Monday , May 20 2024

ዜና መጽሄት

ስደተኛታት ዩክሬይን ብማዕረ ክመራቕሑ ዝብል ሓድሽ ሕጊ ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ኣብ ትግባረ ክውዕል እዩ።

ስደተኛታት ዩክሬይን ብማዕረ ክመራቕሑ ዝብል ሓድሽ ሕጊ፡ ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ኣብ ትግባረ ክውዕል ምዃኑን፡ ገለ ስደተኛታት ዩክሬይን ክግዕዙ ከም ዝኽእሉን ተገሊጹ። ኣብ ቤተክርስትያን ሽወደን ኣወሃሃዲት ስደተኛታት ሊና ኣንደርሰን፡ ኣብ ሃላንድ ደቡብ ሽወደን ንዝርከብ መደበር ሬድዮ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ምስ  ስደተኛታት ዩክሬይን መዓልታዊ ከም እትራኸብን እቶም ስደተኛታት ተሻቒሎም ምህላዎም ምስትውዓላን ኣመልኪታ። ኣብ ናይ ብሕቲ መንበሪ ዘለዉ ስደተኛታት በዚ ሓድሽ ሕጊ ከም …

Read More »

ቋንቋ ሽወደን ኣገዳሲ ረቛሒ ቀዋሚ መንበሪ ክኸውን እዩ። 

ቋንቋ ሽወደን ከም ረቛሒ ቀዋሚ መንበሪ ክከውን ከም ዝድግፋ፡ ክልተ ዝዓበያ ሰልፊታት ሽወደን ገሊጸን። መንግስቲ ብወገኑ እዚ ብኸመይ ክካወን ከም ዝግብኦ ኣብ ምምርማር ይርከብ ኣሎ–ብመሰረት ሓበሬታ ሬድዮ ሸወደን። እንተኾነ ግና፡ ምቊጽጻር ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን፡ ኣብ ብቕዓት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተዋህበ ትምህርቲ ቋንቋ ስክፍታ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። ቋንቋ ሽወደን ከም ረቛሒ ቀዋሚ መንበሪ ይኸውን ምህላዉ፡ ንጠለብን ደረጃን እቲ ዝወሃብ ኮርስ …

Read More »

ሩስያ ን ሽወደንን ፊንላንድን ኣጠንቂቓ።

ፊንላንድን ሽወደንን ወተሃደራትን ትሕተ-ቅርጻን ኔቶ ናብ ሃገረን ክኣቱ እንተጌረን፡ ሞስኮ ኣድላዪ ዘበለ መጥቃዕቲ ክትፍኑ ምዃና ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣጠንቂቑ። ፑቲን ኣብ ቱርክመኒስታን ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ እዘን ሃገራት ኣባላት ኔቶ ምዃነን ከም ዘይዓጅቦ፡ እንተኾነ ግና ሰራዊትን ትሕተ ቅርጻን ኔቶ ናብ ግዝኣተን ብምእታው ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ስግኣት ጸጥታ ዝፈጥራ እንተኮይነን ንሕና’ውን ዓጸፋ ብምልላስ ስግኣት ጸጥታ ክንፈጥረለን ከም እንኽእል ክፈልጣ …

Read More »

ፊንላንድ ብ ዶብ ሩስያ ገዚፍ ሓጹር ክተንብር እያ።

ፊንላንድ ኣብቲ ምስ ሩስያ ዘራኽባ ናይ 134 ኪሎሜትር ዶብ፡ ገዚፍ ሓጹር ክትሃንጽ እያ ተባሂሉ። መንግስቲ ኣብ ዶብ ሩስያ ገዚፍ ሓጹር ክሃንጽ ዘኽእሎ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብዚ ሰሙን ብ ሃገራዊ ባይቶ ፊንላንድ ክጸድቕ እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘለዎ ሬድዮ ኤኮት ጸብጺባ’ላ። “ነገራት ብቕልጡፍ ክለዋወጡ ስለዝኽእሉ፡ ንዂሉ እንተታት ድሉዋት ክንከውን ኣሎና” ክትብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ፊንላንድ ክሪስታ ሚኮነን ኣመልኪታ። ኣብ ዶባት ዘሎ ምትሕብባር …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኖርወይ ዝወሓደ ስርቂን ገበን ዕጸፋርስን ከም እተኸስተ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስን በዓልመዚ ኣኽባር ሕጊን ብጠቕላላ 278,800 ገበናት ምምዝጋቦም ተገሊጹ። እዚ ምስታ ዝሓለፈት ዓመት ዝነበረ መጠን ገበን እንክወዳደር ብ 7% ከም ዝውሕድ እቶም ሰብመዚ ኣመልኪቶም። ብፍላይ ምስ ዕጸፋርስ እተተሓሓዙ ገበናት፡ ብሲሶ ጎዲሎም ኣለዉ ተባሂሉ’ሎ። ብፍላይ ኣብ ወርሓ ሚያዝያ፡ ን ምውናን ዕጸፋርስ ኣመልኪቶም ፖሊስ ስጒምቲ ክወስዱ ዋና ኣኽባር ሕጊ ድሕሪ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ ቊጽሪ ገበን ምንቊልቋል ከርኢ ምጽንሑ ኖርወይ ቱደይ …

Read More »

ሽወደን ናብ ዩክሬይን ተወሳኺ ኣጽዋር ክትልእኽ እያ።

ሽወደን ናብ ዩክሬይን ተወሳኺ ኣጽዋር ክትልእኽ ምዃና፡ መንግስቲ ትማል ሓሙስ ኣፍሊጡ። እዚ 500 ሚልዮን ክሮና ዝግመት ፓኬጅ ሓገዝ ኣጽዋር፡ ጸረ-ታንክ ሚሳይላት፡ ብሬናትን ጸረ ፈንጂ መሳርሒታትን ዘጠቓልል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሽወደን ከምዚ ዝበለ ፓኬጅ ሓገዝ ናብ ዩክሬይን ክትልእኽ፡ ሕጂ ንሓሙሻይ ግዜኣ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ፒተር ሃልትቪስት ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ማእከላይ ባንክ ሽወደን መጠን ወለድ ወሲኹ።

ብምኽንያት ልዑል መጠን ዝቕባበ፡ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ንወለድ ባንክ ካብ 0.25% ናብ 0.75% ክብ ከብሎ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ባንክ መጠን ወለድ ኣብ 2% ደው ከብለሉ ዝኽእል ሸቶ ከም ዝሓለፎ፡ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ስቴፋን ኢንግቨስ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት መጠን ወለድ ማእከላይ ባንክ 7.2% ምንባሩ ፋይናንሳዊ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ምጅማር 2023 ማእከላይ ባንክ መጠን ወለድ ናብ 2% ንኽምለስ ቀንዲ ፖሊሲኡ ጌሩ …

Read More »

ሲሶ ካብ መንእሰያት ኖርወይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቦም ኣይፈልጡን እዮም ተባሂሉ።

ሲሶ ካብ መንእሰያት ኖርወይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቦም ኣይፈልጡን እዮም ክብል ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ሃይማኖት ከም ዘይብሎም ዝገልጹ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምፍላጥ ህንጡይነት ከም ዘለዎም፡  እንተኾነ ግና በንጻሩ እቶም ሃይማኖት ከም ዝስዕቡ ዝገልጹ ባእታታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘየንብቡ ስነ ማሕበራዊ መጽናዕቲ ሃይማኖት ዘካይድ ኤርለንድ ሆቭድኪን ፎን ገሊጹ። እዚ ዳህሳስ ኖርስታት ብተልእኾ ቫርትላንድ ዝተኻየደ እዩ። ብዘይካዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብሉይ ናይ ጀንደር …

Read More »

ልዝብ መንገዲ ኣየርን ማሕበር ፓይለታትን ተናዊሑ።

ፓይለታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ሎሚ ክገብርዎ ሓሲቦም ዘለዉ ኣድማ ንምውጋድ ዝተሓስበ ዘተ፡ ክናዋሕ ከም እተገብረ ተገሊጹ። ዝምልከቶም ኣካላት ክሳብ ትማል ፍርቂ ለይቲ እንድሕር ኣብ ስምዕ ዘይበጺሖም፡ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ማሕበር ፓይለታት ሽወደን ኖርወይን ዴንማርክን ኣፍሊጡ ምንባሩ፡ መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ ሓቢራ። ኣብ መንጎ ማሕበር ፓይለታትን እቲ መንገዲ ኣየርን ሓድሽ ውዕል ዝፍጸመሉ ናይ ግዜ ገደብ ዓርቢ ምሸት ምዃኑ፡ እታ ማዕከን ሓበሬታ …

Read More »

ክንክን ሽማግለታት ንምምሕያሽ ኣመልኪቱ ሓድሽ ለበዋታት ቀሪቡ። 

ኣብ ሽወደን ዘሎ ኣገባብ ክንክን ሽማግለታት ንምምሕያሽ ኣመልኪቱ፡ ሓድሽ ለበዋታት ናብ ሚኒስተር ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ሌና ሃለንግረን ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ። እዚ ለበዋታት፡ መንግስቲ ዝመወሎ መጽናዕቲ ምርኲስ ብምግባር ዝሓለፈ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ምውሳኽ ብቚዓት ሰራሕተኛታት፡ ቀዋሚ ውዕል ስራሕ ምትእትታውን ዶክተራት 24 ሰዓታት ዝሰርሑሉ ኲነትት ምፍጣርን ገለ ካብቶም ኣብዚ ለበዋታት ካብ እተላዕሉ ወሰንቲ ነጥቢታት እዮም። ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ መአይ ትካላት ሽማግለታት ድሕሪ ዘውረዶ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com