Friday , May 10 2024

ዜና መጽሄት

ቤተመዘክር ጃምላዊ ህልቂት ኣይሁድ ምስክርነታት ከአንግድ እዩ።

ካብ ጃምላዊ ህልቂት ኣይሁድ ካብ ብሱል ጥረ ዝደሓነን ኣብ 1948 ናብ ሽወደን ዝኣተወን ቶብያስ ራወት፡ ብዲጂታላዊ መልክዕ ገዛእ ርእሱ ሕቶታት ህጻናት ክምልስ እዩ ተባሂሉ። እዚ ብኦንላይን ዝግበር ምርኢት፡ ካብ መላእ ኣውሮጳ ኣብ ሽወደን ንፈለማ እዋን ዝኽፈት ዘሎ ሓድሽ ቤተመዘክር ጅምላዊ ህልቂት ኣይሁድ እዩ። ናይቲ ቤተመዘክር ሓላፊት፡ ካትሪና ሆትማን እዚ ሓድሽ ቤተመዘክር ንምኽፋት ሓድሽ ሓለፍነት ዘሰክም እዩ ተባሂሉ።

Read More »

ማክያሪኒ ተፈሪዱ።

ክኢላ ኦፐሬሽን ጎረሮ ፓውሎ ማክያሪኒ፡ ኣብ ሰባት ኣካላዊ ጒዳት ብምውራዱ፡ ትማል ሓሙስ ቤት ፍርዲ ወረዳ ሶልና ውሳነ ፍርዲ ከም ዝሃቦ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።. ንሱ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ትካል ካሮሊንክሳ ስቶክሆልም ምልዋጥ ኣካሊት ጒርጒም ኣብ ዘካይደለን ዝነበረለን ሰለስተ ስርሒታት፡ ኣካላዊ ጒድኣት ብምውራዱ እዩ ተኸሲሱ ጸኒሑ። ሰለስቲኦም ሕሙማት፡ ጸኒሖም በቲ ጒድኣት ከም ዝሞቱ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ማክያሪኒ ግና ሞቶም ምስቲ ዘካየድዎ ሕክምና …

Read More »

ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝጸንከረ እገዳታት ክትጽዕን ከም ዝግባእ ተገሊጹ።

መራሒት ሰልፊ ሊበራል ጉሪ ሜልቢ፡ ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝጸንከረ እገዳታት ክትጽዕን ከም ዝግባእ ድሕሪ ምምልካት፡ ዛጊት እቲ መንግስቲ ብዘይካ ምእጋድ ወደብ ካልእ ምንም ወስታ ኣገዳ ብዘይ ምግባሩ ነቒፋ። ኣብ ምጅማር ወርሒ ግንቦት፡ እዚ ምእጋድ ወደብ ንመራኽብ ሩስያ ኣብ ትግባረ ከም ዝወዓለ ዝፍለጥ እዩ። ብመሰረት እዚ እገዳ፡ መራኽብ ሩስያ ብምኽንያት እቲ ሃገረን ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ቅሉዕ ወራር፡ ኣብ ወደባት …

Read More »

ዴንማርክ፡ ልዕሊ 200 ዩክሬናውያን ስራሕ ረኺቦም።

203 ስደተኛታት ዩክሬይን፡ ብመሰረት ዝወጸ ፍሉይ ሕጊ፡ ስሉጥ ፍቓድ መንበሪ ድሕሪ ምርካቦም፡ ድሮ ስራሕ ምጅማሮም ካብ ዴንማርካዊ ኤጀንሲ ዕዳጋ ሽቕለትን ምቚጻር ስራሕን ዝተረኽበ ሓድሽ ዳታ ኣመልኪቱ። ኣብ ጆብኔት ዝተባህለ ስራሕ ንምርካብ ዝድልል መርበብ ሓበሬታ፡ 4800 ዝኾኑ ስደተኛታት ዩክሬይን ናይ ብቕዓት ምስክር ወረቓቕቶም (ሲቪኦም) ኣእትዮም እኳ እንተለዉ፡ ዛጊት 203 ጥራይ ስራሕ ምርካቦም፡ ዝበዝሑ ካብዞም ስደተኛታት ገና ስራሕ ንምርካብ ይጋደሉ ምህላዎም ዘመልክት …

Read More »

ፖሊስ፡ ባርዕ ትራልሃታን ገበነኛታት ሕነ ንምፍዳይ ዘሳወርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ሽዱሽተ ከባቢታት ትሮልሃታን (ምዕራብ ሽወደን) እተኸስተ ባርዕ ሓዊ፡ ኮነ ኢልካ እተሳወረ ክኸውን ይኽእል እዩ– ዝብል ጥርጣረታት ከም ዘለዎም፡ ፖሊስ ገሊጾም። ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ናይ መካይን መዐሸጊ፡ ሰብ ዘይሰፈሮም ኣባይቲ፡ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበላ መካይን በቲ ባርዕ ከም እተሃሞኻ፡ P4 Väst ገሊጻ’ላ። ኣብ ትራልሃታን፡ ኣብ ናይ ደቓይቕ ፍልልይ ብርክት ዝበለ ምስዋር ሓዊ ከም እተኸስተ፡ እዚ ድማ ባህርያዊ ዘይኮነስ …

Read More »

ዴንማርክ ን ዩክሬይን ክትሰዶ ዝሓሰበት ወተሃደራዊ ሓገዝ ብ ስዊትዘርላንድ ተዓጊቱ።

ዴንማርክ ን ዩክሬይን ክትልግሶ መዲባቶ ዝነበረት ወተሃደራዊ ሓገዛት፡ ብ ስዊትዘርላንድ ከም እተዓገተ ተገሊጹ። ስዊትዘርላንድ እዚ ዝገበረት፡ ኣብ ቅልውላው ዩክሬይን ብዝወሰደቶ ዘይሻራዊ መርገጺ እዩ፡ ክትብል ማዕከን ዜና ሮይተርስ ን ስዊትዘርላንዳዊ መደብር ዜና SRF ብምጥቃስ ጸብጺባ። ብመስረት እዚ ስዊትዘርላንድ ኣብ ቅልውላው ዩክሬይን ዝወሰደቶ ፖሊሲ ዘይሻራነት፡ ኣብ ሃገራ ዝፈሪ ወተሃደራዊ ኣቕሑ ናብ ሳልስይ ሃገር ክግዕዝ ኣይትፈቅድን እያ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ዴንማርክ፡ ምስ ምልጋስ ኣጽዋር …

Read More »

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ፡ ካልእ ነዊሕ መስርዕ ክህሉ እዩ ተባሂሉ።

ኦፐሬተር መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን (ስዊዳቭያ)፡ ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ስቶክሆልም፡ ነዊሕ ሪጋ ገያሾ ክህሉ ከም ዝኽእል ንዓማዊል ሓቢራ። እታ ኦፐሬተር፡ ኣብዚ ብደረጃ ሃገር ዝዓበየ ናይ በረራ ኣገልግሎት ዝወሃበሉ መደበር፡ ኣብ ነቚጣታት መፈተሺ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ ገያሾ ናብ መጸበዪ ቦታኦም ክሳብ ዝበጽሑ፡ ዘሎ መስርሕ ስክሪኒንግ ክናዋሕ ይኽእል እዩ ክትብል ኣመልኪታ። ብዘይካዚ፡ ዝበዝሑ ገያሾ ኣብ ሰለስቲአን መዓልታት …

Read More »

ባይቶ ኖርወይ ንወነንቲ ኣኻልብ ተሪር መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ።

ኖርዌጃውያን ወነንቲ ኣኻልብ፡ ጽንክር ዝበለ ሕጊታት ክስዕቡ ዝድንግግ እማመ ክሓልፍ፡ ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ሽወደን (ስቶርቲንግ) ዝሓለፈ ረቡዕ ምስምማዖም፡ ኖርወይ ቱደይ ኣመልኪታ። ብመሰረት እቲ እማመ፡ ወንነቲ ኣኻልብ ከልቦም ሰባት፡ እንስሳታት፡ ንብረት ወይ ካልእ ነገራት ከይጐድእ ክጥንቀቑ ከም ዝግባእ NRK ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ወንነቲ ኣኻልብ፡ እቲ እንስሳ ዘድልዮ ረቛሒታትን ስልጠናን ምምላኦም ርግጸኛታት ክኾኑ ከድልዮም እዩ ተባሂሉ። እዚ እማመ ባይቶ ክሳብ ግንቦት 24 ክዛዘም …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ሽወደን ብዝሒ ዘለዎ ዕጸ ፋርስ ሒዛ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስ ሽወደን ብዝሒ ዘለዎ ሓሽሽ ምስ ናርኮቲክ ምትእስሳር ዘለዎም መድሃኒታትን ካልኦትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም፡ ሬድዮ ሽወደን ካብ ፖሊስ እተረኽቡ ሓደስቲ ኣሃዛት ብምጥቃስ ሓቢራ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስ ክሳብ 23 ኲንታል ሓሽሽ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ። እዚ ምስ ኣብ ዓመተ 2020 ዝነበረ ናይ 14 ቶን ኣሃዝ እንክነጻጸር፡ ዘገርም ወሰኽ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ እዋን ለበዳ ዝነበረ ናይ ምንቅስቓስ …

Read More »

ዔርዶጋን ን ሽወደን ክቃወም ዝደረኾ ውሽጣዊ ፖለቲካ ሃገሩ እዩ ተባሂሉ።

ቱርኪ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ድምጺ ናይ ምሃብ መሰላ ተጠቒማ ክትቃወም ምዃና ምጥንቃቓ ብመቓን ውሽጣዊ ፖሊስ እታሃገር ክረአ ከም ዝግብኦ ሓንቲ ተመራማሪት ገሊጻ። ብምኽንያት ቊጠባዊ ቅልውላው ፕረሲደንት ቱርኪ ጠይብ ዔርዶጋን ኣብ ህዝቢ ዝጸንሖ ተቐባነት እናንቈልቈለ ክመጽእ ምስ ምጽንሑ ንሱ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ እዩ ዝጽዕር ዘሎ ክትብል ኣብ ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሽወደን እትሰርሕ ቢት ሃማራገን  ገሊጻ’ላ። ቀዳመይቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com