያን ስደተኛታት ልዑል ጠለብ ረዲኤት ኣቕሪቦም ይውስኽ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ጥራይ፡ 200 ሓደስቲ ስደተኛታት ዩክሬይን፡ ወለንተኛታት ዝዕድልዎ መግቢ፡ ናይ ጽሬት ናውቲን ክዳውንቲን ንምርካብ፡ ናብቲ ኣብ ኣፕሳላ እትርከብ ማእከል ስደተኛታት ዩክሬይን ከም ዝመጹ ተገሊጹ። ካብ ባሕቲ ሓምለ ኣትሒዘን፡ ምምሕዳራት ከተማ ን ዩክሬናውያን ስድተኛታትን ሓላፍነት ቀረብ መጽለሊ ድሕሪ ምውሳደን፡ ጠለብ ኣገልግሎተን ምውሳኹ ፒ ፎር ኣፕላንድ ኣመልኪቱ። ኣቐድም ኣቢሎም፡ እዞም ስደተኛታት ብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ኣብ ዝተዳለወ መንበሪ ይቕመጡን መግቢ ካብኡ …

Read More »

ሽወደን፡ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ወሲኹ።

ካብ ቀረባ መዓልታት ኣትሒዙ፡ ኣብ ክፋላት ሽወደን ዋጋታት ጸዓት ምውሳኹ ተገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ካብ ሩስያ ናብ ኣውሮጳ ዝነበረ ቀረብ ቱቦ ጋዝ ኣብ ኣጠራጣሪ ኲነታት ምውዳቑ፡ ከምኡ’ውን ካብ ንፋስ፡ ማይን ኑክሌሳዊን ኣገባብ ዝርከብ ጸዓት ብምንቊልቋሉ እዩ። ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዘሎ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ፡ በሰኑይ ናብ 4.9 ክሮና ን ኪሎዋት ኣወር ደዪቡ’ሎ። እዚ ዋጋ ቀረጽ፡ ክፍሊትን ካልእን ከይጸብጸብካ እዩ። ምኽንያት ክብሪ …

Read More »

ፈረንሳ፡ ኣብ ጃምላዊ ህልቂ ሩዋንዳ ንዝተሳተፈ በዓልመዚ ነበር ኣሲራ።

ቤት ፍርዲ ፈረንሳ፡ ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኸስተ ጃምላዊ ህልቂት ዓሌት ቱትሲ፡ ኢድ ኔርዎ ንዝበሎ በዓልመዚ ሩዋንዳ ነበር ገበነኛ ኮይኑ ከም ዝረኸቦን፡ ን 20 ዓመት ከም ዘፈረዶን ቢቢሲ ጸብጺባ። ብገበን ጃምላዊ ህልቂት ሩዋንዳ ዛጊት ኣብ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ካብ እተዳነዩ ሩዋንዳውያን፡ ሎረን ቡሲባሩታ እቲ ዘለዓለ በዓልመዚ ምዃኑ፡ ቢቢሲ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ቡሲባሩታ፡ ኣብ እዋን እቲ ጃምላዊ ህልቂት ኣመሓዳሪ ደቡባዊ ጂኮንጎሮ …

Read More »

ፊንላንድ፡ ሓድሽ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ክኽሰት ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ምስ ምምጻእ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን BA.5፡ ኲነታት ለበዳ ኮሮና ፊንላንድ ሕጂ’ውን ኣሻቕሊ ኮይኑ ምህላዉ ክኢላታት ፊንላንድ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ኣብ ወርሓ ሰነ፡ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ፊንላንድ ሄልሲንኪን ዉሲማን፡ ጅር BA.5 ዓብላሊ ኮይኑ ክወጽእ ከም እተራእየ፡ ሄልሲንጊን ሳኖማት ትማል ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኣብቲ ላቦራቶሪ ካብ ዝተመርመሩ እቶም 42% በቲ ለበዳ እተለኽፉ ኮይኖም ከም እተረኽቡ፡ ዳይረክተር ማእከል መርመራ ሕማማት ሃስ …

Read More »

ኖርወይ፡ ኖርገስ ባንክ ደሞዝ ካብ ዋጋታት ብዝለዓለ ክውስኽ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ።

ኣብ ቀጻሊ ደሞዝ ሰራሕተኛኣት ካብ ዋጋታት ብዝለዓለ ክውስኽ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ኖርገስ ባንክ ገሊጹ። “ኣብ ቀጻሊ ሽቕለት ክውስኽ፡ ኣብ ቊጠባ ልዑል ንጥፈት ክህሉ ከምኡ’ውን ደሞዝ ካብ ዋጋታት ኣቕሑ ብዝያዳ ክውስኽ እዩ ዝብል ትንበያ ኣሎና” ክትብል ኣመሓዳሪት ማእከላይ ባንክ ኢዳ ዎልደን ባሺ ን መደበር ዜና ኖርወይ (NRK) ሓቢራ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋታት ኣቕሑ ብ 6.3% ምውሳኾም ካብ ስታቲሲክስ ኖርወይ እተረኽቡ …

Read More »

“ስለምንታይ እዮም ዱካናትን ኣብያተ መግቢን ኣብ ወርሒ ሓምለ ዕጹዋት ዝኾኑ”

ሽወደናውያን ሰራሕተኛታት ፋብሪካ፡ ንዕረፍቲ ዝወጹሉ ወቕቲ (ኢንዳስሪሰመስተር)፡ ብያታ ካብ ኣዋርሕ ሰነ ክሳብ መወዳእታ ሓምለ ብምንባሩ፡ ኣብ እዋን ሳመር ዝበዝሑ ዱካናትን ኣብያተ መግቢን ሸወደን ተዓጽዮም ከም ዝረኣዩ፡ ሬድዮ ሽወደን “ስለምንታይ እዮም ዱካናትን ኣብያተ መግቢን ኣብ ወርሒ ሓምለ ዕጹዋት ዝኾኑ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቃልሓቶ ዜና ገሊጻ። ኢንዳስሪሰመስተር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ግዜኡ ዝሓለፎ እኳ እንተኾነ፡ ነዚ ያታ ምኽንያት ብምግባር …

Read More »

ዶክተራት ሽወደን ክትባት ጸረ ማንኪፖክስ ክወሃብ ጸዊዖም።

ብምኽንያት ምውሳኽ ሓደስቲ ሕሙማት ማንኪፖክስ፡ ዶክተራት ሽወደን ክትባት ጸረ ማንኪፖክስ ክወሃብ ይጽውዑ’ለዉ። ምስ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብምውድዳር፡ ማንኪፖክስ ብ 25% ዝያዳ ተሓከምቲ ሆስፒታል ከም ዘኸትል፡ እቶም ሓካይም ወሲኾም ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሶደርስዩክሰት ዋና ሓኪም ፊን ፍለን “እዚ ኲነታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣሸጋሪ ናብ ዝበሃል ደረጃ በጺሑ’ሎ፡ ስሩዕ ስራሕና ከይነሰላሰል ዕንቅፋት ኮይኑ’ሎ” ብምባል ንኣሻቓልነት እቲ …

Read More »

ኖርወይ፡ ዋጋ ዓሳ መርሉሶ ኣዝዩ ይኸብር።

ብምኽንያት ኲናት ዩክሬይን፡ ንሱ ዘምጽኦ እገዳን ዋሕዲ ኮታን፡ ዋጋ ዓሳ መርሉሶ ኣዝዩ ወሲኹ ምህላዉ ኖርወይ ቱደይ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ። ኣብ መላእ ወቕቲ ኣየት፡ ዋጋ ዝበረደ ዓሳ መርሉሶ ንኺሎ 50 ክሮና ኖርወይ ምብጽሑ እዚ ድማ ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር፡ ብ 15-20 ክሮና ከም ዝልዕል E24 ኣመልኪቱ። እዚ ወሰኽ፡ ኣብቲ ኣብ ኖርወይን ሩስያን ዝምርኮስ ዝነበረ ኢንዱስትሪ ዓሳ ብሪጣንያ ጽልዋ ምሕዳሩ እቲ …

Read More »

መጥቃዕቲ ቪስቢ ግብረሸራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ምርእይቲ ሽወደናዊት ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ኢንግ-ማረ ቨሰልግረን፡ ኣብ ሰሙነ ኣልመዳሌን ኣብ ቪስቢ ብስሕለት ተወጊኣ ግዳይ ሞት ዝኾነትሉ ፍጻመ፡ ግብረሸራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ብዛዕባቲ ፍጻመ ዝርዝር ሓበሬታ ድሕሪ ምእካብ እዮም፡ ትማል ሰኑይ ነዚ ሓበሬታ ሂቦም ዘለዉ። ነዚ ገበን ፈጺሙ ብዝብል ተጠርጢሩ ዘሎ መንእሰይ፡ ነዚ ወንጀል ምፍጻሙ ጥራይ ዘይኮነ ተወሰኽቲ ሰባት ንምቕታል እውን መደብ ከም ዝነበሮ ተኣሚኑ’ሎ።  

Read More »

ምስ ንኡሳን ብገንዘብ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ሰባት ጽንክር ዝብለ ፍርዲ ይወሃቦም የለን ተባሂሉ።

ኣብያተ ፍርዲ ሽወደን፡ ነቶም ምስ 15-17 ዝዕድሜአን ንኡሳን ደቀንስትዮ ጾታዊ ርክብ ብገንዘብ ዝገዝኡ ሰባት፡ ትርር ዝበለ ፍርዲ ይህቡ ዘይምህላዎም ተገሊጹ ክብል መንግስታዊ ኤጀንሲ ምክልኻል ገበን “ብራ” ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብዚ ጒዳያት እንርእዮ ነገር እንተሎ፡ ነዚ ነገር ዘጋድዱ ነገራት ምህላዎም ኮይኑ፡ ጽንክር ዝበለ ፍርዲ ከይወሃብ ምኽንያት ዝኾነ ግና እዚ ኲነታት ኣይኮነን ” ክትብል ኣካያዲ ፕሮጀክት ብራ ሊና ፍሸልካርድ ገሊጻ’ላ።  

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com